ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንካህናት ቬሮና፡ ምስጢረ ንስሓ ስቅያት ክኸውን የብሉን፡ ንኹሉ ይቕረ በሉ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቨሮና ዝገብርዎ ሓውጾተ ኖልዎ ብቐዳምነት ምስ ዲያቆናት፣ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ንኽራኸቡ ናብ ባዚሊካ ቅዱስ ዜኖ ከም ዝኸዱን ኣብኡ ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ጸዋዕታኡ ሓቚፉ ተልእኾኡ ብትብዓት ክፍጽምን፡ ሕድሪ እምነትን ግብረ ሰናይን ተስፋን ናይታ ከተማ ከብዕሉ ይላበዉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብቲ ምስ ዲያቆናት፣ ካህናትን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣባላት ሰብ ውፉይ ሕይወትን እታ ከተማ ሰሜን ኢጣልያ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፥ ነቲ ዘደንቕ ሮማዊ ህንጻ ባዚሊካ ቅዱስ ዜኖ ስነ ህንጻዊ ኣሰራርሓኡ ቅርጺ ጀልባ ከም ዘዘኻኽሮምን እዚ ድማ ብሓባር እታ "ናይ ወንጌል ሓሴት ንምስፋሕ ንባሕሪ ታሪኽ ዝዞረት ናይ ጎይታ ጀልባ ትውክል” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ጸዋዕታ ብሓጎስ ምቕባል

“ቅድሚ ኩሉ – ነቲ ዝተቐበልናዮ ጸዋዕታ ብሓጎስ ክንነብሮ ይግባእ” እንክብሉ መደረኦም ኣበጊሶም፡ ኢየሱስ ኣብ መጀመርታ ኣገልግሎቱ ማለት ኣብ ገሊላ፡ “ኣብ ገምገም ቀላይ እናተጓዕዘ ኣዒንቱ ናብ ጃልባን ናብ ክልተ ጽምዲ ገፈፍቲ ዓሳ ኣሕዋትን ከም ዝገበረን . . . ቀሪቡ ክስዕብዎ ይጽውዖም” ቢሎም፡ ነቶም ኣብቲ ቦታ ተኣኪቦም ዝነበሩ ኣባላት ውሉደ ክህነትን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት ነዚ ምስሊ እዚ ፈጺሞም ከይርስዑ ዓዲሞም፣ እዚ ድማ ሕመረት ሕይወት ክርስቲያናዊ ርክብ ምስ ጎይታ ምዃኑ ዘርኢ ኮይኑ፥ “ውልቃዊ ብቕዓት ወይ ጻዕሪ ብዘየገድስ” ዝኽወን ርክብ እዩ። በዚ ድማ ብተመሳሳሊ መንገዲ “መበገሲ ውፉይ ሕይወት” ጸዋዕታ ጐይታ ምዃኑ ገሊጾም . . . ኩሎም “ኣግራሞት ናይቲ ጸዋዕታ ፈጺሞም ከይርስዑ ተላብዮም። እቲ ምግራም ብጸጋ ዝተቐበልናዮ ህያብ ዝኽሪ እዩ ዝሕብሕብ፣ ኣብ ውሽጥና ወትሩ ህያው ክንከውን ዝግብኦ ዝኽሪ።"

"እዚ ቀዳማይ መሰረት ናይ ጸዋዕታ ውፉይ ህይወት ኣገልግሎትናን እዩ" እንክብሉ ብኣጽንዖት ይገልጹ።

ተልእኾ

ቀጺሎም ናብቲ ካልኣይ ኣስተንትኖኦም ብምኻድ፡ እዚ ድማ ተልእኾ ዝብል ኮይኑ፡ ተልእኾ ኣብ ምፍጻም ትብዓት ከምዘድሊ ኣስተብሂሎም፡ ዳግማይ ናብ ምስሊ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ምስ ደቀ መዛሙርቲ ዝተራኸበ ኢየሱስ ምልስ ቢሎም፥

"ትብዓት እዛ ቤተ ክርስቲያን ኣጸቢቓ እትፈልጦ ውህበት እዩ . . . ብሓቂ ናይ ቬሮና ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ዝገልጾም ባህርይ እንተሃልዩ ህርኩት መሃዝነትን ትንቢት ወንጌል ናይ ምንጽብራቕ ዓቕሚ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሕድሪ ቬሮና

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቀጺሎም ነቲ ታሪኻዊ ውርሻ ዝኾነ ብእምነት ዝምራሕ ማሕበራዊ ኣበርክቶ ቬሮና ዝብል ምዃኑን እቲ ሕድሪ ብብዙሓት "ንኣዋጅ ቃል ብለጋስን ርህሩህን ኣገልግሎት ንዝተጸገሙ ክጥርንፉ ዝኸኣሉ ናይ እምነት መሰኻኽር" ዝቖመ ምዃኑ ድማ ገሊጾም፥ ብፍላይ ከኣ "ናይ ስልጠና ኣብያተ-ትምህርቲ ኣባይቲ ሕክምናን መንበሪ ኣረጋውያን ኣባይቲ ሱባኤን ናብ ምምስራት ዝመርሐ 'ማሕበራዊ ብልሓት'" ጠቒሶም፡ ትምህርቲ ቅዱስ ዜኖ መሰረት ገይሮም ነቶም ዝተኣከቡ ኣባላት ውሉደ ክህነትን ገዳማውያንን ገዳማውያንት ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ስስዐ ንቡር ምግባር ዘስዕቦ ሓደጋታትን ኣገዳስነት ንጡፍ ግብረ ሰናይን ኣዘኻኺሮም። "ትብዓት ናይ ሓደ ኣብ ግብረ - ሰናይ ዝንበር እምነት ካብ ታሪኽኩም ወሪስኩም ኢኹም።" በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ፥ “ሰናይ ኣብ ምግባር ኣይትድከሙ” ዝብላ ቃላት ቅዱስ ጳውሎስ ደጊሞም ምስ ተላበዉ፡ ኣስዒቦም “ንተስፋ ምቑራጽ ኢድኩም ኣይትሃቡ - ቢሎም - ኣብ ተልእኾ ተባዕ ኩኑ፣ ቀረባ እትኸውንን፣ ቁስሊ እትፍውስ፣ ምሕረት ኣምላኽ እትምስክር ቤተ ክርስቲያን ኩኑ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ናብ ካህናት

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ቅዱስነቶም ናብቲ ኣብቲ ጉባኤ ዝነበሩ ካህናት ብምቕናዕ፡ ኣገልገልቲ ምስጢረ ንስሓ እንክብሉ ገሊጾም፥ "በጃኹም ንኹሉ ይቕረ በሉ ኩሉ ይቕረ በሉ" እንክብሉ ሓቲቶም፥ ናብ ምስጢረ ንስሓ ንዝመጹ ሰባት መርመርቲ ከይኮኑ ድማ ሓቲቶም፥ "ኣብታ ህሞት እቲያ ናይ ምርዳእ ዓቕሚ እንተ ዘይብልኩም እውን ንቕድሚት ኪዱ:  ስለምንታይ ጎይታ ይርድኦ እዩ። ነቶም ዝናዘዙ ኣይተሳቕይዎም።”

"ቤተ ክርስቲያን ይቕሬታ ​​የድልያ ንስኻትኩም ድማ መሳርሒ ይቕሬታ ​​ኢኹም" ከምዝበሉን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ፍቕሪ ከተማ

ቅዱስነቶም ኣብ መደምደምታ፥ ንቬሮናን ንኹሎም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩን ከተማ ፍቕሪ ክኾኑን፣ ብወንጌል ተደሪኾም ነዚ ፍቕሪ እዚ ክዘርኡ ኣተባቢዖም። ነቲ ብጽባቐ እታ ከተማ ዝተደፋፍአ ዛንታ ስቓይ ሮሜዮን ጁልየትን ዘዘንቱ “ሸክስፒር” ብምጥቃስ “ንሕና ክርስትያን ብወንጌል ተደሪኽና ነቲ ካብ ጽልእን ሞትን ዝሓየለ ፍቕሪ ክንዘርእ ንስራሕ” ቢሎም ንኸተማ ቨሮና ከተማ ሕልምን ፍቕርን እንክብሉ ገሊጾም ንኹሎም ድማ “ፍቕሪ እግዚኣብሔር የሰንየኩም” ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

18 May 2024, 17:42