ድለ

ር.ሊጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ካምፒዶልዮ ቤት ምኽርን ከንቲባ ህንጻ ሮማ ክበጽሑ እዮም ር.ሊጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ካምፒዶልዮ ቤት ምኽርን ከንቲባ ህንጻ ሮማ ክበጽሑ እዮም  (Copyright © Nicola Forenza)

ር.ሊጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ካምፒዶልዮ ቤት ምኽርን ከንቲባ ህንጻ ሮማ ክበጽሑ እዮም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ኣብ ሞንጎ ለበዳ ኮቪድ-19 ብማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ ኣብ ዝተዳለወ መደብ ጸሎት ንሰላም ድሕሪ ምስታፎም ንኻልኣይ ግዚኦም ኣብ ሕንጻ ቤት ምኽርን ከንቲባን ሮማ ካምፒዶሊዮ ክበጽሑ ከም ዝኾኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ናይ ሮማ ከተማ ቤት ምኽርን ከንቲባን ህንጻ ‘ካምፒዶሊዮ’ ዕለት 10 ሰነ ምብጻሕ ከካይዱ ከም ዝኾኑ ናይ ከተማ ሮማ ሓይል ጸጥታ ቤተ ጸሎት ሓላፊ ኣባ ማሲሞ ኮቺ ድሕሪ ዝሃብዎ ወግዓዊ መግለጺ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣረጋጊጹ፥ ዕለት 10 ሰነ ቅዱነቶም ንግሆ ሰዓት 09.00 ኣብ ካፒዶሊዮ ክበጽሑን ብናይ ከተማ ሮማ ከንቲባ ሮበርቶ ጓልቲየሪ ኣቀብብላ ክግበረሎም ከምዝኾነ ኣመላኺት ናይ ከተማ ሮማ ከንቲባ ከምቲ ልሙድ ዕለት 4 ጥሪ 2024 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ቅዱሰንቶም ተራኺቦም ከም ዝነበሩን ድሕሪ እቲ ርክብ ከንቲባ ጓልቲየሪ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብነት ምትሕግጋዝን ሕውነትን ሰላምን እንክብሉ ከም ዝገለጽዎም የዘኻኽር።

ድሕሪ ጸሎት ሰላም ናብ ካምፒዶግልዮ ምምላስ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ማሕበረሰብ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ኣብ ዘዳለዎ መደብ ንምስታፍ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ኣብ ካምፒዶሊዮ ምብጻሕ ኣክያዶም ከም ዝነበሩን ኣብቲ መደብ ጸሎት እውን ናይቲ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ መስራቲ ፕሮፈሰር ኣንድረያ ሪካርዲን ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላን መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ከም እተሳተፉን ቅዱስነቶም ኣብታ ዕለት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ግዳያት ለብዒ ውግእ ግብረ-ሽበራ ከምኡውን ዓመጽ ዝዀኑ ሰባት ንምዝካር ሒደት ደቓይቕ ስቕታ ክግበር ዓዲሞም፥ ድሕሪ እዚ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ዘቕረብዎ ናይ ሓባር ሰላም ጻውዒት ምስ ተነበ ገለ ቆልዑ ነቲ ጽሑፍ ናይቲ ጻውዒት ካብቶም መራሕቲ ሃይማኖት ተቐቢሎም፡ ናብቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን ናይ ፖለቲካዊ መራሕትን ከም ዘረከቡ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

11 May 2024, 17:17