ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ምስ መንእሰያት ካህናት ሮማ ተራኺቦም፡ “ሰናይ ምግባር ኣይትሕመቑ”
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 14 ግንቦት ንልዕሊ 40 ዓመታት ኣብ ሓዋርያዊ ኣገግልግሎት ምስ ዝርከቡ ቆሞሳትን ተራዳእያን ቆሞሳትን ተራኺቦም ብሕቶን መልስን ብዝተሰነየ ኣገባብ ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ክዝከር እንከሎ፡ ብተመሳሳሊ መደብ መሰረት እውን ዕለት 29 ግንቦት ምስቶም ካብ ዓሰርተ ዓመት ንታሕቲ ዘገልግሉ ዘለዉ ሓደስቲ መንሰያት ካህናት ከም እተራከቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ምስቶም ካህናት ብዛዕባ ጕዳያት ጕስነት ኣማእኪሎም እውን ከምእተመያየጡን ኣፍሊጡ።
እቲ ምስቶም መንእሰያት ካህናት ኣብ ሮማ ቤት ማሕበር ደናግል መንፈሳውያን ደቀ መዛሙርቲ መለኮታዊ መምህር ከም እተራከቡን ኣብኡ ምስ በጽሑ በቲ ናይቲ ማሕበር ደናግል ኣቀብብላ ምስ ተገብረሎም ቅዱስነቶም ስለ ዝተገብረሎም ኣቀባብላ ኣመስጊኖምን ምስተን ኣብቲ ናይ ኣቀባብላ ስነ ስርዓት ዝተረኽባ ናይቲ ማሕበር ብዕድመ ዝደፋኣ ኣረጋውያን ኣባላት ተራኺቦም ድሕሪ ምልውዋጥ ሰላምታ ቡራኬ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ዘተ ምስ ካህናት
ፍራንቸስኮ ነቲ ኣኼባ ብጸሎትን ብንባብ ናይ ዕለቱ ወንጌልን ኣበጊሶም ብድሕሪ እዚ ብቐንዱ ንጉዳያት ጉስነት ዝምልከት ብሕቶን መልስን ብዝተሰነየ ዕጹው መደብ ዘተ ከም ዘካየዱን ነቶም መንሰያት ካህናት “ሰላምታይን ቡራኬይን እህበኩም . . . ሰናይ ምግባር ኣይትደክሙ!” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ወርሒ መስከረም 2023 ዓ.ም. ጀሚሮም ኣብ ዝተፈላለያ ሰበኻዊ ዞባ ሮማ ሓውጾተ ኖልዎ ብምክያድ ምስ ካህናትን ናይ ርእሰ ሰበኻ ሮማ ሰበኻታት ካህናት ከምዝራኸቡን ካብቶም ካህናት ብዛዕባ ብድሆታትን ጸገማትን ጽባቔን ዕጋበትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግልቶም ዝምልከት ንዘቕረቡሎም ሕቶን ርእይቶን መሰረት ገይሮም ቃለ ምዕዳን ብምልጋስ ብፍላይ ኣቡን ንካህናቱ ክሰምዕን ኣብ ዕለታዊ ኣገልግሎቶምን ህይወቶምን ቀረባኦም ኮይኑ ከሰንዮም ከም ዘለዎ ብምዝኽካር እተን ካብ ርሑቕ ዘመን ክርስትና ዝተቐበላ ሃገራት ሎሚ ናይ ተልእኾ ስብከት ወንጌል ቦታ ይኾና ከም ዘለዋን እዚ ድማ ንሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝድርኽ ምዃኑን ቅዱሰንቶም ደጋጊሞም ዘዘኻኽርዎ ኮይኑ እዚ ዓይነት ርክብ እዚ ንካህናት ጥራሕ ዘይኮነስ ንገዛእ ርእሱ ንናይ ሰበኻ ጳጳስ እውን ዓቢይ ሓገዝ ምዃኑ ከም ዘመላኽቱ የፍልጥ።