ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ መስከረም ናብ ሉሰምበርግን ቤልጅየምን ሓዋርያዊ ጉዕዞ ክገብሩ እዮም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ መስከረም ናብ ሉሰምበርግን ቤልጅየምን ሓዋርያዊ ጉዕዞ ክገብሩ እዮም  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ መስከረም ናብ ሉሰምበርግን ቤልጅየምን ሓዋርያዊ ጉዕዞ ክገብሩ እዮም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 26 - 29 መስከረም ናብ ሉሰምበርግን ቤልጅየምን ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ ከምዝኾኑ ዕለት 20 ግንቦት ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም 2024 ዓ.ም. ናብ ሉሰምበርግን ቤልጅየምን ሓዋርያዊ ዑደት ከካይዱ ከም ዝኾኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ክልቲኡ ሃገራት መራሕቲ መንግስትን ሰበስልጣን ቤተ ክርስቲያንን ንዘቕረቡሎም ዕድመ ተቐቢሎም ዕለት 26 ናብ ሉሰምበርግ ክነቕሉን ኣስዒቦም እውን ናብ ቤልጅየም ብምኻድ ክሳብ ዕለት 29 መስከረም ኣብኡ ክጸንሑ ከም ዝኾኑን ኣብቲ ኣብ በልጂም ኣብ ዘካይድዎ ምብጻሕ ብራስለስ፡ ሉቨንን ሉቫን - ላ - ኖቭን ምብጻሕ ከካይዱ ብመደብ ተታሒዙ ከም ዘሎን ብዛዕባ እዚ ሓዋርያዊ መገሻ እዚ ዝርዝር መደባት ቅድሚ እቲ ሓዋርያዊ መገሻ ብወግዒ ክቐርብ እውን ምዃኑ የመላኽት።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ መጀመርታ ወርሒ መስከረም ካብ ዕለት 2 ክሳብ ዕለት 13 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኢንዶነዥያ፣ ፓፑዋ ኒው ጊኒ፣ ቲሞር ኢስት ሲንጋፖርን ክገሹ ከም ዝኾኑ እዚ ድማ ክሳብ ሕጂ ካብቲ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻታት እቲ ዝነውሐ ከም ዝኸውን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

21 May 2024, 16:10