ድለ

ዓውደ ኣኼባ ጉባኤ ትስዓቱ ካርዲናላት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዓውደ ኣኼባ ጉባኤ ትስዓቱ ካርዲናላት ኣብ ሃገረ ቫቲካን  

ዓውደ ኣኼባ ጉባኤ ትስዓቱ ካርዲናላት ኣብ ሃገረ ቫቲካን

ጉባኤ ትስኣቱ ካርዲናላት መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ 2024 ዓ.ም. ሳልሳይ ኣኼባኡ ከም ዝጀመረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተረኽብሉን ዝመርሕዎን ጉባኤ ትስኣቱ ካርዲናላት መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ 2024 ዓ.ም. ሳልሳይ ኣኼባኡ ዕለት 17 ሰነ ከም ዝጀመረን እዚ ኣኼባ እዚ ዕለት 18 ሰነ እውን ቀጺሉ ከም ዝወዓለ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ዕዮ ወርሒ ሚያዝያ

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ኣብ ኣተገባብራ ሓዋርያዊ ቅዋም “ወንጌለ ስብኩ” ሓዋርያዊ ቅዋም ኣብ ሃገረ ስብከት ኩርያን ከምኡ’ውን ኣብቲ ናይ ዕለት 17 ሰነ ዋዕላ ኣብ መላእ ዓለም – “ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ዩክሬንን” – ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን ካርዲናላትን “መንገዲ ዘተን ሰላምን ንምልላይ ዝዓለመ ጻዕርታት ክውስኽ” ዝብል ተስፋ ከም ዝገለጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣብ ካልእ ናይ ቀረባ እዋን ኣኼባታት ጉባኤ ትስኣቱ ካርዲናላት መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ፥ “ተራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን” ከም ዝዘተዩን ኣብቲ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ዝመኸረ ዓውደ ኣኼባ እናቴ ረድጂና ዳ ኮስታ ፐድሮን ፕሮፈሰር ስተላ ሞራ ርእይቶ እውን ከም እተሰምዐ የዘኻኽር።

‘ሓድሽ’ C9 - ጉባኤ ትስኣቱ ካርዲናላት መማክርት ር.ሊ.ጳጳሳት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 መጋቢት 2023 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ካርዲናል ፈርናንዶ ቨርገዝ ኣልዛጋ ኣቦ መንበር ጳጳሳዊ ሽማግለ ሃገረ ቫቲካንን ምምሕዳር ከተማ ቫቲካንን፤ ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ ቤሱንጉ ሊቀ ጳጳሳት ኪንሻሳ፤ ካርዲናል ኦስዋልድ ግራስያስ ሊቀ ጳጳሳት ቦምበይ፤ ካርዲናል ሾን ፓትሪክ ኦማሊ ሊቀ ጳጳሳት ቦስተን፤ ካርዲናል ጁዋን ጆሴ ኦሜላ ኦሜላ ሊቀ ጳጳሳት ባርቸሎና፤ ካርዲናል ገራልድ ላክሮይስ ሊቀ ጳጳሳት ኩቤክ፤ ካርዲናል ዣን ክላውድ ሆለሪክ ሊቀ ጳጳስ ሉሰምበርግ፤ ከምኡውን ካርዲናል ሰርጆ ዳ ሮቻ ሊቀ ጳጳሳት ሳን ሳልቫዶር ደ ባህያ። ናይቲ ጉባኤ ትስኣቱ ካርዲናላት ዋና ጸሓፊ ናይ ክረሲማ ስዩም ጳጳስ ማርኮ ሜሊኖ ዝሓቁፍ ብምግባር ዝሓደስዎ ኮይኑ እቲ ዝተሓደሰ ትስኣቱ ጉባኤ ካርዲናላት መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቀዳማይ ኣኼባኡ ዕለት 24 ሚያዝያ ከም ዘካየደ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ምምስራት ቤት ምኽሪ ትስኣቱ ካርዲናላት

እዚ ቤት ምኽሪ ትስኣቱ ካርዲናላት መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ር.ሊ.ጳ. ፍንራቸስኮ ዕለት 28 መስከረም 2013 ዓ.ም. ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንኽረጋገጽ ዝሓንጸጽዎ ሕዳሴ ኣብ ዝገብርዎ ምሕደራ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ተራዳእያን ክኾንዎም በገባብ ኣዋጅ ዘቖምዎ ክኸውን እንከሎ እዚ ቤት ምኽሪ ጉባኤ ትስኣቱ ካርዲናላት ዕለት 19 መጋቢት 2022 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ይኹንታ ዝሃብሉ Praedicate Evangelium - ወንጌለ ስብኩ ብዝብል ኣርስቲ ሓድሽ ሓዋርያዊ ቅዋም ወግዓዊ ከም ዝገበረን ቀዳማይ ዓውደ ኣኼባ C9 - ጉባኤ ትስኣቱ ካርዲናላት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዕለት 1 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ከም ዘካየደ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

18 June 2024, 16:18