ር. ሊ. ጳ. ንካህናት ማሕበር ቅዱስ ልቢ እሙን ምስክርነት ንምሃብ ብጭቡጥ ዝኾነ ፍቕሪ የድሊ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንማሕበር ካህናት ቅዱስ ልበ ኢየሱስ (ደሆናውያን) ትማሊ ሓሙስ ዕለት 27 ሰነ ኣብ ቫቲካን ሓንጐፋይ ኢሎም ብምቕባል ኣብ ዝለገሱሎም ቃለ ማዕዳን ከምቲ መስራቲ ማሕበሮም "ምስ ክርስቶስ ኣብቲ ምስ ኣቦን ንዅሎም ደቅሰባትን ዘለዎ ፍቕሪ ብምሕባር፣ ነዚ ድማ መሰረታዊ ስርዓትን ማእከልን ህይወት በርኩም ግበርዎ" ብምባል ንዘቕረበሎም ጻውዒት ኣዘኻኸርዎም።
ኣባላት ማሕበር ካህንት ቅዱስ ልበ ኢየሱስ "ዓለም ምእንቲ ኽትኣምን ኣብዛ እትቀያትየር ዘላ ዓለም ሓደ ምእንቲ ክኾኑ እተጸውዑ" ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ መበል 25 ጠቕላሊ ጉባኤ ንምክያድ ኣብ ከተማ ሮማ ይርከቡ ኣለዉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዘቕረቡሎም ቃለ ማዕዳን ኣብ ክልተ መዳያት ዘተኮረ ማለት ካብቲ ዝመረጽዎ ቅዉም ሓሳብ ኣብ ሓድነትን ስብከተ ወንጌል ኣተኺሮም ኣስተንተኑ ።
'ሓደ ምእንቲ ክኾኑ'
ቅዱስ ኣቦና ነዞም ኣባላት ማሕበር ሓድነት ብጻዕርታትና ዘይብጻሕ ውህበት ምዃኑ ብምዝኽኻር ኢይም ኣስተንትኖኦም ዝጀመርዎ እንተዀነ ግን እጃምና ኸበርክት ኣሎና በልዎም ።
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ኣብ ህይወት ምስጢራን፣ ኣስተንትኖ ቅዱስ መጽሓፍን፣ ቀዳምነት ብምሃብ ብፍላይ ከኣ ኣብ ብሕታውን ናይ ሓብረታውን ህይወት ጸሎት ገዛእ ርእሶም ክውፍዩ ኣተባብዕዎም። ነቲ 'ልቡ ብዘልዓለማውይንት ብፍቕሪ ዝወቅዕ' ኢየሱስ ቦታ ክህብዎ ጻውዒት ኣቕረቡሎም፣ ንኵሉ ነገሮም ናብ ቅድሚኡ ንኸቕርቡ ድማ ዓደምዎም "ብዘይ ጸሎት ገለ እኳ ኣይዕመምን ኢዩ" ብምባል ድማ ኣዘኻኸርዎም።
'ዓለም ምእንቲ ክትኣምን'
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብቲ ወንጌል ናይ ምስባኽ ተልእኾ ብምምላስ ብምባል ከኣ "ኣብዛ ኸቢድን እተሓላለኸን ብድሆታት ዘለዋ ዓለም ከመይ ጌርና ኢና ልኡኻት ወንጌል ክንከውን እንኽእል?" ኢሎም ሓተትዎም።
ነቲ መስራቲ ማሕበሮም ክቡር ኣባ ፍራንዝ ሊዮን ደሆን እተዛረቦ ቓላት ብምዝካር ድማ ንሱ ብዛዕባ ሕማማት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምስትንታን ኵሉ ስቓይ ኢየሱስ ሳላ እቲ ንኣቦን ንዅሎም ደቅሰብን ዝነበሮ ፍቕሪ ምዃኑ ረዲኡ ኢዪ በልዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ "ልክዕ ከም ኢየሱስ እታ 'ፍቕሪ' እትብል ቃል ኣብ ስጋና ማለት ኣብ ጭቡጥ ተግባራትና ኽትጸሓፍ ምፍቃድ፣ ኣብዚ ተልእኾና ክንገብሮ እንኽእል ውጽኢታዊ ዝኾነ ተፍባር ስብከተ ወንጌል እዩ" በሉ።
ቅዱስ ኣቦና ኣስተንትኖኦም ኣብ ምዝዛም ካህናት ማሕበር ቅዱስ ልበ ኢየሱስ በቲ መስራቲ ማሕበሮም ዘነቓቕሖም እምነትን ልግስን ኣቢሎም ኣብ ተልእኾኦም ክጸንዑ ተስፋ ብምግባር ደምደሙ ።