ድለ

ዝኽሪ መበል 80 ዓመት ታሪኻዊ ርክብ ሰራዊት ኣየርላንድ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ዝኽሪ መበል 80 ዓመት ታሪኻዊ ርክብ ሰራዊት ኣየርላንድ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 

ዝኽሪ መበል 80 ዓመት ታሪኻዊ ርክብ ሰራዊት ኣየርላንድ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12

ዕለት 12 ሰነ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ኣየርላንድ ካብ ናዚ ምሕራር ከተማ ሮማ ስዒቡ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ዝተራኸበ ናይ መጀመርታ ጉጅለ ወተሃደራት ኪዳን ምዃኑን ብምኽንያት ዝኽሪ 80 ዓመት እዚ ርክብ እዚ ንኣባላት ኣየርላንድ ዝውክሉ ልኡካን ዕለት 12 ሰነ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም እተራኸቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

80 ዓመት ይገብር ዕለት 12 ሰነ 1944 ዓ.ም. ካብ መበል 38 ብርጌድ ሰራዊት ብሪጣንያ እተወሰኑ ወተሃደራት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ር.ሊ.ጳ. ፒየስ መበል 12 ከም እተራኸቡን ፒዮስ መበል 12 ድሕሪ ሸሞንተ መዓልቲ ምሕራር ከተማ ሮማ ካብ ናዚ፡ ዝተራኸብዎም ናይ መጀመርታ ጉጅለ ወተሃደራት ኪዳን ከም ዝነበሩን ኣይርላንድ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ገለልተይና ሃገር ምንባራ ዝዝከር ኮይኑ እቲ መበል 38 ብርጌድ ከኣ ኣባል ሰራዊት ብሪጣንያ ብወለንተይናታት ኣይርላንድን ብሪጣንያውያንን ዝቘመ ሓይሊ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።

ሎሚ ካብቲ ኣብ መንጎ ር.ሊ.ጳ. ፒየስ መበል 12ን መበል 38 ብርጌድ እተገብረ ታሪኻዊ ርክብ ዝኽሪ ሰማንያ ዓመት ምኽንያት ዕለት 12 ሰነ ኣባላት ናይቲ ሕጂ ሰራዊት ኣየርላንድ ተባሂሉ ናይ ዝጽዋዕ ሓይሊ ምክልኻል ወከልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም እተራኸቡን ብምኽንያት እቲ ዝኽሪ ነቶም ኣባላት ስራዊት የርላንድ ዝመርሐ መጀር ጀነራል ኮሊን ዌርን ከም ዝኾኑን ነቲ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተኻየደ ርክብ ዘዳለወ ድማ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ልኡከ መግንስቲ ክሪስ ትሮትን ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

13 June 2024, 15:29