2024.06.03 ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ኣማዞን ዓቕለስያዊ ቤት ምኽሪ ኣባላት 2024.06.03 ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ኣማዞን ዓቕለስያዊ ቤት ምኽሪ ኣባላት  (Vatican Media)

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ኣማዞን ዓቕለስያዊ ቤት ምኽሪ ኣባላት

ናይ ኣማዞን ዓቕለስያዊ ቤት ምክሪ ኣቦ መንበር ካርዲናል ፔድሮ ባሬቶ ኣብ ዞባ ኣማዞን ሲኖዳዊ ጉዕዞ ቤተ ክርስቲያን ኪደቱን ውጽዒቱን ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣቕሪቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ኣማዞን ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም 'ኣቦሓጎ' ገይራ እያ እትቕበሎም፡ እትገልጾምን። በዚ መጸውዕ እዚ እዮም ደቀባት ኣማዞን ንቕዱስነቶም ዝገልጽዎም፡ እዚ መጸውዕ እዚ ድማ ምስ ጥበብ ዝተተሓሓዘ ኮይኑ፡ ጥበበይና መራሕ ህይወት ዝብል መግለጺ ዘለዎን እዚ ኸኣ ንህይወት ዘገልግልን ዘተባብዕን ሰብ ምዃን ከም ዘስምዕ ናይ CEAMA - ናይ ዞባ ኣማዞን ዓቕለስያዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ካርዲናል ፔድሮ ባሬቶ ድሕሪ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 3 ግንቦት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዘካየድዎ ርክብ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት የመላኽቱ።

ኣባላት CEAMA - ናይ ዞባ ኣማዞን ዓቕለስያዊ ቤት ምኽሪ ከምኡውን ናይ መላእ ኣማዞን ዓቕለሲያዊ መረብታዊ ርክባት ኣባላት ብሓባር ምስ ቅዱስነቶም ከም እተራኸቡን፡ ካርዲናል ባሬቶ እዘን ክልተ ናይ ዞባ ኣማዞን ዓቕለስያውያን ማሕበራት ክልተ እተፈላለያ ማሕበር ምዃነን ገሊጾም፡ እቲ ቐዳማይ ጳጳሳዊ በዓል መሰል ማሕበር ኮይኑ እቲ ካልኣይ ድማ ክሊ ኣማዞን ዝሓቁፍ እዩ ቢሎም፥ "ሓሙሽተ ዓመት ይገብር ድሕሪ እቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ዛዕባ ኣማዞን ዝመኸረ ሲኖዶስ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣማዞን እትኽተሎ ዘላ መገዲ ንር.ሊ.ጳ. ከም ዘቕረቡሎም ድማ ሓቢሮም፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ብዛዕባ ኣብ ከባቢ ኣማዞን ዝፍጸም መቕተልቲ ማለት ንተፈጥሮ ዝጎድእ ሰብኣዊ ተግባራት ክውገድ ዝጣበቑ ኩሉ ዘቕርብዎ ሻቕሎት ንር.ሊ.ጳ. ብሰፊሕ ከም ዘቕረቡሎምን፣ ከምኡውን ንባህርያዊ ጸጋታት ምጥቃም "ዘይሕጋዊ ዕደና እዚ ኸኣ ብሰንኪ ሳዕቤን ለውጢ ዅነታት ኣየር ንህጹጽነት እቲ ዅነታት ብዝያዳ ኸም ዚዓቢ ይገብሮ" ምህላዉ ዝገለጹ ካርዲናል ፔድሮ ባሬቶ ኣስዒቦም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ "ነቲ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ብምሉኡ ኣብ ኣማዞን እትገብሮ ዘላ ዕዮ ከም ዘመስገኑን ብሓባር ክንዓዩ ድማ ከም ኣተኣላበዉን፡ ከመይሲ ኣማዞን ዘሕለፈቶን እተሕልፎን ዘላ ሲኖዳዊ ተመክሮ ኣብ ኵላዊት ቤተ-ክርስትያን፡ ህይወት ከመይ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣብነት ምዃኑ ኣብሪሆም፡  “ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ 2019 ዓ.ም.  ድሕሪ ዝተኻየደ ዛዕባ ኣማዞን ዝመኸረ ሲኖዶስ፥ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝተመዝገበ ምዕባለ ንር.ሊ.ጳ ከም ዝሓበርዎም የመላኽቱ።

ቤተ-ክርስትያን ኣብ ኣማዞን እትሕደሰሉ ምሹእ ኣብ ዝኾነ ዓቕለስያዊ ቅኑዕን ዕድለይናን ህሞት ኢና እንነብር ዘለና። ከምኡ’ውን ናይ 2025 ዓ.ም. ዓመተ ኢዮቤል ኣብ ግምት ብምእታው፥ “ኢዮቤል ተስፋ’ውን ምስዚ ሲኖዶሳዊ መንፈሳውነት ብቐረባ ዝተኣሳሰር እዩ። ድሮ ምልክታት ውዑዉዕ ስምዒት ይርአ ከምዘሎን እዚ ውዕዉዕ ስምዒት እዚ ድማ ናብ ተስፋ ይቕየር ኣሎ። ተስፋ ብሓባራዊ ስጒምቲ ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣለዎ!” ዕለት 4 ሰነ ናይ መላእ ዞባ ኣማዞን ፍሉይ ጉባኤ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ዝምልከት ተግባራት ክዝርጋሕ እዩ። ኣብቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ ዋና ህንጻ ኣብ ዝርከብ ማእከል ሺክ ዛይድ እውን፥ "ንቤተ-ክርስትያንን ዘይንጸል ውሁድ ኵለንተናዊ ምዕባለ ዝኸውን ሓድሽ መገድታት" ክቐርብ ኢዩ።

ቀጺሉ ዓርቢ ዕለት 7 ሰነ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣማዞን ዚግበር ሲኖዳዊ ጕዕዞ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ጳጳሳዊ ግረጎርያና መንበረ ጥበብ ብናይ ዞባ ኣማዞን መረብታዊ ርክባት ማሕበርን ብናይ ዞባ ኣማዞን ዓቕለሲያዊ ቤት ምኽሪ ዝምወል ዓውደ ኣኼባ ክካየድ ምዃኑ ይሕብሩ።

ብዛዕባ እዚ ናይ ሲኖዶል መስርሕ እዚ ንር.ሊ.ጳ. ዘካፈልኩምዎ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ እትብልዎ ነጥብታት እንታይ ኢዩ፡ እቲ ናይ ኣማዞን ዓቕሌሲያዊ ቤት ምኽሪ ዘካየድክምዎ ኣኼባታት ውጽኢቱ እንታይ ይመስል?

ብቐዳምነት ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ድሕሪ እቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት 2019 ዓ.ም. ኣብ ኣማዞን ዝተኻየደ ሲኖዶስ ዘመዝገብናዮ ምዕባለ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓቢርናዮምን ከምኡውን ዓቕለሲያዊ ጉባኤ ኣማዞን ከመይ ዝበለ ብሱል ፍረ ናይዚ ኣብ መላእ ኣማዞን እተገብረ ሲኖዳዊ መስርሕ ምዃኑ ክንርእይ በቒዕና ኢና።

ኣማዞን ልዕሊ 7 ሚልዮን ትርብዒት ኪሎሜተር፣ 9 ሃገራት፣ 105 ሃገረ ስብከት ዝሽፍን እዩ – ማለት ብዛዕባ ልዕሊ 130 ጳጳሳት ኢና ንዛረብ ዘለና፤ ከምኡ’ውን ብዛዕባ እቲ ኩነታት፡  ኣብ ልዕሊ ተሓለቕቲ ከባቢ ዝፍጸም ቅትለትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ደቀባትን ምስ ጉዳይ ሃብቲ ተፈጥሮ ዞባ ኣማዞን ዝተተሓዘ ዝፍጸም ቅትለት እውን ኣዝዩ የሻቕለና፤ ምስቲ ዘይርትዓዊ ምዝመዛ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ፡ ምብራስ ኣግራብ፡ ዘይሕጋዊ ዕደና፡ እዚ ማለት ድማ ​​ብሰንኪ ሳዕቤናት ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ህጹጽነቱ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

ንናይ ዞባ ኣማዞን ህዝቢ ዝጸልዎ ምብራስ ኣግራብን ዘይሕጋዊ ዕደና ብዝምልከት እንታይ ትገብሩ?

ናይ ቤተ ክርስቲያን ወንጌላዊ ተልእኾ ንህይወት ምሕላይን ንምክንኻንን ዝጽውዕ እዩ። ንተፈጥሮኣዊ ከባቢ ምሕላይ፡ ባህርያዊ ኣካል ተልእኾና እዩ። ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ወንጌል ምእዋጅ እውን መሰል ሰባት ምእዋጅ እዩ። መሰል ተፈጥሮ ምኽባር ማለት እውን እዩ። . . . ስለዚ ኣብዚ መዳይ ንህዝቢ ንሃንጽ ኣብ ምክልኻል ከባብን ደቀባትን ንዋሳእ . . . ነቲ ካባቢ ድምጺ ብምዃን፥

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንምትብባዕ ኣብቲ ርክብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን እንታይ እዩ?

እቶም ዝተረኽብና ዓሰርተ ሰለስተ ሰባት ስለ ዝነበርና ነፍሲ ወከፍና ህዝቢ ኣማዞን ንቕዱስነቶም ኣቦ ሓጎ ቢሎም ከም ዝገልጽዎም እዚ ማለት ድማ ንደቀባት ኣማዞን ኣቦሓጎ ናይ ብሱልን ጥበበይናን ናይ ዝመርሕን ንህይወት ዘገልግልን ዘተባብዕን ሰብ መግለጺ ምዃኑ ሓቢርናዮም፡ ካልኣይ ቅዱስነቶም ነቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መላእ ህይወት ኣማዞን ኣተካይዶ ኣገልግሎት ኣመስጊኖም፡ ብሓባር ክንሰርሕ ተላብዮም፣ ምኽንያቱ ኣብ ኣማዞን ዘሎ ናይ ሲኖዳውነት ተመክሮ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ህይወት ከመይ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣብነት እዩ። . . . ኩሎም ዝተጠመቑ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፣ ዓለማውያን ምእመናን - ደቀባት ህዝብታት፣ ካህናት፣ ገዳማውያንን ገዳማውያን ጳጳሳትን ሓደ እምነትን ሓደ ዓይነት ራእይን ዝካፈሉ ኣብ ዞባ ኣማዞን ንኢየሱስ ክርስቶስ ምእዋጅ ዝሰምርሉ ዞባ እዩ። እቲ ምዕዳን ብሓጺሩ ነዚ ይመስል . . .

ኣብዚ ቅንያት እዚ ብጀካ እቲ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘካየድክምዎ ርክብ ነዚ ሲኖዳዊ ጸብጻብ ዞባ ኣማዞን ኣብ ካልኦት ትካላት ከተቕርቡ ናይ ስራሕ ዝክረ ነገር ኣለኩም ዶ?

እወ ነዚ ኣብ ሮማ ምርኻብና ተጠቒምና ምስ ዝተፈላለዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ርክባት ኣካይድና፡ ገና እውን ነካይድ ኣሎና፡ ከምኡውን ዓርቢ ዕለት 7 ሰነ ድሕሪ ቀትሪ ብኣዝዩ ኣገዳሲ ፍጻመ ክንዛዝሞ ኢና፡ ነቶም ኣብዚ ሲኖዳዊ መስርሕ መሻርኽቲ ዝኾኑ ኣካላት ቤተ ክርስቲያን እንዕድመሉ ፍጻሜ እዩ። ምኽንያቱ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ሲኖዳዊ ጉዕዞ ናይ መላእ ዞባ ኣማዞን ቤተ ክርስቲያናዊ መርበባዊ ርክባትን ሓምሻይ ዓመት ዛዕባ ኣማዞም ዝመኸረ ሲኖዶስን ከምኡ ራብዓይ ዓመት ቅዋሜ ናይ ዞባ ኣማዞን ዓቕለሲያዊ ጉባኤ ነብዕል ስለ ዘሎና፣ ነዚ ኹሉ ኣብ ግምት ዘእትው ርክባት ከነካይድ ኢና እንክብሉ ይገልጹ።

ቤተ ክርስቲያን ነቶም ኣብ ኣማዞን ዝነብሩ ህዝብታትን ምንቅስቓሳትን ከተሰንዮም ነቲ ዞባ ህያብ እያ፡ መጻኢ ናይ ዞባ ኣማዞን ዓቕለሲያዊ ቤት ምኽርን መላእ ዞባ ኣማዞን መረብታዊ ርክባትን ከምኡ’ውን ኹለን ኣብቲ ዞባ ብሓባር ዘገልግላ ትካላት መጻኢ ብኸመይ ትርይዎ . . . ዘለኩም ተስፋ?

ብመጀመርታ ነቶም ካብ መበል 16 ክፍለ ዘመን ጀሚሮም ኣብ ዞባ ኣማዞን ዝነበሩ ብዙሓት ልኡካነ ወንጌል ኩሉ ግዜ ከነመስግኖም ከም ዘለና እኣምን። ንሕና ድማ ወረስቲ ናይቲ ንሳቶም ናይ ዝሓደግዎ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሃብቲ ምዃንና ክንፈልጥ ኣለና።

ካልኣይ፡ ንሕዳሴ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣማዞን ዝምችእ ግዜ ኢና ንነብር ዘለና፡ ካብ ኣማዞን ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓድሽ መገዲ ነቕርብ . . . ኩሎም ብሓባር ኩሎም ዝተጠመቑ ሰብኡትን ኣንስትን ኣካል ህዝቢ ኣምላኽ እዮም፣ ኣብ ጉዕዞ ታሪኽ ምስ ምጽንናዕን ሓልዮትን ኣምላኽ፣ ኣብ ጭንቀትን ጓህን ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን እውን ብሓባር ምጉዓዝ።

በዚ መንጽር’ዚ ብቐጻሊ ሓቢርና ክንጓዓዝን ሲኖዶስ ኣብ ሲኖዳውነትን ነዚ ናይ ሲኖዶስ ተመክሮ ካብ ኣማዞን ክወስድ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ተሳትፎ ኩሎም ዝተጠመቑ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ከስፍሕ ተስፋ ንገብር፣ ሲኖዳውነት ኣብ ስድራቤታት፡ ኣብ ሕብረተሰብ፡ ኣብ ፖለቲካ፡ ኣብ ቁጠባ፡ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያንና እውን!

ጸብጻብ ብዛዕባ ሲኖዶስ ኣማዞን፡ ከተቕርቡ እንኮለኹም ከም ቤተ ክርስቲያን ክንነብር፡ ብሓባር ክንመላለስ ኣተባቢዕኩም ኢኹም፡ እንተኾነ ን2025 ዓመተ ኢዮቤል ከመይ ጌርኩም ክትነብርዎ ትዳለዉ ኣለኹም?

እወ ኢዮቤል ተስፋ እውን ምስ ሲኖዳውነት መንፈሳውነት ብቐረባ ዝተኣሳሰር እዩ። ድሮ ምልክታት ውዕዉዕ ስምዒታት ይረኣ ኣሎ፡ እዚ ውዕዉዕ ስምዒት ድማ ናብ ተስፋ ይቕየር ኣሎ። ብሓባራዊ ስጒምቲ ድማ ኣብ ተግባር ይውዕል ኣሎ። እዚ ድማ ንእሽቶ ፈልሲ እዩ፣ ክንብል ንኽእል . . .  ስለዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ንዝመጽእ ዓመት ዝኣወጅዎ ናይ ተስፋ ኢዮቤል ብርግጽ ድሮ ገለ ምልክታት የርኢ ኣሎ።

ዓመተ ኢዮቤል 2025 ንዅላትና ነዚ ተስፋ እዚ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ዘደንቕ ተመክሮ ከም ዝኾነና እአምን እየ . . . ኣምላኽ ምሳና ይመላለስ ይጽውዓናን እዩ ስለዚ ዅላትና ብሓባር ክንመላለስ ይጽውዓና ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ኴንና ብዝያዳ ብእተመላለስና መጠን "ኩላትና ኣሕዋት" እናበልና ብሓባር ንመላለስ ልዕሊ ዅሉ ድማ ንኣምላኽ ወድሱ ንተፈጥሮ ተኸናኸኑ ነቲ ኣምላኽ ብኣካለ ክርስቶስ ኣቢሉ ኣብ ማእከልና ምህላዉ ዘሕድሮ ሓጐስ ብፍሉይ ኣማላድነት ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ክንነብሮ ቅዱስ ኣቦና ሓቲቶምና እዮም፡ በዚ መንፈስ እዚ ድማ ንዳለው ኣሎና” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

05 June 2024, 15:27