ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ “ለጋሳትን እሙናትን ዘራእቲ ቃል ወንጌል ኩኑ!”

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፈራንቸስኮ ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ልክዕ ከምቲ ጐይታ ወትሩ ብእምነት ንኽንዓቢ ዘርኢ ቃሉን ጸጋኡን ኣባና ብምዝራእ ዝሕግዘና፣ መግሥቲ ኣምላኽ ውን ልክዕ ከምቲ ዘራኢ ዘርኡ ዝዘርእ እሞ እቲ ዘርኢ ድማ ስቕ ኢሉ ዝበቍልን ናብ ብስለት ዝበጽሕን ከም ምዃኑ ገለጹ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮ ነቲ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም፣ ኣብ ናይ ዕለቱ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ብምትኳር፣ ጐታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብምሳሌ ገይሩ ከምቲ እተዘርአ ዘርኢ ዝበቍልን፣ ከምኡ ውን ናብ ብስለት ዝበጽሕን ብምግላጽ፣ ብኸመይ ከም ዘስተምሃረ ኣስተንተኑ ። ብምሉኡ እቲ መስርሕ ግዜ ስለ ዝወስድ፣ ከምኡ ውን ትብዓትን ምትሕብባርን ስለ ዝሓትት፣ ከም ጐይታና ንሕና ውን "ምትእምማንን ዘለዎ ትጽቢት" ክህልወና ጻውዒት ኣቕረቡ።

ዝነጥፍ ዘሎ ተኣምር

ወላ እኳ ብሉጽን እኹል-ትሩፍ ዘርእን እንተሎ፣ ከምኡ ውን ብግቡእ እተዳለወ ሓመድን ውን እንተሎና፣ እቲ ኣዝርእቲ ብኡንብኡ ስለ ዘይበቍል ሓደ ሓረስታይ ትዕግስትን ምትእምማንን ከም ዘድልዮ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገለጹ። ኣብ ምዱብ ግዜኡ እቲ ዘርኢ ይኽፈት፣ እቲ ጠጥዒ ድማ ካብቲ ሓመድ ይበቍል፣ ብዙሕ ምህርቲ ንምሃብ ድማ ይዓቢ፣ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝኾነ ተኣምር ዝገልጽ ምዃኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስተንተኑ ። እቲ ብግዜ ዝኸውን ብዓይኒ ዘይርአ ዕቤት ናይቲ ተኽሊ፣ ኣብ መወዳእትኡ ይርአ፣ እዚ መስርሕ እዚ ኸኣ እምነት ዘለዎ ትዕግስቲ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ነታ ምድሪ ምክንኻን ማይ ምስታይ ከምኡ ውን እቶም ኣብ ዝበቝለሉ እዋን ካብ ጻህያይ ምክልኻል ዝሓትት ኢዩ በሉ።

ዘርኢ ቃል ኣምላኽን ጸጋኡን

ኣብ ወንጌል ከም እነንብቦ መንግስቲ ኣምላኽ እውን ልክዕ ነዚ ኢያ እትመስል፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም፣ "ጐይታ ዘርኢ ቓሉን ጸጋኡን ዝኾነ ጽቡቕን ብዙሕን ዘርኢ ኣብና ይዘርእ እዩ፣ ድሕሪኡ ምሳና ካብ ምጕዓዝ ከየቋርጸ ብትዕግስቲ እዩ ዝጽበየና" ድማ በሉ። ቅዱስነቶም ከም ዝገለጽዎ ኣብ መስርሕ ዕቤትና ጐይታ ወትሩ ይሓልየልና ኢዩ፣ እንተዀነ ግን እቲ ኣባና ዝዘርኦ ዘርኢ ክኽፈትን ክዓብን "ሰናይ ዝኾነ ፍረ ክፈሪ" ጐይታ ግዜ ይህበና ኢዩ።  ኸምቲ ኣብ ወንጌል ተገሊጹ ዘሎ፣ ከምቲ ዘለላ ብጹሕ እኽሊ ዝዀነ፣ ጐይታ ውን ወላ ሓደኳ ኪጠፍእ ኣይደልን ኢዩ፣ "ኵሉ ናብ ምልኣተ ብስለት ኪበጽሕ" ኢዩ ዝደሊ ክብሉ ገለጹ።

ቃል ወንጌል ምዝራእ

ብተወሳኺ ውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ "ኣብ ዝሃሉና ንሃሉ ንቃል ወንጌል ብምትእምማን ክንዘርኦን" ከምኡ ውን እቲ ዘርኢ ኽዓብን ኣባናን ኣብ ካልኦትን ፍረ ኽፈርን መታን ብትዕግስቲ ኽንጽበ ጐይታ ይምህረና ኢዩ። ብኡንብኡ ውጽኢት ክንርኢ ኣብ ዘይከኣልናሉ እዋን ተስፋ ኽንቈርጽ ስለ ዘይብልና ትብዓትን ብትዕግስትን ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ ውን ኣጕልሑ ። እቲ "ተኣምር" ወትሩ ግዜ ኣብ ዕዮ ኢዩ ዘሎ፣ ግን ኪኖ ጠመተና ኢዩ፣ ኣብ ግቡእ ግዜኡ ኸኣ ብዙሕ ፍረ ኸም ዜፍሪ ኣረጋገጹ።

ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ገዛእ ህይወትና ክሳዕ ክንደይ ብምትእምማን 'ቃል ኣምላኽ ከም እንዘርእን' ከምኡ ውን ቅልጡፍ ውጽኢት ክንርኢ እንተ ዘይከዐልና ክሳዕ ክንደይ ዕጉሳት ምዃናን ከምኡ ውን ንኵሉ ጻዕርታትና ብህድኣት ንጐይታ ከነወፍየሉ ኸም ዘሎና ሓሳብ ኣቕረቡ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "እታ ንዘርኢ ቃል ወንጌል እተቐበለቶን ኣብ ውሽጣ ዘብቍለቶን ድንግል ማርያም ለጋሳትን ተባዓትን ዘራእቲ ወንጌል ክንከውን ትሓግዘና።" ብምባል  ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ።

17 June 2024, 16:22