ር. ሊ. ጳ.፦ “መንፈስ ቅዱስ ብሓቂ ሓራ ይገብረና!”
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ‘ሩዋህ’ ተባሂሉ እተገልጸ ስም መንፈስ ቅዱስ ብምስትንታን ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ትምህርቲ እንክጅምሩ እዛ ቓል እዚኣ "ትንፋስ ንፋስ ወይ ምንፋሕ ኣየር" ዝብል ትርጕም ዘለዋ ናይ ዕብራይስጢ ቓል ኢያ።
እዛ ቓል እዚኣ "ብዛዕባ ኣካልን ተግባርን መንፈስ ቅዱስ እትገልጽ ናይ መጀመርታ መሰረታዊት ግልጸት" ከም ምዃና ውን ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብ እዋን ጴንጠቆስጠ መንፈስ ቅዱስ ምስ ወረደ ዝነበረ "ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ " ብምዝካር እቲ ‘ሩዋሕ’ ዚብል ስም ነቲ ልክዕ ከም ንፋስ "ብርቱዕን ንኹሉ ዝዕብልል ሓይሊ ንመንፈስ ቅዱስ ከም ዚገልጾ ኣስተንተኑ ። ውቅያኖሳት እውን ከይተረፈ ናይ ምንቅስቓስ ክእለት ዘለዎ ውን ኢዩ" በሉ።
ናጽነት መንፈስ ቅዱስ
ይኹን እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም "ምሉእ ትርጕም ቅዱስ መጽሓፍ ንምርካብ " ክንዮ ብሉይ ኪዳን ሓሊፍካ ናብ ኢየሱስ ምምጻእ ኣድላዪ እዩ ፣ ንሱ ድማ ንናጽነት መንፈስ ኬጕልሕ ከሎ "ንፋስ ናብ ዝደለዮ ይነፍስ ደሃዩ እውን ትሰምዕ፣ ካበይ ከም ዚመጽእ ወይ ናበይ ከም ዚኸይድ ግና ኣይትፈልጦን ኢኻ ። እቲ ኻብ መንፈስ ዚውለድ ዘበለ ድማ ከምኡ እዩ!" በሉ።
መንፈስ ቅዱስ ልክዕ ከም ንፋስ 'ልጓም ክትገብረሉ፣ 'ክትዕሽጎ' ወይ ኣብ ሳጹን ክዕጾ ኣይከኣልን ኢዩ፣ እዚ ድማ ናብ "ክልሰሓሳብ፣ ትንታኔን፣ መግለጺታትን" ክወርድ ኣይክእልን ኢዩ፣ ኣብ ውሽጢ "ቀኖናታትን፣ ተቕዋማትን፣ ውዳቤታትን" እውን ኣይኣቱን ኢዩ። መንፈስ ቅዱስ "ንማሕበራት ይፈጥርን ህያው ይገብርን ኢዩ፣ እንተዀነ ግን 'ኣብ ሓደ ወገን ጥራይ ተወዲቡ ኣባል' ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ" ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገለጹ።
ናይ ምግልጋል ናጽነት
እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዝገለጽዎ ናጽነት መንፈስ ማለት "ሓደ ሰብ ዝደለዮ ናይ ምግባር ናጽነት ዘይኰነስ፣ ኣምላኽ ንዝደለዮ ብናጻ ናይ ምግባር ናጽነት" ምዃኑ ውን ገለጹ። እዚ ኸኣ "ብኣንጻሩ ዚመስል እኳ እንተ ዀነ ኣብ ኣገልግሎት ካልኦት ዚግለጽ ናጽነት እዩ ፣
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም ንቅዱስ ጳውሎስ ብምስዓብ ነቲ ንክርስትያን ምእመናን ናጽነቶም ንስጋዊ ትምኒት ምኽኒት ከይኰኖም ንዝመዓዶም ብምዝካር ነቲ "ሃብታማት ንድኻታት ዝምዝምዙሉ፣ ብርቱዓት ንድኹማት ዝምንዝዑሉ ከምኡ ውን ኵሉ ሰብ ንኣከባቢ ገዛእ ርእሱ ከይገትአ ንኽምዝምዞ ዘፍቅድ" ናይ ሓሶት ናጽነት ኰንንዎ ክብሉ ኣጠንቀቑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሓቀይና ናጽነት ናይ መንፈስ ካብ ኢየሱስ ክመጽእ ከም ዘለዎ ብምሕብር ከምኡ ውን ኵሉ ሰብ "ብመንፈስ ቅዱስ ብሓቂ ሓራ ዝወጹ ሰብኡትን ኣንስትን" ምእንቲ ኽገብረና ክንጽሊ ብምዕዳም ኣስተምህሮኦም ዛዘመ።