2024.06.01 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ መንጎ ወለድን ኣብያተ ትምህርትን ‘ድልዱል ምሕዝነት’ ክህሉ ይጽውዑ 2024.06.01 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ መንጎ ወለድን ኣብያተ ትምህርትን ‘ድልዱል ምሕዝነት’ ክህሉ ይጽውዑ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ መንጎ ወለድን ኣብያተ ትምህርትን ‘ድልዱል ምሕዝነት’ ክህሉ ይጽውዑ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ “ማሕበር ወለዲ ንነጻ ትምህርቲ” ናብ ዝጠለቦ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ወለዲ ቀዳሞት መምህራን ህጻናት ምዃኖም እናዘኻኸሩ፥ እዚ ዕማም’ዚ ካብ ቤት ትምህርቲ ጀሚሩ ናይ ምሉእ ሕብረተሰብ ሓገዝ ዝሓትት ምዃኑ የተሓሳስቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ወለዲ “ብሓቂ ቀንዲ ተዋሳእትን ቀዳሞት ሃንዳስታትን ትምህርቲ [ደቆም] እዮም” እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣባላት “ማሕበር ወለዲ ንነጻ ትምህርቲ” ጨንፈር ፈረንሳ ካብ ዕለት 31 ግንቦት - ዕለት 2 ሰነ ናብ ዘካይዶ ዘሎ መበል 23 ሃግራዊ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊጾም፡ ኣብዚ መዳይ ምስ ሕብረተሰብ ብምትሕብባር ምስራሕ ኣገዳስነቱ ድማ ኣዘኻኺሮም፥ “ኣብ መንጎ ኣብያተ ትምህርትን ስድራቤታትን ዘሎ ጽኑዕ ምሕዝነት፡ ፍልጠት ምስ ሰብኣውን መንፈሳውን ክብርታት ኣብ ሓደ እዋን ንኽመሓላለፍ የኽእል” እንክቡሉ ብኣጽንዖት ከም ዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

መደብ ኣምላኽ ምርካብ

ር.ሊ.ጳ. ፍርንቸስኮ ዕላማ እዚ ኪዳን እዚ "ንመንእሰያት ነቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፎም ዘለዎ መደብ ንኺፈልጡ ንምሕጋዝ" ምዃኑ ገሊጾም፡ እቲ ኣብ መንጎ ወለድን መምህራንን ዘሎ ርክብ "ነቲ እተፈላለየ ግደ ዘለዎ ግን ናብ ሓደ ዕላማ ዘተኵር ንማሕበረሰብ ባህርያት ናይቲ ብሰናይ ተግባር ዝተሰነየ ክርስትያናውን ሰብኣውን ህይወት ይህቦ” ቢሎም፥ ንባህርያት ኪዳንን ምርኻብን ምትሕብባርን ኣጕሊሖም፣ ኰይኑ ግና ወለዲ ዘለዎም ግደ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ እዚ ቍዉም ነገር እዚ ሓደ ካብቲ ብቫቲካን እተተባብዐ ዓለምለኻዊ ውዕል ትምህርቲ ዘስመረሉ ሓሳብ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥ ኣብዚ መዳይ እዚ ቅዱስነቶም፥ "ኣብ ክቡር ትርጕም ህይወት ወድሰብ ዘሎ ሃይማኖታዊ እምነት" ነቲ "መሰረታዊ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ሓባራዊ ደቅሰብ" ኣፍልጦ ንኽህበሉ ኣበርክቶ ኽገብር ከም ዘለዎ ኣትሪሮም ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ብድሆ ናይ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ (AI)

ኣብ መወዳእታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ትምህርቲ ኣብ ዝወሃበሉ ክፍሊ ጠጠው ከምዘይብል ብምግንዛብ፡ በዚ መሰረት ኣገዳስነት ግዜ ኣጉሊሖም፡ ብዛዕባ እቲ “ብድሆታት” ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣጠንቂቖም፡ እዚ ኸኣ “ኣብቲ እንመሃረሉ መገዲ ጥራይ ዘይኰነስ: ንገዛእ ርእስና ኣብ እንሓስበሉ መገዲ እውን ዝጸልው እዩ።” ስለዚ ነቶም ብድሆታት ኣብ ምግጣም “ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጎንኹም እያ” ኣንክብሉ ንወለዲ ኣረጋጊጹሎም፣ ምስ ቤተ ክርስቲያንን ምስ “ምሉእ ማሕበረሰብ ትምህርቲ” ብምዝታይ መመያ ምግባር ከም ዘድሊ ድማ ኣዘኻኺሮም፥

ብተስፋ እተብርህ ኣጸጋሚት ዓለም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ “ትምህርቲ ንህይወት” ዝብል መርሕ ቃል፥ “ቤት ትምህርቲ-ማሕበረሰብ ሓቀይና ቤት ትምህርቲ ህይወት” ክገብሮ ዝድርኽ፣ እዚ ድማ ንደቅኹም ኣጸጋሚት ግን ከኣ ብተስፋ ዝበረሀት በቲ ዘየሕፍር ሓቀይና ዝኾነ ክርስቶሳዊ ተስፋ ዝጸነዐት ዓለም ዝሓንጽ ክኸውን ተመንዮም መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

03 June 2024, 09:30