FILE PHOTO: Palestinians carry bags of flour they grabbed from an aid truck near an Israeli checkpoint in Gaza City FILE PHOTO: Palestinians carry bags of flour they grabbed from an aid truck near an Israeli checkpoint in Gaza City 

ር. ሊ. ጳ. ቃዛ ህጹጽ ረድኤት ኪግበረላ ጻውዒት ኣቕሪቦም ጻዕርታት ንሰላም ድማ ኣተባብዑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሃገራት ንህዝቢ ቃዛ ብሰብኣዊ ናይ ግብረ - ሰናይ ረድኤት ንምሕጋዝ ህጹጽ ስጕምቲ ኽወስዱ ጻውዒት ኣቕሪቦም ። ነቲ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ሃገረ ዮርዳኖስ እትእንግዶ ዋዕላ ሰላም ውን ኣተባብዑ ። ነቶም ኣብ ዩክረይንን ምያንማርን ዝሳቐዩ ዘለዉ ህዝብታት ድማ ይዝክሩ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዝቕጽል መዓልትታት ሃገረ ዮርዳኖስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቃዛ ኣጋጢሙ ዘሎ ሰብኣዊ ህጹጽ ኵነታት ዘተኰረ ኣህጉራዊ ዋዕላ ክግበር ኢዩ ። ድሕሪ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ንጉስ ዮርዳኖስን ርእሰ ብሔር ሃገረ ግብጽን ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዘካይድዎ ዋዕላ ኣቓልቦ ብምግባር ስለቲ "ኣገዳሲ ተበግሶ" ኣመስገንዎም። ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ "ብህጹጽ ስጕምቲ ኽወስድ" ከምኡውን ብእተኻእለ መጠን ነቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ህዝቢ ቃዛ ንኽሕግዙ ኣበርቲዖም ኣተባብዕዎም። ሰብኣዊ ናይ ግብረ - ሰናይ ረድኤት ብቕልጡፍ "ነቶም እተሸገሩ ኽበጽሖም" ከምኡ ውን ዋላ ሓደ ሰብ ክዓግቶ ከም ዘይብሉ ምሕጽንታ ኣቕረቡ ።

ምእንቲ ሰላም ምምህላል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዕለት 8 ሰነ 2024 ዝኽሪ ዓስራይ ዓመት ናይቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት እተኻየደ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ኣብ ቅድስቲ መሬት፣ ነቲ ርእሰ ብሔር ሃገረ እስራኤል ነበር ሽምዖን ፔረዝን ከምኡ ውን ርእሰ ብሔር ሃገረ ፍልስጤምን ኣቡ ማዘን ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ ዘኪሮም። እቲ እተራኸቡሉ ኣጋጣሚ "ኢድ ምጭብባጥ ይከኣል ኢዩ፣ ሰላም ንምግባር ከኣ ትብዓት ከም ዝሓትት ካብ ውግእ ንላዕሊ ትብዓት ከም ዝሓትት" ዘርኢ ምዃኑ እውን ገለጹ።

ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መንጎ እቶም ኣብቲ ጕዳይ እቱዋት ዝዀኑ ሰባት ቀጻሊ ዝዀነ ዘተ ክግበር ኣተባብዑ "ቀሊል እኳ እንተ ዘይኰነ " ሰላም ንምግባር ዝቐረበ ሕቶታት ኣብ ኵሉ ግንባር ውግእ ደው ንምባል ከምኡ ውን ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ሓራ ንምውጻእ ዝቐረበ ሕቶታት "ንጥቕሚ ፍልስጥኤማውያንን እስራኤላውያንን ብኡንብኡ ተቐባልነት ክረክብ ኢዩ" ዝብል ተስፋ ውን ገለጹ።

ዩክረይንን ምያንማርን ንዘክር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ስቓይ ዝወረዶምን ሰላም ንምርካብ ሃረር ዝብሉን ዘለዉ ህዝቢ ዩክረይን ብምዝካር ኣብ ጸሎትናን ክንዝክሮም ተማሕጸኑ፣ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ካብ ዩክረይን ዝመጹ ነጋድያን ሰላምታ እንከቕርቡ "ምስኻትኩም ደው ኢልና አሎና" በልዎም። ኩሎም ሰባት ውን ምእንቲ ሰላም ከም ዝጽልዩሎም ገለጹ "ብዓለምለኻዊ ሓገዝ ብእተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ሰላም ምእንቲ ኽህነጽ ኵሉ ጻዕርታት" ክግበር ድማ ኣተባብዑ።

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣብ ምያንማር ዚሳቐዩ ዘለዉ ህዝቢ ውን ዘኪሮም ፣ ኣብ ሓሳቦምን ጸሎቶምን ከም ዝለዉ ውን ገለጹሎም

10 June 2024, 13:01