ድለ

2024.06.15 Amministratori Delegati di importanti realtà economiche mondiali 2024.06.15 Amministratori Delegati di importanti realtà economiche mondiali  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ንመራሕቲ ንግዲ፦ “ሰብኣውነት ጥራይ እኹል ኣይኰነን!”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ኣባላት ተበግሶ ቀዋሚ ዕዳጋ ዝዀኑ 25 ኣካየድቲ ስራሕ ተራኺቦም፣ ብዛዕባ እቲ ኸም መራሕቲ ንግዲ መጠን ቀዳምነት ዚህብዎ ነገራት ድማ ኣተሓሳሰብዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ዝሓለፈ ቀዳም ንግሆ ዕለት 15 ሰነ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ኣባላት ተበግሶ ቀዋሚ ዕዳጋ ዝዀኑ 25 ኣካየድቲ ስራሕ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተራኺቦም

ከምኡ ውን ኣካያዲ ስራሕ ናይ ሃገረ ውዊዘርላን ሓባሪ ኪደት ዕዳጋታት ዝኾነ ጀኒፈር ጆርዳን-ሲፊ እውን ኣብኡ ተረኺቡ ነይሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዞም ኣጋይሽ ኣብ ዝለገሱሎም መደረ እዚ ተበግሶኦም "ንብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰራሕተይናታት ስለ ዝጸሉ" ከምኡ ውን "ንሃብቲ መንግስታት ስለ ዝትንክፍ" ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣመልከቱሎም።

በዚ ምኽንያት እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ሰለስተ ጕዳያት ማለት ብዛዕባ ኣከባቢን ድኻታትን መንእሰያትን ኣሕጽር ኣቢሎም ከስተንትኑ ከም ዝደልዩ ኣመልከቱሎም።

እቶም በጻሕቲ ድማ ብግዲኦም ብዛዕባ እቲ ዓለምለኻውን ማሕበራውን ኣከባብያውን ዕላማታት 2030 ኣብ ኣኼባ ናይተን ብቁጠባ ዝማዕበላ ሃገራት ጉጅለ 7 ዘቕረብዎ ወግዓዊ ሓሳባት ውን ኣካፈልዎም።

ኣከባቢ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ነዞም ኣጋይሽ ብዛዕባ ኣከባቢ ኣመልኪቶም እንክዛረቡ ንኣከባቢ "ማእከል" ኣቓልቦኦም ክገብርዎ ተማሕጸንዎም።

ንቕልውላው ናይ ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ኣብ ግምት ብምእታው "ምስ ሕግታት ናይተን ደረጃ ብደረጃ ዚመያየጣ ዘለዋ መንግስትታት ተሰማሚዕካ ምኻድ ጥራይ እኹል ኣይኰነን" ብምባል ውን ኣመልከቱሎም።

ከም ሓቁ  እኳ ደኣስ ካልእ ክኾንዎ ዘለዎም ነገራት እንከመልክሩሎም ድማ "ትብዓትን ናብ መጻኢ ዘመርሕ ውሳኔታትን" ብምግባር "ንመጻኢ ብምጽባይ ሓድሽ ነገር ኪምህዙ" ከም ዘድልዮም ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም "እዚ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ሓድሽ ምህዞ ንነጋዳዶ ቀዳድምነት ካብ ምሃብ ንላዕሊ ነዛ ሓባራዊት ቤትና ኣብ ምክንኻን ሓድሽ ምህዞ ክኸውን ኣለዎ " ብምባል ኣጕልሑ።

ድኻታት

ይኹን እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝተማሕጸንዎም "ነቶም ዝደኸዩን እተደርበዩን ኣይትረስዑ" ክብሉ ተማሕጸንዎም። ኣስዒቦም ድማ ብዛዕባ "እተወሰነ 'መምዘኒ ብቕኣት ዝገብረ' ኣከያይዳ ኣጠንቀቑ፣ እዚ ኸኣ "ነቶም ድኻታት ከም ሓደ ዘይግብኦም ጌርካ ዚፍረዶም ሥርዓት ሕጋዊ ንምግባር ከም ዚዝውተር" ውን ገለጹ።

"ገለ ሰብዓውነት" እኹል ኢዩ ተባሂሉ ንዝግመት ኣተሓሳስባ ቅኑዕ ገይርካ ክውሰድ ይከኣል ኢዩ፣ ንዝብል ሓሳብ እውን ነጸግዎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደረኦም "እቲ ብድሆ ንድኻታት ኣብ ንግዲ ምስታፍ እዩ ፣ ንጥቕሚ ዅሎም ... እቶም እተገለሉ ሰባት ቀንዲ ቀለስቲ ለውጢ ዚዀኑላ ዓለም ክትህልወና እየ ዝምነ" ድማ በሉ።

መንእሰያት

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣጋይሽ ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ እቶም "ብትሕዝቶን ዕድላን መጻእን ድኻታት" ዝዀኑ መንእሰያት ንዝገብርዎ ቃልሲ ኣተኵሮ ክህቡሉ ተማሕጸንዎም።
ወላ ነቶም ኣድላዪ ተመክሮን ክእለትን ዝጐድሎም መንእሰያት እውን ከይተረፈ ኣብ ስራሕ ክቘጽርዎም ኣተባብዖም "ኵሉ ስራሕ ብምዕያይ ጥራይ ኢዩ ዝልመድ" ድማ በልዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዘመልከትዎ "መላእ ወለዶና ተስፋ ምእንቲ ኸይቈርጽ ብዛዕባ መጻኢ እተወሰነ ምርዳእ" ክህልዎም ንመንእሰያት "ለጋሳት ኩኑ" ክብሉ ውን ተማሕጸንዎም።

መደምደምታ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ ኣምላኽ ነቶም ኣጋይሾም ሓላፍነቶም ብግቡእ ንኽዋጽኡ ምእንትን ኺሕግዞምን "ትብዓት ዝመልኦ ውሳኔታት ምእንቲ ኺገብሩን" ብምጽላይ መደረኦም ዛዘመ። "ስለቲ እትገብርዎ ዘለኹም አመስግነኩም፣ ንስኹም ግምባር ቀደም ከም ምዃንኩም መጠን ተስፋ ኣይትቝረጹ፣ የግዳስ ገስገስቲ ዄንኩም ቀጽሉ" ክብሉ ተማሕጸንዎም ።

17 June 2024, 16:15