ር. ሊ. ጳ.፦ ኣብ ዲ. ሪ. ኮ ጃምላዊ ንውሕስነት ሰላማውያን ሰባት ይጽውዑ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ድሕሪ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዘስምዕዎ ምሕጽንታ ኣብ ዲሞክራዲያዊት ርፓብሊካዊት ኮንጎ በርገሳዊ ማሕበረሰብ ዑቕባ ክረኽቡ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ እዚ ድማ ኣብ ዘሓለፈ ሰሙናት ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ እታ ሃገር ብዙሓት መጥቃዕትታት ክንዲ ዝተኻየዱ ኢዩ።
ምሕጽንታኦም ቅድሚ ምቕራቦም ቅዱስነቶም "ብዛዕባ እተፈጸሙ ግጭታትን ጃምላዊ ቕትለትን ዚገልጽ ኣሰቃቒ ዜና ኻብ ምብራቓዊ ኽፋል እታ ሃገር ይመጽእ ኣሎ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ከምዚ በሉ - "ንሰበ-ስልጣንን እታ ሃገርን ንኣህጉራዊ ማሕበረሰብን ዓመጻ ደው ንምባልን ህይወት ሰላማውያን ሰባት ንምዕቋብ ዝከኣሎም ኵሉ ክገብሩ እልምኖ ኣሎኹ።” ክብሉ ተማሕጸኑ።
ቅዱስ ኣቦና ነቶም እተቐትሉ ሰማእታት ከም ምዃኖም ድሕሪ ምግላጽ "መስዋእቶም ነቲ ወንጌል ብትብዓትን ብጽንዓትን ክንምስክረሉ ዚምህረና ዚበቍልን ፍረ ዜፍርን ዘርኢ እዩ" ድማ በሉ።
ኣብ ሰሜናዊ ኪቩ እተፈጸመ መጥቃዕቲ
መንግስታውያን ትካላትን ሰበ-ስልጣንን እቲ ከባቢ ከም ዘመልከተዎ ኣብ ከባቢታት በኒ ኣብ ዝርከባ ኣቝሻት ብተቐናቐንቲ ጥሙር ዲሞክራስያዊ ሓይልታት (ኤ.ዲ.ኤፍ) ብዝፈጸምዎ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ካብ 42 ክሳዕ 80 ዝዀኑ ሰባት ከም እተቐትሉ ጸብጻባት ይሕብሩ። በኒ ኽሊ ኦይቻ ተባሂሉ እውን ዝፍለጥ ኰይኑ ክፍሊ ኣውራጃ ሰሜን ኪቩ እዩ ።
ድሕሪ እቲ ካብ 4-7 ግንቦት እተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ እዚ ኣብ ዝሓለፈ ኽልተ ሰሙን እተፈጸመ ድማ ኻልእ ዓመጻ ኢዩ ዝኸውን ዘሎ። ኣብቲ እዋን እቲ እቶም ወተሃደራት ሞተር ሳይክል ይሰርቁን ኣባይቲ ብሓዊ የንድዱን ከም ዝነበሩ ተፈሊጡ ኣሎ።
ትካል ዜና ኣፍሪቃ ኸም ዝገለጾ ተቐማጦ እታ ቝሸት በቶም ተቐናቐንቲ ሓይልታት መጥቃዕቲ ወሪድዎም ካብ ኣባይቶም ሃዲሞም ናብታ ኣብ ምዕራባዊ ኽፋል ከተማ በኒ እትርከብ ክያትሳባንን ከምኡ ውን ናብቲ ሓፈሻዊ መወከሲ ሆስፒታል ንሕሙማትን እንተላይ ነቶም ዝቘሰሉ ሰባትን ከም ዘዕቆብዎም እዩ ዚንገር ዘሎ።
ካብ 3 ግንቦት ኣትሒዙ ኣብ ሲቪላዊ ማሕበረሰብ ክሊ በኒ ኣብ ዞባ ባፓኮምበ-ፐንደካሊ፣ ማንጉማ፣ ማንቱምቢ፣ ኩዱኩዱ፣ ካልማንጎ፣ ከምኡ ውን ቡ-ማንያማ ብዝፈጸምዎ እተፈላለየ መጥቃዕቲ 123 ሰላማውያን ሰባት ከም እተቐትሉ ጸብጻብ ይሕብሩ።
ኤ. ዲ. ኤፍ ኣብ ምብራቓዊ ኮንጎ እተመስረተ ዀይኑ፣ ብእስላማዊ መንግስቲ ተቐባልነት ክረክብ ዝጽዕር ዘሎ፣ ብተደጋጋሚ ድማ ኣብቲ ከባቢ መጥቃዕቲ ክፍኑ ዝርከብ ኣሎ ኢዩ፣ እዚ ድማ ነቲ ብዙሓት ወተሃደራት ዚንቀሳቐሱሉ ኸባቢ መሊሱ የዳኽሞ ምህላውይ ተፈሊጡ ኣሎ ።
እዞም ተቐናቐንቲ ሓይልታት እዚኣቶም ኣነዓዓብቲ ኡጋንዳ ብምዃን ኢዮም ጀሚሮም፣ ካብ ምብራቓዊ ኮንጎ ተበጊሶም ድማ ዳርጋ ንሰለስተ ዓመት ይንቀሳቐሱ ዝነበሩ ኢዮም።
ኤ. ኤፍ. ፒ. እተሰምየ ናይ ዜና ኣገልግሎት ከም ዝሓበሮ ብሰኪ እዚ ኤ. ዲ. ኤፍ ዘካይዶ ዘሎ መጥቃዕትታት ኣብዚ ወርሒ እዚ ብዝሒ ዝተቐትሉ ሰባት ናብ 150 ደዪቡ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ።
ኣብ ርእሲ እዚ ውን ሰበ-ስልጣን ዲ. ሪ. ኮንጎ ምስቶም ኣብ ምብራቓዊ ዞባ እታ ሃገር ዝዓዩን ምስቶም ምስ M23 ዝምድና ዘለዎም ተቐናቐንቲ ሩዋንዳ ይቃለሱ ከም ምህላዎም ይሕብሩ።
ጻውዒት ምእንቲ ጸሎት ንሰላም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ንጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ነጋድያንን በጻሕትን ምእንቲ እቶም ብዓመጻ እተጠቕዑ ህዝብታት ምጽላይ ኪቕጽሉ ውን ተማሕጸንዎም።
"ኣብ ዩክረይን ቅድስቲ መሬትን ሱዳን ምያንማር ከምኡ ውን ሰባት ብውግእ ኣብ ዝሳቐዩሉ ዘበለ ሰላም ክሰፍን ካብ ምጽላይ ኣይነቋርጽ" ድማ ክብሉ ተማሕጸኑ።