2024.06.26 Imam di Bologna 2024.06.26 Imam di Bologna  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ ኵሎም ሰባት ሃይማኖት ናይ ምምራጽን ናይ ምንባርን ናጽነት ኪህልዎም ኣለዎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንተወከልቲ ኣባላት መስጊድ ከተማ ቦሎኛ ንዝኾኑ ልኡኻት ሓንጐፋይ ኢሎም ብምቕባል፣ ነቲ ኣብ መንጎ ክርስትያን ምእመናን ተኸተልቲ እምነት እስላምን ዘሎ ዕርክነት ነኣድዎ፣ ኵለን ሃይማኖታት ካብ ምስዳዕ ሃይማኖትን ዕንቅፋታት ካብ ምፍጣርን ናጻ ክዀና ድማ ጻውዒት ኣቕረቡ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ረቡዕ ንግሆ ቕድሚ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ምስቶም ካብ ኣብ ኢጣልያ እትርከብ ከተማ ቦሎኝና ዝመጹ ተወከልቲ ኣብላት መስጊድ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ቃለ ማዕዳን ከም ዝለገሱን ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዜና ክፍሊ ማሕተምን ኣፍሊጡ፣ ኣብቲ ዘካየድዎ ርክብ ቅዱስነትም ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ማዕዳን፦

"ዓለም ብፍላይ ኣብዚ ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ዘሎ እዋናት፣ ማሕበራውን ዓለምለኻውን ሰላም ንምህናጽን ንምዕቃብን ጽኑዓት ንዝዀኑ ዘይቀያየሩ ኣመንቲ የድልይዋ ኢዮም" እንክብሉ ኣመልከቱ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዝለገስዎ መደረ ብዛዕባ ሕውነት ዚህብዎ ምስክርነት "ኽቡር" ከምኡ ውን "ኣድላዪ" ምዃኑ ገለጹ፣ እዚ ድማ ብኣኽብሮትን ብዘተን ብግሉጽነትን ከም ዝፍጸም ኣመልከቱ።

ኵላትና ንሓደ ኣምላኽ ኢና እነምልኽ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተዘክሮኦም እንክገልጹ "ኢየሱስ ንሓድሕድና ሓንጐፋይ ኢልና ኽንቀባበል ምሂሩና እዩ" በሉ፣ ኣስዕብ ኣቢሎም እውን "እዚ ብቐዳምነት ንዓና ነቶም ነቲ ሓደ ኣምላኽ ዜምልኹን ብእተፈላለየ መገዲ ንኣብርሃም ብእምነት ኣቦኦም ከም ዝዀነ ዝኣምኑ ክርስትያንን ኣይሁድን ንሰዓብቲ እምነት እስላምን ዚምልከት እዩ" በሉ።

ቅዱስ ኣቦና ብምውሳኽ ኸምዚ በሉ - "ንሕና ውህበት ናይዚ ሃይማኖታዊ ዝምድና እተዋህበና፣ ንሕና ኵላትና ከም ኣባላት ሓንቲ ሰብኣዊት ስድራቤት ስለ ዝዀና፣ ነቶም ነዚ ውህበት እዚ ዘይብሎም ክፉታት ክንከውንን ሓንጐፋይ ኢልና ኽንቅበሎምን ተጸዊዕና ኢና።" ክብሉ ውን ኣስፊሖም ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መንጎ ምእመናን ክርስትያንን ሰዓብቲ እምነት እስልምናን ብቕንዕናን ብኣኽብሮትን ዝግበር ርክባት "ነቶም ፍቓድ ኣምላኽ ክንእዘዝ እንደሊ ግዴታና ኢዩ፣" ብምባል ኣትሪሮም ገለጹ።

ካብ ግጉይ ርድኢት እትበልጽ ፍቕሪ

"እወ ፍቓድ ኣቦ ደቁ ንሓድሕዶም ክፋቐሩ ንሓድሕዶም ክተሓጋገዙ ኣብ መንጎኦም ገለ ጸገም ወይ ዘይምርድዳእ እንተድኣ ተፈጢሩ ኸኣ ብትሕትናን ትዕግስትን ክሰማምዑ ኢዩ" ብምባል ውን ኣመልክቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ ዝኣመሰለ ዝርርባት ንኽብርን መሰላትን ነፍሲ ወከፍ ሰብ "ውጽኢታዊ ኣፍልጦ ምሃብ" ከም ዝሓትት ውን ኣጕልሑ።

"ልዕሊ እዚ መሰላት እዚ ድማ እቲ ናይ ሕልናን ሃይማኖትን ናጽነት ኢዩ" ብምባል ገለጹ፣ እዚ ድማ "ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ሃይማኖታዊ ምርጫታቱ ምሉእ ብምሉእ ነጻነት ክህልዎ ኣለዎ ማለት ኢዩ" በሉ።

ሓሳብ ምሃብ ደኣ እምበር ጸቕጢ ምፍጣር ኣይሰርሕን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ናይ ገዛእ ርእሱ ሃይማኖት ንኣመንቲ ይኹኑ ንዘይኣመንቲ ብዘየገድስ ብዛዕባ እምነቱ ሓሳባቱ ከፋል ዳኣ እምበር ጸቕጢ ከይገብር ነጻነት ክስምዖ ኣለዎ" በሉ።

ስለዚ እዚ ንዅሉ ዓይነት ተግባራት ምስዳዕ ካብ ሃይማኖት ማለት ቍጠባዊ ሓለፋታት ምግበር ከምኡ ውን ንድንቍርና ሰባት ከም ዕድል ምጥቃም ክንጸግ ዘለዎም ውዱቕ ተግባርት ምዃኑን ገለጹ።

ኣብ ርእሲ እዚ ውን "ኣብ መንጎ እተፈላለያ ሃይማኖታት ዘለዉ ሰባት ዝግበር መውስቦ ንመጻምድትኻ ናብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሃይማኖት ናይ ምቕያር ኣጋጣሚ ክኸውን የብሉን" ድማ በሉ።

ሓባራዊ ኣኽብሮትን ዕርክነትን

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣባኡ ዝተረኽቡ በጻሕቲ ከም "ፍቑራት ኣዕሩኽ" ገይሮም እንክዛረብዎም እቶም ተወከልቲ ምስልምና ኣብ ዝሃሎኹም ይሃልዉ ምስ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ኵሉ ደረጃታት "ብሓባራዊ ኣኽብሮትን ዕርክነትን" ጽቡቕ ርክብ ክዕቅቡ ተስፋኦም ገለጹሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንኵሎም ኣመንቲ ብሓባር ሰላም ኬማዕብሉ ብምምሕጻን ንኹሎም ኣብ ጸሎት ከም ዝዝክርዎም ብምርግጋጽን፣ ንሳቶም ውን ምእንቲ ቅዱስነቶም ኺጽልዩ ብምሕታትን መደረኦም ዛዘሙ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ምስ ባላት ተወከልቲ እስላማዊ መስጊድ ቦሎኛ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ምስ ባላት ተወከልቲ እስላማዊ መስጊድ ቦሎኛ
27 June 2024, 17:24