ር. ሊ. ጳ.፦ ንተፈጥሮ ምክንኻን ግብረ-ገባውን ስነ-ምግባራውን ጕዳይ እዩ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ደቅሰብ ንተፈጥሮ ብዘይኣግባቡ ምጥቃሞም ናይ ብሓቂ ለውጢ ይሓትት፣ ኣነባብራና ኽንቅይር ድማ ንዕደም ኣሎና፣ ክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዚ ጻውዒት እዚ ኣብታ ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 1 መስከረም ተዘኪሩ ዝውዕል ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ጸሎትን ሓልዮትን ተፈጥሮ ንምምልካት ዝጸሓፍዋ ትማሊ ሓሙስ እተሓትመት መልእኽቲ ኣመልኪቶም ።
'ኣብ ተስፈጥሮ ተስፋን ውሳኔን ምግባር'
ኣብዛ ዓመት እዚኣ ቁውም ሓሳብ ናይዛ መዓልቲ እቲ ካብ መልእኽቲ ቅዱስ ሓውርያ ጳውሎስ ናብ ሮማ ዝጸሓፋ (8፡19-25) እተወስደ ኮይኑ "ምስ ተፈጥሮ ተስፋን ተግባርን" ዝብል ኢዩ። ኣብኡ ኸኣ ሓዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ምንባር እንታይ ማለት ምዃኑ ገሊጹ ይርከብ፣ ኣብቲ ኻብ እምነት እተወልደ ርግጸይና ተስፋ ድሕነት ማለት ኣብቲ ኣብ ክርስቶስ ዘሎ ሓድሽ ህይወት ዘተኰረ ኢዩ።
እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብ27 ሰነ ዝፈረምዎ መልእኽቲ ኣብ ትሽዓተ ምዕራፋት እተኸፍለ፣ እዚ ዅሉ ድማ ነቲ ሓባራዊ ቤትና ኽንከናኸን ዘሎና ሓላፍነት ዜጕልሕ እዩ ። ከምቲ ክርስትያን ምእመን ብእምነትን ብመንፈሳውነትን ኪነብሩ ጻውዒት ዝቐረበሎም፣ ንኣከባቢ ምክንኻን ውን "ነቲ ኢየሱስ ዝሃቦም ትእዛዝ ፍቕሪ ብምሕላው ብናጻ ዚዕየ ዕዮ" ምዃኑ ዘጕልሕ ኢዩ።
ብዘይ ናቱ ጉድልነት ባርያ ዝኾነ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም "ፍጥረት ንባዕሉ ልክዕ ከም ደቂ ሰብ ባርያ ኮይኑ ኢዩ፣ እዚ ድማ ብናይ ገዛእ ርእሱ ጕድልነት ኣይኮነን ዝነበረ" ብምባል ጓሂኦም ገለጹ። ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ድማ ፍትራት "ነቲ እተነድፈሉ ነባሪ ትርጕምን ዕላማን ክዕቅቦ ኣይከኣለን" ብምባል ጓሂኦም ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ኣከባቢ "ብሰንኪ እቲ ደቅሰብ ንተፈጥሮ ብዘይኣግባብ ይጥቀሙሉ ምህላዎም እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ምብትታንን ሞትን የጋጥሞ ኣሎ።" እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ግን፦
"ምድሓን ደቂ ሰብ ብክርስቶስ ርግስ ከም ዝኾነ ንፍጥረት እውን ርግጽ ተስፋ እዩ፣ ከመይሲ 'ፍጥረት ንርእሱ ኻብ ባርነት ምምሽማሽ ሓራ ወጺኡ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ኪረክብን እዩ።'
ንቑሓት ክንከውንን ንለውጢ ፍቓደይናታት ክንከውን ኣሎና
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ነቲ ግርማዊ ዳግም ምጽኣት ኢየሱስ ብተስፋን ብጽንዓትን ኣብ እንጸባበየሉ ዘሎና፣ መንፈስ ቅዱስ ንማሕበር ኣመንትን ንቑሓት ይገብረና እዩ" በሉ።
እቲ መንፈስ ከምዚ ብምባል የረጋግጸልና - "ነቲ ምብልሻው ኣከባቢና ንምቅዋም ከምኡ ውን ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉ ሓቀይና ለውጢ ኽግበር ከም ዝኽእል ምስክር ዝዀነ ማሕበራዊ ርእሰ ነቐፌታ ንምግባር ብቐጻሊ ይመርሓናን ናብ ለውጢ ብምዕዳም ኣነባብራና ኽንቅይር ይጽውዓናን ኣሎ።"
ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ደረት ምግባር ህጹጽ ኩነታት ኢዩ
ቅዱስ ኣቦና ኣስዕብ ኣቢሎም ምስ ፍጥረት ተስፋ ምግባርን ስጕምቲ ምውሳድን ክበሃል ከሎ ሓይልታትና ምሕባርን ምስ ኵሎም ሰብ ሰናይ ፍቓድ ዝኾኑ ሰብኡትን ኣንስትን ብሕብረት ምጕዓዝ ማለት ምዃኑ ውን ገለጹ። በዚ ኸምዚ ነቲ ብዛዕባ "ሰብኣዊ ሓይሊ ዝምልከት ሕቶ ትርጕሙን ከምኡ ውን ደረቱን" እንደገና ንኽንሓስበሉ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ብ2024 ንመዓልቲ ሰላምን ምሉእ ሰብኣዊ ምዕብልናን ዘመሓላለፍዋ መልእኽቲ ብምጥቃስ ከምዚ በሉ - "እቲ ናይ ምጽብጻብን ምምስሳልን ክእለቱ ኣብ ልዕሊ ደቅሰብን ተፈጥሮን ንምግዛእ ክውዕል ስለ ዝኽእል ኣብ ምዕባለ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ብህጹጽ ስነ-ምግባራዊ ደረት ምግባር ኣድላዪ ኢዩ።" እውን በሉ።
ኣዕናዊ ሳዕቤን ውግእ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዓለም ክሳዕ ክንደይ እከይ ከም ዘሎ ይነቕፉ ኣብ መልእኽቶም ።
"ስለምንታይ ክንድዚ ዝኣክል በደል፡ ክንድዚ ዝኣክል ሕውነታዊ ቅትለት፣ ውግእ ብዙሓት ቆልዑ ዝቐዝፍ ዘሎ፡ ከተማታት ዘዕኑ ዘሎ፡ ኣከባቢ ዝብክል ዘሎን፣ ነታ ኣዴና ዝኾት መሬት ክብራ ክገሃስን ክትዓኑን ዝገብራ ዘሎ ስለምንታይ?"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ብምሉኡ ኣድማስን እቲ ኣብኡ ዘሎ ዅሉ ፍትረትን እዚ ሕጂ ዘሎ ዅነታቱ ክሰግርን ናብቲ ናይ መጀመርታ ዅነቱ ኺምለስን ብብርቱዕ ትጽቢት ዚናፍቕ ስለምንታይ እዩ ? " ክብሉ ዘለዎም ሓዘንን ጓህን ገለጹ።
ንተፈጥሮ ምቑጽጻርን ብዘይ ኣግባቡ ምጥቃመን ምእማሱን ይኣክል
ቅዱስነቶም ከምዚ ብምባል ውን የጕልሑ - "ንተፈጥሮ ናይ ምውናንን ምቍጽጻርን መሰል ከም ዘሎኻ ምዃንን ብዘይ ኣግባቡ ምጥቃምን፣ ሓደ ዓይነት ኣምልኾ ጣኦት ማለት ብተክኖሎጂያዊ ሓይሉ ዝሰኸረ ብትዕቢቱ ንምድሪ ዝረግጻ፣ ጸጋ ኣምላኽ ኣብ ዘይብሉ ዅነታት ዘቐምጣ ሰብ ዘመልክት ኩነት ኢዩ።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ፍጥረት "ብገዛእ ርእሱ ዘይንቀሳቐስ ወይ ዕጹው ኣይኰነን፣ የግዳስ "ናብ መጻኢኡ ብቐጻሊ ዝስሓብ እዩ።"
ቅዱስ ኣቦና ብምውሳኽ ንፍጥረት ምዕቋብ "ግብረ ገባዊ ጕዳይ ጥራይ ዘይኰነስ ምስጢራት ሰብን ምስጢር ኣምላኽን ዚጋጨወሉ ነጥቢ ስለ ዝዀነ ስነ-ምግባራዊ ጕዳይ እዩ" በሉ።
"ብመልክዕ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝዀነ ኣምላኽ ስለ እተፈጠርና፣ ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ብክርስቶስ "ወኪላቱ" ከም ምዃና መጠን ናጻ ምዃንና ውን ገለጹ።
ንሕና "ወኪላት" ፍጥረት ክርስቶስ ኢና።" ድማ በሉ።
መጻኢ ኣብ ዘልዓለማውነት ኣብ ሓደጋ እዩ ዘሎ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ፍጥረት "ከምቲ ብቕልውላው ሕርሲ" እትሳቐ "ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ" ይጽበ ከም ዘሎ ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከምዚ ብምባል የጠንቅቑ - "ኣብ ታሪኽ ዘሎ ምድራዊ ህይወትና ጥራይ ዘይኰነስ ልዕሊ ዅሉ ድማ መጻኢና ንዘለኣለም ኣብ ሓደጋ ኢዩ ዘሎ።" በሉ።
ደቂ ኣምላኽ ትርጕም ዘለዎ ጽልዋ ኼሕድሩ ይከኣሎም ኢዩ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምእመናን እንከተባብዑ ከም "ደቂ ኣቦ" መጠን መንነቶም ክዝክሩ የተባብዕዎም፣ እዚ ኸኣ ቅዱስ ህይወት ብምንባር ጭቡጥ ዝኾነ ለውጢ ንኽንገብር ስልጣን ከም ዘሎና ዝሕብር ኢዩ በሉ።
በዚ ኸምዚ እቲ መልእኽቲ "ህይወትና ንኣምላኽን ንሰብኣውነትን ንተፈጥሮን ናይ ፍቕሪ መዝሙር ክትከውን ብቕድስና መሊእኩም ክትርከቡ ኣሎኩም" ብምባል ይድምድም።