ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ንሰላም ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ኣድላዪ እዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣባላት ምንቅስቓስ ኣፍቅሮተ ዘቤት፡ ኣብ ሮማ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣብ ዘሰናደዎ ዓውደ ጉባኤ ተጋባእያን ተቐቢሎም ምስታ ኣብ እስራኤል ካብ ፍልስጤማዊት ስድራቤት ዝተወልደት ናይቲ ምንቅስቓስ ኣደ መንበር ማርጋረት ካራም ሰላምታ ኣቕሪቦም፡ “ነታ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ስቓይ ንእትርከብ ትውልዲ ሃገርክን ቅርበተይን ጸሎተይን አረጋግጽ” እንክብሉ መድረኦም ከም ዘበገሱን እታ ኣደ መንበር ብዛዕባ እቲ ቅዱስነቶም ንትውልዲ ዓደን ዝገለጽዎ ቅርበትን ምትሕብባርን ጸሎትን ኣመልኪተን ኣብ ዝሃብኦ መግለጺ፥ "ስለቲ ክልተ ህዝብታት ዝነብሩላን ክልተ ህዝብታት ዝሳቐየላን መሬተይ” ዝምልከት እዩ ክትብል ከም ዝተርጎመቶ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቅዱስነቶም ቀጺሎም ኣብ መደረኦም፥ ንምንቅስቓስ ኣፍቅሮተ ዘቤት "ምስቶም መንፈሳውነት ሓድነት ዝካፈሉ ክርስትያን ዘይኮኑ ሃይማኖታት ዘለዎም ሰባት ሓድነት ኣብ ምዕባይ" ዘርኣይዎ ጽንዓት ኣጉሊሖም። እዚ "ብመንፈስ ቅዱስ ህያው ዝኾነ፡ ኣብ ልብን ኣብ ጽምኢ ፍቕርን ሕብረትን ሕውነትን ክርስቶስ ሱር ዝሰደደ፡ ክንብሎ ንኽእል" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
መንገዲ ርክብ ምኽፋት
"ናይ ዘተን ርክብን መንገድታት ዝኸፍት" ብሓቂ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ኣስሚሮም፣ ሓድሓደ ግዜ "ዘገርም" ምዃኑ ገሊጾም። ሓደ ኣብነት ናይዚ ድማ ልዕሊ ሓምሳ ዓመት ይገብር ኣብ ኣልጀርያ "ንዚ ምንቅስቓስ ጠቢቖም ዝሰዓቡ ዅሎም ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ኣብ እተወልደሉ እዋን" ከም እተፈጸመ ኣመላኺቶም፥ እዚ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ድሕሪ ግዜ ኣስፋሕፊሑ ኢዩ እዚ ድማ "ከምቲ ሎሚ ኣብዚ ምህላውኩም ዘረጋግጾ . . . መሰረት ናይዚ ተመክሮ እዚ "ፍቕሪ ኣምላኽ ብሓድሕዳዊ ፍቕሪ ብምስማዕ ብምትእምማን ተቐበልቲ ጋሻ ብምዃን ከምኡውን ንሓድሕዶም ብምፍላጦም ንመንነት ሓድሕዶም ምሉእ ብምሉእ ብምኽባር ኢዩ ዝገልጾ" እንክብሉ ኣዘኻኺሮም፡ ኣዚ ድማ ኣብ ግዜ ንብኽያት ድኻታት ምላሽ ንምሃብ ንፍጥረት ንምክንኻን ከምኡውን ሰላም ንምርካብ ኣብ ዚግበር ጻዕሪ ዕርክነትን ምትሕብባርን እናዓበየ ይኸይድ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ሕልሚ ሓድነት
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም፥ "ኣብዚ ጕዕዞ እዚ ገሊኦም ክርስትያን ዘይኰኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ መንፈሳውነት ዕዮ ማርያም ወይ ኣብ ገሊኡ ባህርያቱ ብምክፋል ምስ ህዝቦም ተሰማሚዖም ይነብሩ እንክብሉ ኣስተብሂሎም፥ ምስዞም ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ኮይንና ዝስምዓና ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፡ ሕልሚ ዝያዳ ስሙር ዓለም እናተኻፈልና፡ ብስኒት ብዙሕነት ክንይው እቲ ተራ ዘተ ነብል” ምስ በሉ መደረኦም ኣብ ምዝዛም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ምስክርነት ናይቶም ናይቲ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ኣፍቅሮተ ዘቤት ብፍላይ ኣብዚ ግጭት ዝመልኦ እዋን ሃይማኖት ምክፍፋል ንምልዕዓል ብዘይግቡእ ምጥቓም ኣብ ዝረኣየሉ እዋን ምንጪ ሓጐስን ምጽንናዕን" ምዃኑ ኣዘኻኸርዎም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ "ሃይማኖታዊ ዘተ ኣብ ዓለም ሰላም ንምስፋን ኣድላዪ ኢዩ" እንክብሉ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።