ር. ሊ. ጳ.፦ ቅዱስ ቍርባን ነብያት ናይ ሓዳስ ዓለም ይገበረና

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ ናይ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ብዛዕባ ክብረ በዓል ቅዱስ ቁርባን ኣስተምሃሩ፣ ቅዱስ ቍርባን ካብ ስስዐ ክንወጽእ ኸም ዚሕግዘናን ፍቕርን ሓድነትን ንኸነማዕብል ከም ዘኽእለናን ድማ ገለጹ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር፣ ነቲ ኣብ መላዕ ዓለም ዛላ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን በዓለ ቅዱስ ቁርባን ተኽብር ምህላዋ ዘኪሮም።

ቅድሚ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ምዕራጐም ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ኢየሱስ ኣብታ ናይ መወዳእታ ድራር፣ ምሥጢረ ቅዱስ ቍርባን ኣብ ዝሠርዓሉ እዋን ገዛእ ርእሱ ከም ዘወፈየልና ኣስተንተኑ።

ወንጌል ንስፍሓት ናይዚ "ውህበት" እዚ ድማ የጕልሕ፣ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እንጌራ ብምሃብ መንነቱን ተልእኾኡን ከም ዝገለጸሎም ድማ ኣስተምሃሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ኣስተንትኖኦም ኢየሱስ "ንህይወቱ ንገዛእ ርእሱ ጥራይ ኣይዓቀባን የግዳስ ንዓና ኣካፊሉና ኢዩ" በሉ። "ንኣምላኽነቱ ከም ንፉግ መዝገብ ገይሩ ኣይበሓቶን፣ የግዳስ ንሰብኣውነትና ምእንቲ ኺማቐልን ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኼእትወናን ኢሉ ንርእሱ ትሕት ብምባል ርእሱ ኣዋረደ።" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም ድማ ኢየሱስ ንብምሉኡ ህይወቱ ምእንታና ክብል ውህበት ገበሮ ክብሉ ኣስተምህሩ ።

ጥምረት ናይ መላእ ቤተ-ክርስትያን

ኣስዕብ ኣቢሎም ውን ቅዱስ ኣቦና፣ ቅዱስ ቍርባን ቀንዲ ኽፍሊ ናይ ክርስትያናዊ  ህይወት ምዃኑ ገለጹ።

"ሥርዓት ቅዱስ ቍርባን ምፍጻን ካብዚ እንጌራ እዚ ምምጋብን ብፍላይ ከአ ከምቲ ኣብ ዕለተ ሰንበት እንገብሮ ካብ ህይወት ዝተፈልየ ኣምልኾ ወይ ከአ ተራ ብሕታዊ ምጽንናዕ እንረኽበሉ እዋን ኣይኰነን " በሉ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ቅዱስ ቁርባን እንታይነትናን ዘሎናን ኩሉ ከነካፍል ስለ ዚምህረና ነፍሲ ወከፍና ምእንቲ ኻልኦት ህይወትና ከም ህያብ ጌርና ከነውፊ ኢዩ ዘኽእለና።

ነብያት ሓዳስ ዓለም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ኣስተንትኖኦም ቅዱስ ቁርባን "ነብያትን መሓንደስትን ናይ ሓዳስ ዓለም" ስለ ዝገብረና ካብ ኣመክንያዊ ኣተሓሳስባ ናይ ዋኒንነትን ሓሻሽነትን ንኽንርሕቕ ከም ዚሕግዘና ገለጹ።

"ንስስዐ ምስ እነሰንጎን፣ ንፍቕሪ ቅሩባት ምስ ርንኸውንን፣ ማእሰር ሕውንት ምስ እንዅስኵስን፣ ኣብ ስቓይ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምስ እንሳተፍን፣ ነቶም እተሸገሩ ኸኣ እንጌራናን ጥሪትናን ምስ እነካፍሎምን፣ ተውህቦና ንዅሉ ምስ እነቕርበሉን ሽዑ እምበኣትር ከም ኢየሱስ እንጌራ ህይወትና ቆሪስና ነካፍል ኣሎና ማለት ኢዩ" በሉ።

ሓባራዊ ረብሓ ምድላይ

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንህይወትና ምስ ካልኦት ንካፈሎ እንተ ደአ ዄንና ወይ ከአ ግላዊ ጥቕምና ጥራይ ሃሰስ ንብል ከይህሉ ንርእስና ኽንሓትት ጻውዒት ኣቕረበልና ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "እታ ንኢየሱስ ከም ካብ ሰማይ ዝወረደ ናይ ህይወት እንጌራ እተቐበለቶ ድንግል ማርያም እሞ ንገዛእ ርእሳ ከአ ምስኡ ምሉእ ብምሉእ ኣሕሊፋ ዝሃበትና፣ ንሕና ውን ናይ ፍቕሪ ህያብ ኮይና ምስ ኢየሱስ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ክንወሃሃድ ትሓግዘና" ቢሎም ብምጽላይ ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ።

03 June 2024, 14:38