ድለ

SUDAN-CONFLICT SUDAN-CONFLICT  (AFP or licensors)

ር. ሊ. ጳ. ኣብ ሱዳን ሚልዮናት ሰባት ጥሜት ኣንጸላልይዎም ከም ዘሎ ብምዝካር ምእንቲ ሰላም ጸልዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ መራሕቲ ዓለም ኣብ መንጎ እቶም ዝዋግኡ ዘለዉ ክልተ ሰልፍታት ሃገረ ሱዳን ሰላም ክግበሩ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ከመይሲ ናይ ግብረ - ሰናይ ማሕበራት ኣብዛ ኣፍሪቃዊት ሃገር ንብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት እዋን ህጹጽ ኩነታት ኮይንዎም ከም ዘሎ ኢየን ዝገልጻ ዘለዋ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ዝተረኽቡ ነጋድያንን በጻሕትን ከምዚ ዝስዕብ ክብሉ ምሕጽንታ ኣቕረቡሎም።

"ኵሉ ሰብ ምእንቲ እቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝጸንሐ ውግእ ሰላማዊ ፍታሕ ዘይተረኽበሉ ኩነታት ሃገረ ሱዳን ክጽሊ እዕድም ኣሎኹ ። በጃኹም ኣጽዋር ስቕ ይበል" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣህጉራውያን መራሕትን ሰበ-ስልጣን ሃገረ ሱዳንን፣ ንሕዝቢ ሱዳንን ብፍላይ ድማ  ንብዙሓት ካብ መረበቶም እተመዛበሉ ሰባትን ኪሕግዝዎም ጻውዒት ኣቕረቡሎም።

ወሲኾም ድማ "ስደተኛታት ሱዳን ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ጽቡቕ ተቕባልን ዕቝባን ክረኽቡ ኣለዎም" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ "ውግእ ዩክረይን ፍልስጥኤም እስራኤል ምያንማር" ሰላም ንኽሰፍን እውን ጸለዩ።

ከምዚ ድማ በሉ - "እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ግጭታት ምእንቲ ኸቋርጽን ኵሉ ጻዕርን ድኻምን ኣብ ምይይጥን ውዕላትን ምእንቲ ንክኸውን ምእንቲ ጥበብ መራሕቲ እጽሊ ኣሎኹ” በሉ ።

ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ኣብ ሱዳን ጥሜት ኬጋጥሞም ይኽእል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሃገረ ሱዳን ሰላም ክግበር ጻውዒት ኣብ ዘቕርቡሉ ዘለዉ፣ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሕዝቢ ሱዳን ከቢድ ጥሜት ከጋጥሞም ከም ዝኽእልን ህጹጽ ኩነታት ኮይንዎም ከም ዘሎን ኢዩ ዝምስከር ዘሎ ።

እዛ ሃገር እዚኣ ኣብ መንጎ ክልተ ተቐናቐንቲ ወተሃደራዊ ሰልፍታት ብዝካየድ ዘሎ ግጭታት ተኸርዲና ካልኣይ ዓመት ተቑጽር ኣላ፣ ኣብ ዓለም ከኣ ሓንቲ ካብቶም ብብዝሒ ኣብ ውሽጢ ሃገር ሕዝባ እተመዛበሉ ዝዓበየት ሃገር ኮይና ኣላ።

ኣብዚ እዋን እዚ ውግእ እናቐጸለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ሰብኣዊ ናይ ግብረ - ሰናይ ማሕበራት እቶም ተቐናቐንቲ ጕጅለታት ረድኤት ናብ ህዝቢ ንኸይበጽሕ ይዓግቱ ኸም ዘለዉ ብምግላጽ ጽኑዕ መጠንቀቕታ የመሓላልፋ ኣለዋ ።

እዚ ናይ ቀረባ እዋን መጠንቀቕታ እዚ ደድሕሪ እቲ 12 ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝርከብዎም 19 ኣህጉራውያን ናይ ግብረ - ሰናይ ጕጅለታት ነቶም ብጥሜት ዝሳቐዩ ዘለዉ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ናይ መግቢ ረድኤት ንኸይበጽሑሎም በተዋጋእቲ ጕጅለታት  ክዕገቱ ድሕሪ ምጽንሖም ኢዩ ።

ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ጕዳያት ጀንስ ለርክ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ብዛዕባ ስፍሓት እቲ ጸገም ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እቶም 18 ሚልዮን ዝዀኑ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ጥሜት ኣንጸላልይዎም ዝሎ ሰባት፣ እቲ ረድኤት ክበጽሖም እንተ ዘይክኢሉ ክሞቱ ምዃኖም ገሊጹ ።

ቈልዑ ቐንዲ ግዳያት ኢዮም ዝመስሉ 3.6 ሚልዮን መንእሰያት ከኣ ብጥሜት ይሳቐዩ ኣለዉ ።

ሚስተር ላርከ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ኣብ ሱዳን ብቕልጡፍን ብስፍሓትን ረድኤት ከይህቡ እንተ ተኸልኪሎም ኣብ መብዛሕትኡ ኽፍልታት እታ ሃገር ጥሜት ከጥቅዖ ይኽእል እዩ " በሉ ። "ብዙሓት ሰባት ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ኪሃድሙ እዮም። ቈልዑ ብሕማምን ብጕድለት ኣመጋግባን ክሞቱ ኢዮም፣ ኣንስትን ኣዋልድን ከኣ ካብዚ ዝገደደ ስቓይን ሓደጋታትን ከጋጥመን ኢዩ።" ክብል ኣተንቒቑ።

ልዕሊ ሓደ ዓመት ውግእ

ሱዳን ኣብ ተስፋ ዘቝርጽ ኵነታት ኢያ ዘላ ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝገበሮ ገምጋም ከም ዚሕብሮ ዳርጋ 10 ሚልዮን ዚዀኑ ኻብ ኣባይቶም እተመዛበሉ ሰባት ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ተመዛበልቲ ኮይኖም ኣለዉ ።

ኣብታ ዘላታ ተወሰኸታ ኸኣ ክልተ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ናብተን ድሕንነት ዘለወን ጐረባብቲ ሃገራት ተሰዲዶም ይርከቡ።

ሱዳን ካብ 15 ሚያዝያ 2023 ኣትሒዛ ኣብ መንጎ ክፍልታት ሰራዊት ሱዳንን ግጭት ተኸሲቱ ይቕጽል ኣሎ፣ ነንሓሕዶም ድማ መን ነቲ ውግእ ከም ዝጀመሮ ይካሰሱ ኣለዉ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቐዲሙ እቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ዅነታት ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ኣሉታዊ ጽልዋ ከም ዝገብር ውን ገሊጹ ነይሩ ኢዩ። መብዛሕትአን ካብዚኣተን ከኣ ናይ ገዛእ ርእሰን ጸገማት ዘለወን ሃገራት ኢየን ።

03 June 2024, 14:40