ር. ሊ. ጳ. ፦ ግጭታት ሰላማዊ ፍታሕን ዝርርባት ኢዮም ዘድልዩ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቭቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናይ ዕልተ ሰንበት ጸሎት መኣከ እግዚአብሔር ድሕሪ ምዕራጐም ዘቕረብዎ ቃል ምሕጽንታ ነቲ ኣብ ቅድስቲ መሬትን ዩክረይንን ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመታት ብምዝካር ግጭታት ንምፍታሕ "ምይይጥ ኣድላዪ ኢዩ" ብምባል ነዚ ጻውዒት እዚ ኣቕረቡ።
"መንፈስ ቅዱስ ንኣእምሮ መራሕቲ የብርሆ ጥበብን ሓላፍነትን የስረጸሎም፣ ግጭት ዘለዓዕል ዝዀነ ይኹን ተግባር ወይ ቃል ንምውጋድ ኣብ ክንዳኡስ ንግጭታት ብሰላማዊ መገዲ ፍታሕ ንምርካብ ቈራጽነት ክገብሩ ይሓግዞም፣" ክብሉ ጸሎት ኣዕረጉ።
ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ዝነበሩ ዅሎም እቶም ካብ ርሑቕ ዝመጹ እምእመናን እንክዛረቡ ብዛዕባ እቲ ንዓለም ዘሳቕያ ዘሎ ውግኣት ኣመልከቱሎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብፍሉይ መገዲ ማለት ዩክረይን ፍልስጥኤምን ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ከምኡ ውን እስራኤል ብምዝካር "ሰላም ንምርካብ ብቐጻሊ ንጸሊ" ክብሉ ተማሕጸኑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ሰንደቕ ዕላማ እስራኤል ዝውዝውዙ ምስ ረኣዩ ሰንበት ንግሆ ውን ካብቲ ኣብ ትራስተቨረ ዝርከብ ቤተ-ክርስትያን ቅዱን ኣርብዓ ሰማእታትን ከምኡ ውን ቅዱስ ፓስካል በይሎን ክምለሱ እንከለዉ ኣብ ሓደ ሰገነት ተንጠልጢላ ከም ዝረኣዩ ውን ዘከሩ።
"ናይ ሰላም ጻውዒት ኢዩ!" ብምባል ድማ ኣመልከቱሎም።
'ሰላም ኪወሃበና ንጸሊ'
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም "ምእንቲ ሰላም ንጸሊ በጃኹም! " በሉ። ብፍላይ ድማ “እታ እትዓኑ ዘላ ዩክረይን፣ ብዙሕ ትሳቐ ኣላ!” ክብሉ ዘከሩ።
“ሰላም ግበሩ በጃኹም!” ብምባል ድማ ነቶም ገዛእቲ ሓላፍነት ክስምዖምን ግጭታት ደው ንምባልን ክዓዩን ብምሕታት ተማሕጸኑ።
ዝኽሪ ክቡር ኣባ ማኑወል ብላንኮ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ዝሓልፈ ኣብ መንጐ ሓሙስ ምሸት ዓርቢ ንግሆ ኣብ ሮሜ ኣብ መበል 85 ዕድሜኦም ዝዓረፉ ኣቦ ንስሓ ዝኾኑ ፍራንቸስስካዊ ካህን ማኑወል ብላንኮ እውን ዘኪሮም ።
ቅዱስ ኣቦና ኣስዕብ ኣቢሎም ነቲ ኣብታ ዘገልግሉላ ዝነበሩ ቤተ ክርስቲያን ቅዱሳን 40 ሰማእታት ንኣስታት 44 ዓመታት ዘገልገሉ ኢዮም፣ ክቡር ኣባ ማኑወል ከም "ሓለቓ ማሕበር" "ናይ ንስሓ ኣቦ" ከምኡ ውን ከም "ኣማኻቲ ካህን" ዝነብሩ ከም ኹኖም ውን ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ "ነዞም ካህን ኽዝክሮም ኸለኹ ነቶም ንቤተ ክርስትያን ሮሜ ዜገልግሉን ዜኽብሩን ዘለዉ ፍራንሲስካውያን ኣሕዋት ኣቦታት ንስሓን ሰበኽትን ክዝክሮም እደሊ" ክብሉ ምህጽንታኦም ዛዘሙ።