ር. ሊ. ጳ.፦ መዝሙር ዳዊት፣ 'ጸሎት ኢየሱስ' ንዅሉ ወቕትታት ዚኸውን ጸሎት እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ንምእመናን ከምቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገበሮ ንመዝሙር ዳዊት ብምጽላይ ኣብ 'ጸሎት' ክጽመዱ ኣተባብዕዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ "ንመዝሙራት ዳዊት ጸሎትና ብምግባርን፣ ብኣታቶም ምጽላይን ኣድላዪ ኢዩ" ብምባል ተማሕጸኑ።

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ዝገልጽ ተኸታታሊ ኣስተምህሮታቶም ብምቕጻል፣ ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ውን ብዛዕባ መዝሙረ ዳዊት ፍልይ ብዝበለ መገዲ ኣስተንተኑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዝመጽእ ዓመት ኢዮቤል 2025  ንምስንዳው ኣብ ዓመተ ጸሎት 2024 ከም ዝኣወጁ ብምዝካር ኢዮም ነዚ ኣስተምህሮኦም ዝጀመርዎ ።

ማኅሌት ጸሎት

ስለዚ ድማ "ቤተ-ክርስትያን ድሮ ማኅሌት ጸሎት ከም ዘለዋ እቲ ኣሰናዳኢኡ ድማ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝዀነ መጽሓፍ መዝሙረ ዳዊት ከኣ ከም ዝዀነ ክዝክር እደሊ" በሉ ቅዱስነቶም።

መጽሓፍ መዝሙረ ዳዊት ልክዕ ከም ዝዀነ ይኹን ማኅሌት ጸሎታት "እተፈላለየ ‘ምንቅስቓሳት’ ማለት እተፈላለየ ዓይነት ጸሎት፣ ውዳሰ ምስጋና ምህለላ ድጕዓ ዛንታ ኣስተንትኖ ከምኡ ውን ብመልክዕ መዝሙራት ንኵሎም ሰባት ዝሓቘፈ” ጸሎት ምዃኑ ገለጹ።

እዚ ድማ "እቲ መንፈስ ባዕሉ ኣብ ከናፍር እታ መርዓቱ ዝኾነት ቤተክርስቲያን ዘንበሮ መዝሙራት እዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ኵሉ መጻሕፍቲ ቅዱስ መጽሓፍ ብመንፈስ ቅዱስ እተጻሕፈ ኢዩ፣ እንተዀነ ግን መጽሓፍ መዝሙረ ዳዊት ብፍላይ "ብመልክዕ ግጥሚ ዝተደርሰ" ከምኡ ውን ኣብ ሓድሽ ኪዳን ፍሉይ ቦታ ዘለዎ መጽሓፍ ኢዩ።

"ንመዝሙራት ዳዊት ልዕሊ ዅሉ ክንግደሰሉ ከም ዘሎና ዝገብረና ምኽንያት ጸሎት ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ጸሎት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣዴናን፡  ጸሎት ሓዋርያትን ከምኡ ውን ኵሎም እቶም ቅድሜና ዝነበሩ ወለዶታት ክርስትና ብምንባሩ እዩ።"

መዝሙር ዳዊት ክንደግም እንከሎና

ብመዝሙር ዳዊት ክንጽሊ እንከሎና ይብሉ ቅዱስ ኣቦና "ኣምላኽ በቲ ዓብዪ ማሕበር ቅዱሳን ከም ዝቐርብ "ስርዓት ማኅሌት" ገይሩ ኢዩ ዝሰምዖ" ብምባል ገለጹ።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብመሰረት እታ ናብ ዕብራውያን እተጻሕፈት መልእኽቲ 'ዎ ኣምላኽ ፍቓድካ ኽገብር እየ መጺአ' እትብል ኣብ ልቡ ዘላ መዝሙር ጥቕሲ ሒዙ ናብ ዓለም ከም ዝመጸ ዘከረ (ዕ 10፡ 7፣ መዝ 40፡ 9 ርአ) ከምቲ ወንጌል ሉቃስ ዝበሎ ኸኣ ንዓለም ሓዲግዋ ክኸይድ እንከሎ፣ ኣብ ከናፍሩ 'ኦ ኣቦይ ንመንፈሰይ ኣብ ኢድካ የማዕቁባ ኣለኹ' በለ (Lk 23፡ 46፣ መዝ 31፡ 6 ርአ)።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም ከም ዝገለጽዎ ኣብ ሓድሽ ኪዳን መዝሙራት ዳዊት ምጥቃም ልሙድ ኮይኑ፣ ድሒሩ ውን በቶም ኣበው ቤተ - ክርስትያን ውን ዝቐጸለ ምዃኑ እተረጋገጸ ኢዩ፣ ብዝበለጸ ከኣ ኣብዚ ግዜና ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ በሉ።

ከምዚ ብምባል ድማ ኣስተንትኖኦም ቀጸሉ - "ንመዛሙር ዳዊት ናትና ጸሎት  ምግባር ኣድላዪ ኢዩ ። ብእተወሰነ መዳይ ንሕና ውን ከም "ጸሓፍቲ" እዚ መዝሙራት ኴንና ብኣታቶም ክንጽሊ ኸም ዘሎና ምእንቲ ኢዮም እተጻሕፉ።

ንዅሉ ወቕትታት ዝኸውን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ንመዝሙራት ወይ ፍቕድታቱ "ብልብና ዓጽኒዕና መዓልታዊ ኽንደግሞን ክንጽልየሉን ሰናይ ነገር እዩ" በሉ።

"ኣብ ዅሉ ወቕትታት" ዚጽለዩ ክንዲ ዝዀኑ "ናብ ባዕላዊ ጸሎት ኪልወጥ ዘይክል ዝበለጸ ቓላት ማለት ምስ መንፈሳዊ ኩነትና ወይ ድሌታትና ዘይከይድ የልብሎምን" በሉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ካልኦት ጸሎት ዘይኰነስ ብምድጋሞም ስሉጥነትም ዘጥፍኡ ዘይኮኑስ የግዳስ "ብኣንጻሩ ከም ዝውስኹሉ" ገለጹ።

ወሲኾም ድማ ቅዱስነቶም "ብመንፈስ ኣምላኽ ስለ ዝተጻሕፉ ከምኡ ውን መንፈስ ቅዱስ ስለ ዘስተንፈሰሎም ወትሩ ግዜ ንእምነት ድልዋት ኢዩም" በሉ።

ወትሩ ዘሰንየና መዝሙር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ኣብ ዝተጨነቕናሉ ግዜያት፣ ኣብ እንፈርሀሉ እዋንት ወይ ውን ፍቕርን ሓጐስን ኣብ ዝስምዓና ግዜ ከሰንዩና ዝኽእሉ መዛሙራት ከም ዘለውና፣ ከምኡ ውን ንጸሎትና ናብ ደረጃ ልመና ጥራይ ብዘይምቕነስ ከመሓይሽዎ ከም ዝኽእሉ ኣትሪሮም ገለጹ ።

ኣብ ገዛእ ርእስና ዘይኰነስ ኣብ ውዳሰን ቡራኬን ምስጋናን ዘተኰረ ጸሎት ንኽንጽሊ ኸም ዚሕግዙና ውን ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ መንፈስ ቅዱስ "ነዛ ዓመት እዚኣ ናብ ዓመተ ኢዮቤል ንምድላው ማኅሌት ጸሎት ክገብረልና" ብምጽላይ ኣስተምህሮኦም ዛዘሙ።

19 June 2024, 15:12