ር. ሊ. ጳ.፦ ከም ክርስቶስ ሓራ ድየ ወይስ ብዓለማዊ ኣተሓሳስባ ተኣሲረ’የ ዘሎኹ ?

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ነጋድያንን በጻሕትን ካብ ኣብነት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከመይ ቢሎም ካብ ፍትወት ገንዘብን ስልጣንን ኣምሰሉነትን ክናገፉ ከም ዘለዎም ኪመሃሩ ኣተባብዕዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንምእመናን ኣብቲ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ክሳተፉ ኣብ ቫቲካን ንዝተረኽሙ ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ከምዚ ዝስዕብ ክብሉ ሕቶም ኣቕረቡሎም፦

ከምቲ ኢየሱስ ናጻ ዝነበረ ናጻ ዲኹም ወይስ በቲ ናይ ኣምሰሉነት መንፈስ ተኣሲርኩም ኣሎኹም?

በዚ ኸምዚ ድማ ካብቲ ንምእመናን ናብ ኣምላኽ ከይቀርቡ ዝኸብዶም ነገራት ኪርሕቑ ተማሕጸንዎም።

ቅዱስ ኣቦና ካብ ናይ ዕእለቱ ንባብ ወንጌል ተበጊሶም ነቲ ማርቆስ ወንጌላዊ ዝዘንትዎ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስብከተ ወንጌል ምስ ጀመረ ዝመጾ ዝነበረ እተፈላለየ ምላሽ ዘርኢ ኢዩ - እቶም እተጨነቑ ኣዝማዱ ኸይጽለል ፈሪሆም ነበሩ፣ እቶም መራሕቲ ሃይማኖትን ሰበ-ስልጣንን ከኣ ክፉእ መንፈስ ሓዲር ኣሎ ክብሉ ከሰስዎ።

ቅዱስነቶም ከም ዝገለጽዎ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ኢየሱስ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ይሰብኽን ንሕሙማቶም የሕውየሎምን ከም ዝነበረ ገለጹ ፣ እዚ መንፈስ እዚ "ብመለኮታዊ መገዲ ሓራ ጌርዎ" ኢዩ ፣ ብኻልእ ኣዘራርባ "ብዘይ ልክዕን ብዘይ ገደብን ከም ዘፍቅርን ዘገልግልን ኣኽኢልዎ እዩ " በሉ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም "ነዚ ሓርነት ናይ ኢየሱስ ንምስትንታን ንሓንሳእ ግዜ ንውሰድ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተንትኖኦም መጃመርያ ኢየሱስ ምስ ገንዘብን ሃብትን ዘለዎ ኣተሓሳስባ ናጻ ስለ ዝነበረ ድኻን ዘየተኣማምንን ህይወት ምእንቲ ኺነብር ነቲ ኣብ ናዝሬት እትበሃል ዓዱ ዝነበሮ ውሕስነት ሓዲጉ ኸም ዝኸደ ገለጹ። ጐይታ ድማ ንሕሙማትን ነቶም ንዝዀነ ይኹን ሓገዙ ደልዮም ንዝመጹ ዝነበሩ ሰባት ንኹሎም "ገለ እኳ ከይሓተተ" ብናጻ የሕውዮም ነበረ።

ዋላ’ኳ ተቐባልነት እንተ ዘይብሉ ሓቂ ኻብ ምዝራብ ድሕር ኣይትበሉ

ብዘይካዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስተንትኖኦም ብምቕጻል ክርስቶስ ምስ ስልጣን ብዚተሓሓዘ ናጻ ከም ዝነበረ ውን ኣስተምሃሩ ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣስተንትኖኦም "ንብዙሓት ኪስዕብዎ ኺጽውዖም ከሎ ንዋላ ሓደ ሰብ እኳ ከምኡ ኺገብር ኣየገደደን፣ ደገፍ ናይቶም ሰበ ስልጣን እውን ኣይደለየን፣ የግዳስ ወትሩ ወገን እቶም ትሑታንን ውሑዳንን ብምዃን ንደቀ መዛሙርቱ ውን ኸምኡ ኺገብሩ ይምህሮም ነበረ" በሉ።

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ኢየሱስ ዝናን ህቡብነትን ካብ ምድላይ ናጻ ኢዩ ዝነበረ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ክርስቶስ "ወላ እኳ እንተ ዘይተረድእዎ" ከምኡ ውን "ብብዙሓት ተቐባልነት እንተ ዘይረኸበ" ከምኡ ውን "ኣብ መስቀል ክሳዕ ዝመውት" ሓቂ ካብ ምዝራብ ድሕር ኣይበለን።

ጐይታ ክጽሎን ክግደድን ኣይክእልን ኢዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብምቕጻል "ብዝዀነ ይኹን ነገር ወይ ብዝዀነ ይኹን ሰብ ክጽሎ ወይ ክግደድ ወይ ክዕሾ " ፈጺሙ ኣይፈቐደን ።

እዚ ዅሉ ድማ ኢየሱስ ናጻ ሰብ ምንባሩ ኢዩ ዘርእየና፣ ሓደ ጠቓሚ ትምህርቲ ድማ ይምህረና - "ተድላን ስልጣንን ገንዘብን ህቡብነትን ንስዕብ እንተ ደኣ ዄንና ባሮት ናይዚ ነገረራት ኢና እንኸውን።"

በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን "እታ ናይ ኣምላኽ ጽብቕቲ ፍቕሪ ንልብና ኽትመልኦን ከተስፍሖን እንተ ፈቒድናላ ከምኡ’ውን ብቕጽበት ብፍቕሪ ክንምላእ  እንተ ፈቒድና " ናጻ ዝኾኑ ሰባት ኢና እንኸውን በሉ ።

'ሓራ ድየ?'

ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣባኡ ዝተረኽቡ ምእምናን "ናጻ ድየ ? ወይስ በቲ ብዛዕባ ገንዘብን ሓይልን ኣሳልጦን ዚገልጽ ጽውጽዋያተይ ተኣሲረ ንህድኣተይን ሰላመይን በጃ እገብሮም እየ? ኣብቲ ዝነብረሉን ዝሰርሓሉን ከባቢ ንጹሕን ናጻን ቅኑዕን ከምኡ ውን ገርሀይና ኮይነ ርከብ ድየ?"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣዴና ከምቲ ኢየሱስ ዝመሃረና ብህይወት ንኽንነብርን ከም ደቂ ኣምላኽ ብናጽነት ክንነብርን ክትሕግዘና ብምሕታት ኣስተንትኖኦም ደምደሙ።

10 June 2024, 12:59