ድለ

2024.06.07 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ዘተ ምዕባይን ግዳያት ኲናት ምክልኻልን 2024.06.07 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ዘተ ምዕባይን ግዳያት ኲናት ምክልኻልን  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ዘተ ምዕባይን ግዳያት ኲናት ምክልኻልን

ፍራንቸስኮ ምስ ሰላሳን ሓሙሽተን ተማሃሮ ናይቲ ንልዕሊ ሰለስተ ዘመን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን ዝሕነጽሉ ናይ ክሌኣዊ ስነ መላዊ ርክብ ቤተ ሕንጸት ጳጳሳዊ ዓቕለስያዊ ተቕዋም ዕለት 7 ሰነ ተራኺቦም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይቲ ተቕዋም ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ሳልቫቶረ ፔናኪዮ ነቶም ተመሃሮ ምስ ቅዱስነቶም ንኸላልዩ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ሰላምታ፡ ካብቶም 35 ተመሃሮ ነቶም ናይቲ ተቕዋም ትምህርቶም ዛዚሞም ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ቅድሚ ኣብ ዝግተፈላለያ ሃገራት ናብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን ኣገልግሎት ምምዳቦም ንሓደ ዓመት ሓዋርዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎት ንዘቕርቡ 14 ካህናትን ነዚ ናይ ሓደ ዓመት ዘካይድዎ ኣገልግሎት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ቅዱስነቶም ኣብቲ ተቛዋም ክህሉ ዝገበርዎ መደብ ከም ዝኾነ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ እቲ ንሓደ ዓመት ናብ ወሳናስን ህልውናን ከተማታትን ተመዲቦም ዘካይድዎ ጉስነታዊ ኣገልግሎት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣገልግሎት ከቃልዖ ንዝኽእል ሓደጋታትን ንመንፈሳውነት ዓለማውነት ሓያል ፍቱን መድሃኒት ከም ዝኾነን ኣብሪሆም፡ ንኹሎም ተማሃሮ ብፍላይ ግን ነቶም ትምህርቶም ኣጠናቒቖም ንሓደ ዓመት ንሓዋርያዊ ኣገልግሎት ንዝለኣኹ፥ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ Evangelii Nuntiandi - ወንጌል ኣበስሩ  ብዝብል ኣርስቲ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ንኸንብብዎን ንኸስተንትንዎን ሒዞምዋ ክኸዱ ከም እተላበዉ ኣፍሊጡ።

ባህርያት ናይ ሓደ ኣብ ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ርክብ ዘገልግል

ቅዱስነቶም ነቲ እቶም 35 ተመሃሮ ጳጳሳዊ ዓቕለስያዊ ተቕዋም ዘቕርብሎም ሕቶ መሰረት ገይሮም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ነቶም ኣብ ከባብያዊ ኣብያተ ክርስቲያናትን ስድራቤት ኣህዛብን ክውክልዎም ዝተጸውዉ ኣብ ክሌኣዊ ስነ መላዊ ርክብ ዕዮ ቤተ ክርስቲያን ዘገልግሉ ክህልዎም ዘለዎ ባህርያት ከም ዘካፈሉን ጎኒ ጎኒ እቲ ኣብ መጀመርታ እቲ ርክብ ዝተገልጸ ፥ኣገዳሰንት ቅርበት፡ ምስትውዓልን ዝሓትት ተልእኾ ከም ዝኾነን እዚ ከቢድ ዕማም እዚ ምስ ጎይታ ጽኑዕ ርክብ ክህሉ ዝጠልብ እዩ” ከም ኢሎም።

እናተፈናጀረ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዓለም

ኣብ ኤውሮጳ ከይተረፈ፡ ንዓውዲ ናይቲ ዘጋጥመና ዘሎ "እናተፈናጀረ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዓለም" ዝምልከት ሕቶ እውን ኣብቲ ርክብ ከም ዝቐረበን ቅዱስነቶም ብመሰረት መትከላት ሰብኣዊ ሕጊ፡ ኣብ መንጎ ውድባት ዘተ ንምድንፋዕን ግዳያት ኲናት ንምክልኻልን ኣብ ከባቢታት ግጭት ብዙሓት ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን ዝፍጽምዎ ዕዮ ከም ዘዘኻኸሩን ስዒቦም ዝመጸ ሕቶታት መሰረት ገይሮም፥ ነቶም ናይ መጻኢ ጳጳሳዊ ሓዋርያዊ ልኡካን ኣብ ሮማ ኣብ ዝጸንሑሉ ዓመታትን ኣብ እዋን መደብ ህንጸቶም ከማዕብልዎ ዝግባእ ብቕዓት፥ ትምህርትን መንፈሳውነትን ዘጣመረ ኽኸውን ኣተባቢዖም፥ ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ዕለት 7 ሰነ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ ምዃኑ ብምዝኽኻር ንተማሃሮ ጳጳሳዊ ዓቕለስያዊ ተቕዋም ኣብ ምስጢረ ዕርቂ ንዝቐርብዎም ምእመናን ኩሉ ይቕረ ዝብሉ ካህናት ክኾኑን እዚ ተመክሮ እዚ ሓደ መዓልቲ፣ ከም ሓዋርያዊ ልኡካን ኮይኖም ኣብ ዝምደብሉ እዋን መሓርቲ ጓሶት ንኽኾኑ ከም ዘብቅዖም ገሊጾም፡ ነቶም ተመሃሮ “ኣብ ጸሎትኩም ተዘከሩኒ - ቢሎም - ንነፍሲ ​​ወከፍ ኣብቲ ኣኼባ ንዝተረኽቡ ሓደ ብሓደ ሰላም እናበሉ ከም ዝባረኹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

08 June 2024, 17:03