ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ጐይታ ማዕጾ ልብና ይኽፈት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 29 ሰነ ብምኽንያት ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ዎጳውሎስ ኣብ ብዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ብዛዕባ ምስሊ ማዕጾታት ዘማእከለ ስብከት ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 29 ሰነ ብምኽንያት ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ዎጳውሎስ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋእተ ቅዳሴ ብዛዕባ ምስሊ "መዓጹ" ማለት ብዛዕባ እቲ ጴጥሮስ ካብ ቤት ማእሰር ብተኣምር እተኸፍተ ማዕጾ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ጳውሎስ ናብ ደማስቆ ኣብ ዚወስድ መገዲ ኣናተጓዕዘ እንከሎ ንኽልወጥ ዘተኸፍተ ማዕጾን እዚ ድማ ወንጌል ንምስፋሕ ዝተኸፍተ ማዕጾ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፥

ጴጥሮስን ጳውሎስን ምስ ጐይታ ምርኻቦም "ናይ ሓቅን ፋሲካውን ተመክሮ" እዩ ነይሩ። ናጻ ወጹ መዓጹ ሓድሽ ህይወት ከኣ ኣብ ቅድሚኦም ተኸፍተ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሓድሽ ዘጸኣት

ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ዕለት 29 ሰነ ክብረ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ሊጥርጊያ ዝተነበ ግብረ ሓዋርያት ምዕ. 12፣ 1 – 11 ዝተወስደ ቀዳማይ ምንባብ መሰረት ገይሮም፥ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፡ ቅዱስ ጴጥሮስ ብተኣምራዊ መንገዲ ከም ዝተፈትሐን፡ እዚ ድማ ንተመኩሮ ፋሲካ ዘዘኻኽር ምዃኑ ኣስተብሂሎም። “እቲ ጸብጻብ ናይ ሓድሽ ዘጸኣት ምልክት እዩ። እግዚኣብሄር ንቤተ ክርስቲያኑ የናግፋ፡ ነቶም ብሰንሰለት ተኣሲሮም ዘለዉ ህዝቡ የናግፎም፡ ኣብ ጉዕዞ ዝድግፍ ኣምላኽ ምሕረት ምዃኑ ድማ መሊሱ ይገልጸሎም” ምስ በሉ ቀጺሎም ማዕጾ እቲ ጴጥሮስ ተኣሲሩሉ ዝነበረ ቤት ማሕቡስ ብጐይታ ከምዝተኸፍተ ኣዘኻኺሮም። እዚ ምንባን እዚ ሓደ ዜገርም ዝርዝር እውን ዝሕብር ምዃኑ እንከመላኽቱ - “ኣፍደገ ቤት ማእሰርቲ ብሓይሊ እግዚኣብሄር ይኽፈት፡ እግዚኣብሔር ናብ ቤት ማሕበረ ክርስቲያን ከኣቱ ግና ይቃለስ” . . . ብዙሕ ግዜ ማሕበረሰባትና “ነዚ ጥበብ ምኽፋት ማዕጾ ኣይመሃሩን እትያቶም - ነቲ መዓጹ ዝኸፍት ማዕጾኻ ዘይምኽፋት” ኣዚዩ ዘሕዝን እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ንወንጌል ዝቃጸል ቅንኣት

ምልዋጥ ጳውሎስ’ውን ብቐንዱ “ፋሲካዊ” ተመክሮ ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ ቅዱስ ጳውሎስ ምስ ዝተሰቕለ ክርስቶስ ብምርኻቡ ይልወጥ። “እዚ ግን ከምቲ ሎሚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝርከቡ ገለ ምንቅስቓሳት ዘቕርቡልና ዘጸናንዕ፡ ናብ ውሽጢ ዝጥምት እምነት ኣይመርሕን እዩ፡ ናይ መዕረፊ መንፈሳውነት” . . . ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ “ምስ ጐይታ ምርኻብ ኣብ ህይወት ጳውሎስ ወንጌላዊ ቅንኣት የሕድረሉ።”

ቅዱስ ጳውሎስ ወንጌል ክሰብኽ ከሎ ብዙሕ ግዜ ምስሊ ክፉት ማዕጾ ይጥቀም ከም ዝነበረን፣ እዚ ጸጋ እዚ ቅዱስ ጴጥሮስ እውን ዘጋጠሞ እዩ። ክልቲኦም “ነቲ ብሰሪ ወንጌል እተዳጎኑሉ ጭቡጥ ቤት ማእሰርቲ እውን ማዕጾታት ናይ ውሽጢ ቤት ማእሰርቶም ዝኸፈተ ግብሪ ኣምላኽ ብዓይኖም ክርእዮ” ከም ዝገበሮም ገሊጾም፥ . . . “ጐይታ ኣብ ቅድሚኦም ማዕጾ ስብከተ ወንጌል ከፊቱሎም . . . ኣብቶም ዕሸላት ማሕበረሰባት ምስ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ክራኸቡን ተስፋ ወንጌል ናብ ኩሉ ከብጽሑን ሓጐስ ክረኽቡ መታን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ማዕጾ ዝኸፍቱ ቀናኣት ጓሶት

ቀጺሎም፡ ነቶም ኣብ እዋን ቅዳሴ ምልክት ናይ ሓዋርያት ኑዛዜ እምነት ዝኾነ ትእምርቲ ጓሳ ኣክሚም ንዝሃብዎም ሜጥሮጶሊታ ሊቀ ጳጳሳት ብምሕሳብ "ምስ ጴጥሮስ ኣብ ውህደት ኣብነት ክርስቶስ ማዕጾ ኣባጊዕ' ብምስዓብን . . . መዓጹ ወንጌል ዚኸፍቱ ቀናኣት ጓሶት ብኣገልግሎቶም ከኣ መዓጾዋ ክፉት ዝኾነት ቤተ ክርስትያንን ክፉት ማዕጾ ዘለዎ ሕብረተሰብን ኣብ ምህናጽ ኪሕግዙ" ጻውዒት ኣቕረበሎም። ኣብ መወዳእታ ኣብ ክብረ በዓል ክቅዱሳን ጴጥሮስ ጳውሎስ ንዝሓበሩ ንናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርክ ልኡካን ሰላምታ ድሕሪ ምቕራብ ቅዱሳን ጴጥሮስ ዎጳውሎስ፥ "ንኣናን ንኸተማ ሮማን ከምኡውን ንብምልእታ ዓለም" ከማልዱ ቅድሚ ምጽላዮም፥ "ንጐይታና ኢየሱስ ኣፍ ደገ ህይወትና ንኽንከፍተሉ ኽሕግዙና ንጸልይ” እንክብሉ ዘስምዕዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

29 June 2024, 16:25