ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ‘ገንዘብ ከገልግል እምበር ክገዝእ የብሉን’ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ‘ገንዘብ ከገልግል እምበር ክገዝእ የብሉን’  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ‘ገንዘብ ከገልግል እምበር ክገዝእ የብሉን’

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መንጎ ጳጳሳዊ ማሕበር “ምእተ ዓመትን" ወከልቲ ቁጠባዊ ጽላት ኢጣልያን ዝካየድ ዘሎ ዘተ ብምንኣድ ነቶም ተጋባእያን “ዕድል ድኻታት ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ” እንክብሉ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካቶሊካዊ ማሕበረሰባዊ ትምህርቲ ንምድንፋዕን ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ሕብረተሰብ ንምትግባርን ዝዓለመ ጳጳሳዊ ማሕበር ምእተ ዓመት ብር.ሊ.ጳ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1993 ዓ.ም.ዝተመስረተ ክኸውን እንከሎ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት እቲ ማሕበር ኣብ ቁጠባውን ሃብቲ ገንዘብን ኢጣሊያ ማእከል ክተማ ኣብ እትበሃል ከተማ ሚላኖ ኣብ መንጎ ቁጠባን፣ ባህልን ሃይማኖትን ዝግበር ዘተ ስጒሚ ከም ዘረኣየን እዚ ጻዕሪ እዚ "ቀሊል ኣይኮነን" ግን ከኣ ክመሓደር ዝኽእል እዩ እንክብሉ ቅዱስነቶም ዕለት 3 ሰነ ኣብ ቫቲካን ምስ ወከልቲ ማሕበር ምእተ ዓመት ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ገሊጾም፥

ህያው ዘተ

እቲ ማሕበር ምእተ ዓመት ምስ ቁጠባዊ ጽላት ወከልቲ ዝጀመሮ ዘተ ዓቢ ዓቕሚ ዘለዎ ኮይኑ ከምዝርእይዎን "ኣብ ሚላኖ ዝገበርኩሞ ስራሕ ዘተባብዕ'ዩ፡ ናብ ካልኦት ቁጠባዊ ማእከላት ምዝርጋሕ ድማ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡ እዚ ድማ ንሓደ ናይ ዘተ ቀጥዒ ዝዝርግሕን ዘዕብን ለውጢ ረባሕታ ዘተባብዕ" ከም ዝኾነን፥

“እቲ ምልከ እደ ጥበባዊ ምሕደራዊ ረባሕታ ክሳብ ሕጂ ዓብሊሉ ኣሎ” እንክብሉ ኣስሚሮም “ንድልዱል ስነ-ምግባር፡ ባህልን መንፈሳውነትን ቦታ ክፈጥር ዝኽእል ሓድሽ ባህሊ የድልየና ኣሎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የምላኽት።

ብቕዓትን ስነ-ምግባርን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ማሕበር ምእተ ዓመትን "ነዚ ኣገባብን ቅድን ክቕጽልን ክዝርግሖን" ኣተሓሳሲቦም። ዘተ "ኩሉ ግዜ እቲ ዝበለጸ መንገዲ እዩ . . . እቲ ማሕበር ምስ ላዕለዎት ኣካየድቲ ቁጠባ ኣብ ዝግበር ዘተ ቁጠባዊ ዕላማታት ምስ ስነ-ምግባራዊ ዕላማታት ንምውህሃድ ዝኽተሎ ኣገባብ ከም ዝመሰጦም እውን ገሊጾም፥ "ንርእስኹም፥ ኣድማዕነትን ብቕዓትን ምስ ኩለንተናዊ ዘላቕነት፡ ምሉእነትን ስነ-ምግባርን ምውህሃድ" ዝብል ክቡር ዕማም ኣቐሚጥኩም ኣለኹም" ቢሎም፥

ኣድላዪ ክእለት ዘለዎ

ማሕበረሰባዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ መዳይ ከም "ቡሶላ" ኮይኑ ከገልግል "ምምዕዳው ጥራይ ዘይኮነስ ኣሰራርሓ ቁጠባ ምርዳእን ድኽመታት ምልላይን ጭቡጥ መአረምታ ምሕሳብን ኣድላዪ እዩ" እንክብሉ ኣስሚሮም፥ መራሕቲ ሃይማኖት ብዛዕባ እንታይ ይዛረቡ ኸም ዘለዉ ምስ ፈለጡ ጥራይ እዮም ዘተኣማምን ምኽሪ ኺህቡ ኸም ዚኽእሉ ታሪኻዊ ኣብነታት የረጋግጸልና ስለዚ ብዛዕባ ቁጠባ ምኽሪ ንኽህቡ ብዛዕባ ቁጠባ ፍልጠት ክህልዎም ይግባእ . . . ኣብነት ናይቶም ካብ መበል 16 ክፍለ ዘመን ዝነበሩ ነቲ ኣብ ስጳይና ዝዓቢ ዝነበረ ንግዲ ሱፍን ቁጠባዊ ረብሓታቱን ምላሽ ዝሃቡ ሊቃውንቲ ቲዮሎጊያ ጠቒሶም፡ እዞም ሊቃውንቲ ቲዮሎጊያ ንኣርባሕቲ ጥሪትን ኣፍረይቲ ሱፍን ቁጠባዊ ፍትሒ ክወሃቦም ዝጠለቡን ጭቡጥ ጽገናታት ዝሓሰቡን እዮም” ቢሎም፥ "እቶም ስጳይናውያን ናይ ቲዮሎጊያ ተመራመርቲ ጣልቃ ክኣትዉ ዝኸኣሉ፡ ነቲ መስርሕ ስለ ዝፈልጥዎ ድማ እዮም፡ ስለዚ "ናይ ሓባር ረብሓ ክንደሊ ኣሎና" ጥራይ ኣይበሉን፤ ጌጋ ዝኾነ ብምልላይን ነዚ ብምሕባርን ድማ ፍሉይ ስጉምቲ ክውሰድ ዝጸውዑ እዮም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ተልእኾ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወከልቲ ጳጳሳዊ ማሕበር ምእተ ዓመት ተቐቢሎም ዘስምዕዎ መደረ፡ "ቁጠባዊ መስርሕ ትርድኡ ኢኹም፡ እዚ ድማ ዓቢ ብልጫኹም'ዩ፡ ግን ከኣ ርኡይ ሓላፍነት'ውን እዩ . . . በደል ዝቕንሰሉ መንገዲ ምድላይ ናታትኩም ዕዮ እዩ፡ እዚ ድማ ‘ገንዘብ ከገልግል እምበር ክገዝእ የብሉን’ ዝብል ኣዝዩ ኣገዳሲ ዕማም ምዃኑ ኣስሚሮም "ዕጫ ናይቶም ክቡር ናብራ ንምርካብ ዝቃለሱ ዘለዉ ድኻታት ሰባት ኣብ ሓደጋ ኢዩ ዘሎ” እንክብሉ ኣተሓሳሲቦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

04 June 2024, 16:05