ድለ

2024.06.06 Capitoli Generali - Suore di San felice da Cantalice e Figlie di Nostra Signora di Misericordia 2024.06.06 Capitoli Generali - Suore di San felice da Cantalice e Figlie di Nostra Signora di Misericordia  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ. ንመነኮሳት ደናግል፦ ንስኻትክን መሳርሒታት ጐይታ ኢኽን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንኣሓት ደናግል ቅዱስ ፌሊክስ ዘካንታሊቸን ንኣሓት ደናግል ደቂ ኣደ ምሕረትን፣ ንጐይታ ክውፈያን ወትሩ ኣብ ፍቕሩ ክጸንዓን ከምኡ ውን ወትሩ ብልግሲ ኽህባ ጻውዒት ኣቕረበለን ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነተን ትማሊ ሓሙስ ዕለት 06 ሰነ ኣብ ጠቕላሊ ጉባኤ ማሕበራትን ክሳተፋ ዝጸንሓ ናብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ዘካየዳ ኣሓት ደናግል ዘቅዱስ ፌሊክስ ብዓል ካንታሊቸን ንኣሓት ደናግል ደቂ ኣደ ምሕረትን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገሱለን ቃለም ማዕዳን - "ኵላትና ኣብ ኢድ እቲ ጥበበኛታት ኣምላኽ ዘሎና መሳርሒታት ኢና!"

ቅዱስ ኣቦና ስለቲ ዝገበራኦ ምብጻሕ ምስጋናኦም ብምግላጽ ንኣምላኽን ንቤተ-ክርስትያንን ዝገበርኦ ዘለዋ ኣገልግሎትን ወፈያን እንደገና ኣመስገንወን።

"ኣገልግሎት ኣብ ማሕበርክን ልሙድ ረቛሒ ኢዩ፣ እዚ ድማ ኣብ መበል ዓሰርተው ትሽዓተ ዘመን ኣብ እተፈላለየ ዅነታት እኳ እንተ ነበረ፣ ኣብ ተመሳሳሊ ታሪኻዊ እዋን ኢዩ ተፈጺሙ" በሉ።

ቅዱስነቶም ንመስረቲ ማሕበራተን ዝነበሩ ብምዝካር ኣስተንትኖኦም ቀጸሉ።

እታ ደሓር እናቴ ኣንጀላ ማሪያ ተባሂላ እተጸውዐት ሶፍያ ካሚላ ትሩሽኮቭስካ ነተን ኣብ ዋርሳዋ ዝነበራ ኣሓት ዘቅዱስ ፌሊክስ ብዓል ካንታሊቸ ዝመስረተተን "ኣብ ሓንቲ ብውግእ እተጨነቐት ፖላንድ ንቘልዑን ንስንኩላንን ነቶም ኣብ ሓደጋ ዘለዉ መንእሰያትን ንምግልጋል" ዝዓለመ ማሕበር  ምዃኑ ውን ንፈለማ ግዜ ገለጹ።

ኣብቲ እዋን እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሳቮና ኢጣልያ እታ ጸኒሓ እናቴ ማሪያ ጁሰፓ ተባሂላ እትፍለጥ ዝነበረት በኔዴታ ሮሴሎ ዝስማ ኻልእ መንእሰይ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ጳጳስ ሰበኻኣ ኰይና ንድኻታትን ቈልዑን መንእሰያትን ከተገልግል ከም ዝጀመረት ዘከሩ ።

ነተን ኣሓት ኣምላኽ ብእአን ኣቢሉ ኸም ዚዓዪ ብምዝኽኻር "ጐይታ ኻብታ ንእሽቶ 'እወ' እትብል ቃል እንታይ ከም ዚቐድሕ መን ኪግምቶ ይኽእል?" ክብሉ ኣድናቖቶም ገለጹለን።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ዝኣተውኦ መብጽዓ ብምሕላውን ንተግባር መንፈስ ቅዱስ ብምስዓብን ንፍቓድ ኣምላኽ ጠቢቐን ኪስዕባ ኣተባብዕወን ።

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ርእስኽን ንዕኡ ሃባ ኵሉ ድማ ብልግሲ ወፍያ" ክብሉ ብምምሕጻን መደረኦም ዛዘሙ።

07 June 2024, 15:37