ድለ

2024.06.25 Preti tedeschi abusi incontro Papa Francesco 2024.06.25 Preti tedeschi abusi incontro Papa Francesco 

ር. ሊ. ጳ. ነቶም ዓመጽ ዝወረዶም ጀርመናውያን ካህናት ኣጸናንዕዎም

ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ኣብ መንጎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸኮን ከምኡ ውን ኣብ መንጎ እቶም ኣቐዲሞም ካብ ካልኦት ካህናት ዓመጽ ዝወረዶም ሓያሎ ጀርመናውያን ካህናት ኣብ ዕጹው ኣኼባ ረኺቦም ኣዘራረብዎም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ክቡር ኣባ ማቲያስ ዋንሸ ን45 ዓመት ምስ ውሽጣዊ መዋጥር ዝተቓለሱ ኢዮም ፣ እዚ ኸኣ ንቤተ ክርስትያን ንምግልጋል ዓሚቝ ጸዋዕታ ክንዲ ዝተሰምዖም ገና ንእሽቶ ኸለው ኣብ ውሽጢ እታ ቤተ - ክርስትያን ዝወረዶም ዓመጽን ማህሰይትን ብዘስዓበሎ በሰላ እዩ ዝነበረ ። ይኹን እምበር ጸዋዕታኦም ጸኒዖም ብምስዓብ ካህን ኰኑ ። ኣባ ማቲያስ ንታሪኾም ምስቶም ካልኦት ካህናት ድሕሪ ምክፋል ዝሓለፈ ሰሉስ ዕለት 25 ሰነ ኣብ ማዕርፎ ኣጋይሽ ቅድስቲ ማርታ ኣብ እተኻየደ ናይ ብሕቲ ኣኼባ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ረኺቦም ኣካፈልዎም ።

ክብረትካ ምዕቃብ

"ኣነ ወዲ 63 ዓመት ዝዕድመይ ካህን ኢየ፣ ቅድሚ 45 ዓመት ከኣ ሓደ ኻህን ኣብ ልዕለይ ዓመጽ ፈጺሙ ነይሩ። ካብ ሰበኻ ባምበርግ ዝመጹ ክቡር ኣብ ማቲያስ ንረድዮ ቫቲካን ከምዚ ክብሉ ታሪኾም ኣዘንተዉ ። "ቅዱስ ኣቦና እዚ ሕማቕ ገጽ ናይታ ቤተ-ክርስትያን ምዃኑ ውን ነገሩና። ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘርኣይዎ ዓብዪ ድንጋጸ ብምጕላሕ ከአ ከምዚ ብምባል ይገልጹ - "ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ንቑሕ ኢዩም፣  እዚ ኸኣ ምጽንናዕ ኢዩ ኮይኑና።" ክቡር ኣብ ማቲያስ ኣስዕብ ኣቢሎም "ንሕና ግዳያት ከም ምዃንና መጠን ክንርስዖ ዘይንደሊ ኽብሪ ኣሎና፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከኣ ነዚ ኣትሪሮም ገለጹልና" ክብሉ መስከሩ።

ዘይርአ...

"ከም ሓደ ኣብ ልዕሊኡ ዓመጽ ዝተፈጸ ካህን መጠን ኣብ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት ኢና ዘለና። ህላወና ንነፍሲ ወከፍ እዚ ዓመጻ እዚ ዝወረዶ ዘየቋርጽ መዘኻኸሪ ስለ ዝዀነ ሕቡኣት ክንከውን ኢዩ ዘሎና " በሉ፣ ክቡር ኣባ ሉዊጂ ጎትሽሊሽ ወዲ 11 ዓመት እንከለዉ ብሓደ ካህን ዓመጽ ዝወረዶም ካብ ርእሰ ሰበኻታት ፓደርቦርን ዝመጹ ካህን ኢዮም። ሎሚ ምስቶም ዓመጽ ዘጋጠሞም ሰባት ኣብ ሓውርያዊ ጕስነት ዝዓዩ ዘለው ካህን ኢዮም ። ኣብ ጀርመን ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ እዚ ጕዳይ እዚ ኻብ ቤተ-ክርስትያን ከም ዝወጹ ውን ገለጹ።

ካብ ሙኒክ ናብ ሮሜ ብብሽክለታ ዚግበር ጕዕዞ

ገለ ኻብዞም ካህናት እዚኣቶም ድሮ ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይ ዝሃለፈ ዓመት ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተራኺቦም ዝነበሩ ኢዮም፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ምስ ዓሰርተው ሓሙሽተ ዝዀኑ ሰባት ኰይኖም ካብ ሙኒኽ ናብ ሮሜ ብብሽክለታ ኣብ ዝግበር ንግደት ተኻፊሎም ዝነበሩ ኢይም። እዚ ንግደት እዚ ረቡዕ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ እተገብረ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብምስታፍ ኢዩ ተዛዚሙ። እቲ ብቤተ-ክርስትያን ሙኒኽ ከምኡ ውን ፍሪዚንግ እተደገፈ ተበግሶ፣ ቤተ-ክርስትያን ንዅሉ ሰብ "ውሑስ ዝኾነ ቦታ" ከም ዝኸውን ንምርግጋጽ ኣንጻር ጾታዊ ዓመጻ ዝያዳ ቘራጽነት ንምግባር ዝዓለመ ኢዩ ዝነበረ። እዚ ዕላማ እዚ ድማ ኣብታ እዛ ጕጅለ ኣብ መወዳእታ ርክቦም ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘረከብዋ መልእኽቶም ተገሊጹ ኣሎ።

ክቡር ኣባ ጎትሽሊሽ ከም ዘዘንተዎ ኣብቲ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እተገብረ ኣኼባ ቅርበትን ቅንዕናን ኣብ ዘለዎ "ፍሉይ ሃዋህው" ኢዩ ተኻይዱ ክብሉ ይምስክሩ። "እቲ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እተገብረ ዝርርብ ካብዚ እተፈልየ እዩ ነይሩ።... ኣዝዩ ናይ ኣባታዊ ፍቕሪ ዝተራእየሉን ስድራቤታዊ ሓልዮት ዝሰፈኖን ኢዩ ዝነበረ ። ኣዝዩ ዜተባብዕን ዜበራትዕን ኰይኑ ኢና ረኺብናዮ" ድማ በሉ።

ሓዋርያዊ ጕስነት ነቶም ግዳያት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ እዞም ካህናት ምስቶም ዓመጽ ዝወረዶም ውልቀ-ሰባት ብዛዕባ ዝገብርዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ውን ኣተባብዕዎም - "ቍስልና ኣብ ዕዮ ጕስነት ፍረ ኸነፍሪ ከምኡ ውን ብእተኻእለና መጠን ናይ ምሕዋይ ውጽኢት ክህልወና ክንጽዕር ኣበርቲዖም ኣተባቢዑና። እዚ ድማ ብዙሕ ሓኒጹና እዩ ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ድማ እዚ ኣኼባ እዚ ስቕ ክንብል ከም ዘይብልና የግዳስ ነዚ ጕዳይ እዚ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ህያው ክንገብሮ ኸም ዘሎና ዜርኢ እዩ ነይሩ።"

ክቡር ኣብ ማቲያስን ክቡር ኣባ ሊድገርን ካልኦትን "ነቶም ግዳያት ዓመጻ ዝኾኑ ሰባት ንምቕራብ ኣይትፍርሁ ። እቶም ናይ ልቦም ብምዝራብ ከም እተሃስዩ ዚዛረቡ ሰባት ጭንቀት ዝኾኖም ዝዓበየ ጸገም እዚ ኢዩ ዝመስለኒ ። ነዚ ብኸመይ ክንዋጽኣሉ ኣሎና ? እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና?" እቲ ሓደገኛ ዝዀነ ኸኣ እቶም ግዳያት እንደገና እተጐድኡ ዀይኑ ክስምዖም ከምኡ ውን ዝያዳ "ተነጽሎን ምግላልን” ክስምዖም እንከሎ ኢዩ። ኣብ ክንዳኡስ "እንታይ እዩ ዜድልየና ዘሎ?" ኢልና ምሕታት ኣገዳሲ እዩ ክብሉ ተማሕጸኑ።

27 June 2024, 17:28