ር. ሊ. ጳ. ፦ 'ብውግእ ዝዓነወት ዓለም ጥዑም መዓዛ ናይ ፍቕሪ እንጌራ የድልያ ኢዩ!'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ላተራን ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ክብረ በዓል ቅዱስ ቍርባን፣ ቅዱስ ምሥጢር ሥጋን ደምን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ እነኽብረሉ ዘሎና እዋን "ኣምላኽ ኵሉ ሳዕ ይደልየናን ይጽበየናን የሰንየናን እዩ እምበር ኣይሓድገናን እዩ።” ክብል ኣስተምሃሩ
ሥነ-ስርዓት ኣከባብራ ናይቲ ክብረ በዓል ድማ ብመሥዋዕተ ቅዳሴ ዝጀመረ ብዑደት ቅዱስ ቍርባን ናብ ብዚልካ ቅድስተ ማርያም ኣቢይ ብዝተገብረ ድሙቕ መንፈሳዊ ጕዕዞ ተዛዚሙ።
ቅዱስ ቍርባን ሞሳ ይምህረና
ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ኣብ መሥዋእተ ቅዳሴ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ኣብ ህብስተ ቅዱስ ቍርባን ብምትኳር ብዛዕባ "ምስጋናን፣ ዝኽርን፣ ህላዌን" ሰለስተ ኣርእስትታት ኣስተንቲኖም።
እንጌራ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና እንምገቦ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ጐይታና እንጌራ ዕለትና ብምዃን ኣጸቢቑ ቀረበና በሉ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም ቅዱስ ቍርባን ነቲ ተውህቦናን ክእለትናን ብግቡእ ብምጥቃም፣ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ዚህበና ብዙሕ ውህበታት ከነማስወሉ ምሂሩና እዩ ።
"እዚ ኸነመስግነሉ ዘሎና ተልእኾ እዩ! " ድሕሪ ቢሎም ቅዱስ ኣቦና "ከነመስግነሉ እንኽእል ካልእ ብዙሕ መገድታት ክንውስኸሉ እንኽእል እኳ እንተ ዀንና እዚ ግን ንዋጋ እቲ እንገብሮ ነገራትን እነቕርበሉ ነገራትን ከነማስወሉ ስለ ዝምህረና 'ቅዱስ ቍርባን' ዝበሃል ምሥጢር ኣገዳሲ ኢዩ።" በሉ።
ሓቀይና ናጽነት ኣብ ኣገልግሎት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ክርስቶስ ዘሕለፎ ሕማማትን ሞትን ትንሳኤን ምዝካር ኣገዳሲ ምዃኑ ውን ኣስተንተኑ።
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንስጋኡን ደሙን ክህበና ኸሎ ንእተሸገሩ ሰባትን ነቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉን ገዛእ ርእስና ከነወፍየሎም ከም ዝሎና ምሂሩና ኢዩ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ከምዚ በሉ - "ገሊኣቶም ሓቀይና ናጽነት ክበሃል ከሎ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ጥራይ ምሕሳብ ንኻልኦት ኣብ ግምት ከየእተና ዝደለናዮ እናገበርና ብህይወት ምንባር ማለት ኢዩ ዝመስሎም። "እዚ ሕቡእ ባርነት ደኣ እምበር ሓርነት ኣይኰነን።"
ሓቀይና ሓርነት ክበሃል እንከሎ "ብፍቕሪ ተደሪኽና" ንኻልኦት ንምግልጋል ድልዋት ምስ እንኸውን ከም ዝርከብ ድማ ገለጹ።
እንጌራ ፍቕሪ ዝመልአ ጐደናታት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ህላወ ክርስቶስ ኣብ ቅዱስ ቍርባን ከስተንትኑ እንከለዉ ኣምላኽ ከም ዘይጥንጥነና የግዳስ ብመልክዕ እንጌራ ኽንቅበሎ ከም ዝደሊ ውን ኣመልከቱ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስተንትኖኦም ብምቕጻል "እቲ ናይ ብሓቂ ህላወኡ ፍቕሪ ኣብ እትጽውዓና ዘበለ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንቀራረብ ኢዩ ዝዕድመና" በሉ።
ፍርስራስ ዝመልኦ ጐደናታትን ዕንወት ውግእን ኣብ ዘለዎ መዓዛ ናይቲ ሓድሽ እተሰንከተ እንጌራን ሰላምን ክርከብ ምእንቲ ዓለምና እዚ እንጌራ ቅዱስ ቍርባን ኣዝዩ ዘድልያ ኣሎ በሉ ቅዱስነቶም ።
"ነቲ ጽልኢ ዘጥፍኦ ነገራት ተስፋ ንምግባርን ዳግም ንምህናጽን ደኺመ ኸይበልና ነቲ ጽቡቕን ሓድሽን ናይ ፍቕሪ እንጌራ ናብ ዓለምና ክንመልሶ ኣሎና" በሉ።
ካልኦት ንክርስቶስ ኪስዕቡ ምዕዳም
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እቲ ካብ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ላተራን ተበጊሱ ክሳዕ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ዝግበር ዑደት ቅዱስ ቍርባን ዓጀባ ዝመልኦ ናይ እምነት መግለጺ ጥራይ ከም ዘይኰነ ገለጹ ።
ከምዚ ብምባል ድማ ደምደሙ - "ኵሉ ሰብ ኣብቲ ኢየሱስ ዝሃበና ሓድሽ ህይወት ንኺሳተፍ ደኣ እምበር ንእምነትና ንኸነወዓውዕ ኢልና ኣይኰንናን ከምዚ እንገብር ዘሎና።" ውን በሉ።