ኣብ ሲንጋፖር ንዝካየድ ጳጳሳዊ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንምስታፍ ብኢንተርነት 40,000 መእተዊ ካርድ ተዓዲሉ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ብመሰረት እቲ ወግዓዊ ኣገልግሎት ዜና ርእሰ ሰበኻታት ሲንጋፖር ዝዀነ ካቶሊክ ኒውስ ዝሃቦ መግለጺ ብዕለት 24 ሰነ ናብቲ ጳጳሳዊ መስዋዕተ ቅዳሴ ንምስታፍ መዝገባ ከም ዝተጀመረ ሓቢሩ፣ ብዕለት 1 ሓምለ ድማ ምዝገባ ጕጅለታት ከም ዝጅምርን ብዕለት 31 ሓምላ ድማ ከም ዝዕጾ ኣመልኪቱ ኣሎ።
ሓላፊ ናይቲ ንኡስ ኮሚተ ዕደላ ቲኬት ዝዀነ ሎረንስ ቻን ዝሃቦ መግለጺ ካብ እተፈላለየ ቍምስናታት ንዝመጹ ተጋባእቲ ብግልን ብጕጅለን ምምዝጋብ ብሓባር ንኽምዝገቡ ኸም ዘኽእሎም ብምምልካት እቲ መደብ ኣብ ፍጻሜኡ ኵሎም ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብሓባር ክሳተፉ ከም ዘኽእሎም ገሊጹ ።
ቤተ-ክርስትያን ንካቶሊካውያን ሓደስቲ ሰባት ናብ እምነት ክርስትና ንኽሓብሩ ክዕድሙ ተተባብዖም ኣላ፣ ገለ ኻብዚኣቶም ድማ ሓደስቲ ተጠመቕቲ ኣባላትን ኣብቲ ክርስትያናዊ ተበግሶ ትምህርተ ክርስቶስ ንዓበይቲ (ኣርሲኣይኤ) ዝሳተፉ ተፉ ዘለዉ ድማ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ገና ዘይኮኑ ኢዮም።
ተሓባባሪ ኮሚቴ ምውዳብ ንተቕባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብ ሲንጋፖር 2024 ዝዀኑ የኔታ ስቲቨን ኢም እቶም ቲከት ክረኽቡ ዘይክእሉ ሰባት ኣብቲ ብኢንተርነት ዝመሓላለፍ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኺሳተፉ ኸም ዘተባብዕዎም ውን ተገሊጹ።
እቲ ውጽኢት ዕደላ ካርድ ተሳትፎ ኣብ ወርሒ ነሓሰ በቲ myCatholicSG ዝስመ መርበብ ሓበሬታ ቢሉ ክንገር እዩ። ነቶም ወለንተኛታትን ንዓበይቲ ቍምስናታት እተሓዝአ ኽፋል ተሳትፎ ካርድን ንምምቓል ፍሉይ ምድላዋት ተገይሩ ኣሎ ፣ እቶም ዕዱማት ኣጋይሽ ግና ኣብቲ ተሰናድዩ ዘሎ ካርድ ተሳትፎ ኣይኮኑ ዝካፈሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ዕለት 2 ክሳዕ 13 መስከረም ንኢንዶነዥያ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ቲሞር ለስተ ከምኡ ውን ሲንጋፖር ክበጽሑ ኢዮም፣ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ካብ ዝፈጸምዎ ተልእኾ እቲ ዝነውሐ ግዜ ዝወስድ ክኸውን ኢዩ።
እዚ ሃዋርያዊ ዑደቶም ኣብ ጃካርታ ኢንዶነዥያ ብዕለት 3 መስከረም እዩ ዚጅምር፣ ኣብኡ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክሳዕ 6 መስከረም ኪጸንሑ እዮም።
ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ክሳዕ ዕለት 9 መስከረም ኣብ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ክጸንሕ ኢዮም ። ካብ 9 ኽሳዕ 11 መስከረም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቲሞር ለስተ ውን ዑደት ከካይዱ እዮም ።
እዚ ሓዋርያዊ ዑደቶም ድማ ኣብታ ቅዱስነቶም ካብ ዕለት 11 ክሳዕ 13 መስከረም ዝጸንሑላ ሲንጋፖር ብዘካይድዎ መደባት ክዛዘም እዩ።