ድለ

2024.06.11 Incontro sacerdoti di Roma - Università Pontificia Salesiana 2024.06.11 Incontro sacerdoti di Roma - Università Pontificia Salesiana  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ምስ ሳልሳይ ጕጅለ ኻህናት ሰበኻ ሮሜ ተራኺቦም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸኮ ምስቶም ካብ 11 ክሳዕ 39 ዓመት ክህነት ዝለውዎም ካህናት ሰበኻ ሮማ ንምርካብ ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ሳሌዥያ ምስ 160 ዝዀኑ ካህናት ኣኼባ ኣካዪዶም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ዕለት 11 ሰነ ሰሉስ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ  ሳሌዥያን ደሃይ መዝሙርን ሙዚቃን ዝስምዓሉ ኣብ ዝነበረ ኣቢይ ኣዳራሽ ድሙቅ ተቅባል ተገብረሎም ።

እቲ ኣኼባ ኣብ ኣዳራሽ ናይቲ መንበረ ጠበብ ኣብ ዕጹው ርክብ ኢዩ ተኻይዱ ።  እዚ ምስ ካህናት ሰበኻ ሮሜ እተገብረ ርክብ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ ፣ እዚ ኣጋጣሚ እዚ ነቶም ካብ 11 ኽሳዕ 39 ዓመት ክህነት ዘለዎም ካህናት እተወፈየ እዩ ዝነበረ ።

ዝሓለፈ ብዕለት 14 ግንቦት ምስቶም ንልዕሊ 40 ዓመት ብክህነት ዘገልገሉ ካህናት ኣብ ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ዮሴፍ ዘትሪዮንፋለ ተመሳሳሊ ኣኼባ ኣካይዶም ከም ዝነበሩን ከምኡ ውን ምስቶም 10 ዓመት ክህነት ዘለዎም ዝነኣሱ ኻህናት ከኣ ብዕለት 29 ግንቦት ኣብ ገዳም መንፈሳውያን ደቀ መዛሙርት ዘመለኮታዊ መምህር ከም ዘካየዱ ውን ዝዝከር ኢዩ ።

"ኣዕኑድ" ሰበኻ ሮማ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዞም ካህናት ሰበኻ ሮም ከምኡ ውን ኣመሓድርቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ኩርያ ሰበኻ ሮማ ዚርከብዎም 160 ዝዀኑ ካህናት ክፉት ዝኾነ ሕቶታቶም ኪሓትቱ ጻውዒት ኣቕረበሎም። ብፁዕ ኣቡነ ሚሸል ዲ ቶልቭ ነቶም ኣባኡ ዝተረኽቡ ካህናት ኣብ ዓውድታት ግብረ - ሰናይ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ኣብያተ - ትምህርትን ኣብያተ - ማእሰርትን ሆስፒታላትን እውን ግደ ዘለዎም "ኣዕኑድ" ሰበኻ ክብሉ ገለጽዎም ።

ብፁዕ ኣቡነ ዲ ቶልቭ ናይ ሓልዮት ዲያቶናትን ካህናትን ሰብ ውፉይ ህይወትን ተወካሊ ከም ምዃኖም መጠን ድሕሪ መኽፈቲ ጸሎትን ንባብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ነቲ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እተኻየደ ኣኼባ ዝኸፈትዎም መእተዊ ሓሳት ዝሃቡን ንሶም ኢዮም ዝነብሩ ።

ንማሕበረሰብ ምሁራት ሰላምታ ምሃብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኣባላት ንመምህራንን ኣመሓድርትን ናይቲ መንበረ ጠበብ (እንተላይ ንሓደ 96 ዓመት ዝዕድሚኡ ካህንን) ተማሃሮን ሰላም ንምባል ንገለ ዓሰርተው ሓሙሽተ ደቒቕ ዝኸውን ቅድሚ ናብ ኣዳራሽ ምእታዎም ኣብ ኣፍደገ ጸንሑ።

ተቐማጦ እቲ ከባቢ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ዩኒቨርሲቲ ብምርካብ ብድሙቅ ኣቀባብላ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተቐበልዎም ።

ቅዱስ ኣቦና ንጋዜጠኛታት ኣሕጽር ኣቢሎም እንክዛረብዎም ኣብቲ ብ14 ሰነ ዚሳተፈሉ ኣኼባ G7 ብዛዕባ እቲ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎትን ሰላምን ከም ዝዝትዩን፣ ኣብቲ ኣብ ደቡባዊ ኢጣልያ ዚርከብ ቦርጎ ኤግናዚያ ዚግበር ዋዕላ ድማ ምስ መራሕቲ ክልኤኣዊ ዘተ ከም ዘካይዱን ውን ገለጹ ።

ምስቶም ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መንበረ ጥበብ ሰላም ክብልዎም እተኣከቡ ተማሃሮ ሰላምታ ድሕሪ ምቕራብ ምስ ክቡር ኣብ ቸዛር ልባዊ ቓላት ብምልውዋጥ ምስ ገለ ጕጅለ ኣርጀንቲናውያን ውን ሰላምታ ተለዋወጡ።

ኣብቲ ቐጽሪ ናይቲ መንበረ ጠበብ ድማ ብኽቡር የኔታ ባልዶ ራይናን ምኽትል ሓለቃን ብብፁዕ ካርዲናል ኣንጀል ፈርናንደዝ ኣርቲም ላዕለዋይ ሓለቓ ማሕበር ሳሌዥያንን ሓንጐፋይ ኢሎም ተቐበልዎም፣ ንቅዱስነቶም ድማ ምስ ገለ ካብቶም ተጋባእቲ ኣፋለጥዎም።

ምስ ካህናት እተገብረ ዘተ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኸባቢ ሰዓት 4.20 ድሕሪ ቐትሪ ምስ ካህናት ተኣኪቦም ብዛዕባ እቲ ከም ለብዒ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ድኽነትን ውግእን ከምኡ ውን ስደት ህጹጽ ኵነታት መንእሰያት ዜምጽኦ ጸገማት ከም ዝተዘራረቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት ።

12 June 2024, 15:53