Migrants arrive near the US border wall in Mexico Migrants arrive near the US border wall in Mexico  (ANSA)

ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ፦ “ምስ ስደተኛታት ምርኻብ ምስ ክርስቶስ ምርኻብ እዩ!”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ንዓለምለኻዊ መዓልቲ ስደተኛታትን ተመዛበልትን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ስደት ምልክት እዚ ግዜና ኸም ዝዀነን ከምኡ ውን ምሳሌ ናይቲ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ እትገብሮ ዘላ ንግደት ከም ምዃኑን ክንግንዘብ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብታ ብምኽንያት ንመበል 110 ግዜ ዝኸብር ዘሎ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛዘብልትን ዘመሓላለፍዎ ናይ 2024 መልእኽቲ "ኣብዞም ስደተይናታት ናይ ዘመናን ኣብ ኩሉ ዘመናት ዝነበሩን ህያው ዝኾነ ምስሊ ናይቶም ናብ ዘለኣለማዊ ዓዶም ዝጉዓዙ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ርአ" ክብሉ ጽሓፉ  ።

እዚ ዓመታዊ ኣብ 24 መስከረም ተዘኪሩ ዝውዕል ዓለምለኻዊ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ነቶም ካብ መረበቶም ክወጹ ዚግደዱ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ህጻናትን ደገፎምን ቅርበቶምን ምእንቲ ከርእዩ ንምእመናን ጻውዒት ዘቅርብ ዕለት ኢዩ ። ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ዓለምለኻዊ ገምጋም ከም ዚሕብሮ ብ2020 ኣብ ዓለም ኣስታት 281 ሚልዮን ኣህጉራውያን ስደተኛታት ከም ዝነበሩ ኢዩ ዝንገር ፣ እዚ ኸኣ 3.6 ሚእታዊት ህዝቢ ዓለም እዩ ዝኸውን ፣ እዚ ቝጽሪ እዚ ኸኣ ይውስኽ ከም ዘሎ ኢዩ ዝፍለጥ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም ኣምላኽ ምስ ህዝቡ ኸም ዝጕዓዝን ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ውሽጦም እውን ከም ዝነብር ብምሕብር፣ ናብታ ሰማያዊት ሃገረና ኣብ እንገብሮ ጕዕዞ ንቕድሚት ምእንቲ ክንስጕም ኵላትና ኣብ ቤተ ክርስትያንን ኣብ ዓለምን ብመንፈስ "ሲኖዳውነት" ክንመላለስ ይዕድሙና ኣለዉ።

ኣምላኽ ምስ ህዝቡ ይኸይድ

እዚ "ኣምላኽ ምስ ህዝቡ ይጕዓዝ" ዝብል ኣርእስቲ ናይታ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳጳስት ኢዩ፣ ነቲ ወትሩ ቅጅል ዝብለና ኣድማስ ናይቲ ቅዱስነቶም ብቐጻሊ ዘዘኻኽሩናን ዝዕድሙናን ማለት ቤተክርቲያንን ሕዝቢ ኣምላኽን መዓልታዊን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህሞት ክነብርዎ ዘለዎም ኩነት ሲኖዳውነት ዘመልክት ኢዩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብ መደምደምታ ናይቲ ዝሓለፈ ጥቅምቲ እተኻየደ መበል 16 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ዝወጸ ጸብጻብ ብምዝካር ከምዚ ክብሉ ጸሓፉ - "ሲኖዳውነት ብቐንዱ ከም ሓባራዊ ጕዕዞ ህዝቢ ኣምላኽ ኮይኑ ኢዩ ዝርአ፣ እዚ ድማ ቤተ-ክርስትያን ከም ሕዝቢ ኣምላኽ ንንግደት ኣብ ታሪኽ ዝገብርዎ ጕዕዞ፣ ከም መንነታ መጠን እንደገና ንኽትረኽቦ ዘኽእላ ኢዩ። ናብ መንግስተ ሰማያት 'እትስደትድ ዘላ' ውን ኽንብል ንኽእል ኢና።"

ስለዚ ከምቲ ብተደጋጋሚ ዝብልዎ ቅዱስነቶም ነቲ ጐይታ ኣብቶም ብሰንኪ ግጭት ዓመጻ ድኽነት ከምኡ ውን ክሊማዊ ቅልውላው ክስደዱ እተገደዱ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት "ከም ህያው ምስሊ ህዝቢ ኣምላኽ ናብታ ዘለኣለማዊት ሃገር ከም ዝጕዓዙ ዘለዉ" ጌርና ኣፍልጦ ኽንህበሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ጕዕዞ ተስፋ

ቅዱስነቶም ወሲኾም ኣብ መልእኽቶም "እቲ ናይ ተስፋ ጕዕዞ [ስደተይናታት] 'ዜግነትና ኣብ ሰማይ ከም ዝኾነን፣ ካብኡ ኸኣ ንመድሓኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንጽበ ከም ዘሎና' ኢዮም ዘዘኻኽሩና" በሉ።

ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ተጠቒሱ ዘሎ ምውጻእ ሓራ እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ዝገልጽ ምሳሌታት እንክንዝክር ምስ እዞም ስደተይናታት ብዙሕ ምምስሳል ከም ዘለዎም ውን ገለጹ - "ልክዕ ከምቲ ብግዜ ሙሴ ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤል መብዛሕትኡ ግዜ ስደተይናታት ካብ ጭቈናን ዓመጻን ድሕንነት ኣልባ ምዃንን፣ ካብ ምግላልን ተነጽልን፣ ከምኡ ውን ዕድላት ናይ መጻእን ምዕባሌን ዘይብልካ ካብ ምዃን ይሃድሙ ኢዮም ዝነበሩ ። ልክዕ ከምቶም ኣብ ምድረ በዳ ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ስደተኛታት እውን ኣብ መገዶም ብዙሕ ዕንቅፋታት የጋጥሞም እዩ፣ እዚ ኸኣ ብጽምእን ጥሜትን ይፍተኑ፣ ብድኻምን ብሕማምን ደኺሞም ይርከቡ፣ ብምቑራጽ ተስፋ ይፍተኑ ውን እዮም" በሉ።

ኣምላኽ ድማ "ምስ ህዝቡ ይመላለስ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ መንጐኦም ውን ኢዩ ዝነብር። ... ብፍላይ ድማ ምስ መሳኪንን ድኻታትን እተገለሉን ሰባት ። በዚ ኸምዚ ድማ ስፍሓት ናይቲ ምስጢረ ሥጋዌ ክንግንዘብ ንኽእል ኢና።"

ካብ ድንኳን ናብ ድንኳን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መልእኽቶም "እቲ ኻብ ግብጺ ዝወጹሉ መሰረታዊ ሓቂ፣ ኣምላኽ ንህዝቡን ንዅሎም ደቁን ኣብ ኵሉ ግዜን ኣብ ኵሉ ቦታን ከም ዚቕድሞምን ከም ዜሰንዮምን ምዃኑ ኢዩ" በሉ ።

በዚ ኸምዚ ድማ ኣስዕብ ኣቢሎም፦ "ኣምላኽ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ምህላዉ ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ድሕነት እተረጋገጸ ነገር ምዃኑ ኢዩ ዘገንዝበና፦ "ጐይታ ኣምላኽካ ምሳኹም ክኸይድ ኢዩ፣ ኣይኪሓድገኩምን ኣይክጥንጥነኩምን እዩ" ድማ በሉ።

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዚርከብ ዛንታታት ብምጥቃስ ኣብቲ ኣምላኽ ንሙሴ ዝሃቦ ሕጊ ቦታኦም ኪቕይሩ ኸለዉ ከንቀሳቕስዎ ዝኽእሉ ከም ቦታ ኣምልኾ ጌሮም "ድንኳን" ኪሃንጹ መምርሒ ኸም ዝሃቦም ይዝክሩ።

እዚ ኸኣ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ጥቡቕ ርክብ ወትሩ ጭቡጥ ሓቂ ይገብሮ። ከምዚ ድማ በሉ ቅዱስነቶም - "ብግዜ ንግሥነት ዳዊት ኣምላኽ ምስ ህዝቡ 'ካብ ድንኳን ናብ ድንኳን ካብ ሓደ ሰፈራ ናብ ካልእ ሰፈራ' ምእንቲ ክጕዓዝ ኣብ ድንኳን ደኣ እምበር ኣብ ቤተ መቕደስ ክቕመጥ ኣይመረጸን።

መጓዕዝቲ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም ኸም ዝገለጽዎ ብዙሓት ስደተይናታት "ንኣምላኽ ከም መገላግልቶምን ከም መራሒኦምን መልህቕ ድሕነቶም ገይሮም እዮም ዚርእይዎ፣" በሉ ።

ወሲኾም ውን ከምዚ በሉ ቅዱስነቶም “ቅድሚ ምብጋሶም ውን ኣብ ግዜ ጽገሞም ውን ንዕኡ ሕድሪ ይህብዎ እዮም ። ተስፋ ኣብ ዝቘረጹሉ እዋን ካባኡ ምጽንናዕ ይረኽቡ ኢዮም።"

"ስደተኛታት ኣብ ምድረ በዳን ወሓይዝን ባሕርን ዶባት ንምስጋር ኣብ ዚገብርዎ ጕዕዞ ክንደይ ቅዱስ መጽሓፍ፣ ቅዳስሕ ወንጌላት ንናይ ጸሎት መጻሕፍቲ ከምኡ ውን መቍጸርያ ሒዞም ኢም ዝብገሱ!"

ምስ ክርስቶስ ምርኻብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ከምቲ ምስ ነፍሲ ወከፍ እተሸገሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን እንገብሮን፣ ምስ ስደተይናታት እንገብሮ ርክብን ምስ ክርስቶስ ምርኻብ እዩ" ብምባል ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣፍደገ ልብና ንኽፈተሎም ክብሉ ጻውዒት ኣቕረቡ።

ክርስቶስ ባዕሉ ብዙሕ ሳዕ ነዚ ሓቂ እዚ ከም እተዛረቦን ቅዱሳት ጽሑፋት ውን ነዚ ሓቂ እዚ ብዙሕ ግዜ ከም ዝጠቅስዎ ውን ገለጹ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ብ2019 ንመዓልቲ ድኻታት እተዋህበ መልእኽቲ ብምዝካር ውን ከምዚ በሉ - "ኣብ መገዲ ዝግበር ዝዀነ ይኹን ምርኻብ ንጐይታ ናይ ምርኻብ ኣጋጣሚ ኢዩ ዘመልክት፣ ኢየሱስ ኣብቲ ሓገዝና ዜድልዮ ሓብትና ወይ ሓውና ናባና ዝመጸሉ ኣጋጣሚ ክኸውን ስለዝኽእል፣ እዚ ንድሕነት እተኸፍለሉ ኣጋጣሚ እዩ ።  በዚ መዳይ እዚ ድኻ እንድሕነሉ ዕድል ኢዩ ከመይሲ ገጽ ጐይታ ኣባኡ ክንረክብ ስለ እንኽእል።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንመልእኽቶም በዚ ዝስዕብ ጸሎት ዛዘምዎ -

ኦ ኩሉ እትኽእል እግዚአብሔር ኣቦ፣ ንሕና ናብ መንግሥተ ሰማይት ገጽና እንጕዓዝ ዘሎና እታ ነጋዲት ዝኾነት ቤተክርስቲያንካ ኢና፣ ግናኸ ከም ጓኖት ኢና እንጐዓዝ ዘለና። ኵሉ ናይ ወጻኢ ሃገራት መንበሪና እኳ እንተ ዀነ እቲ ዓድና ግን ንዓና ጓና እዩ ። ኣብ ምድሪ ንነብር እኳ እንተ ኣለና እቲ ሓቀይና ዜግነትና ግና ኣብ ሰማይ እዩ ። ነቲ ንስኻ ምስ ስደተኛታት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኴና፣ ነቲ ዘዳሎኻልና ዘለኣለማዊ መንበሪና ረሲዕና ነቲ ግዝያዊት ቤት ክኾነና ዝሃብካና ግደ ዓለም ከም እንውንኖ ኣይትግበረና።
ምስቶም እተሸገሩ ዚራኸብ ዘበለ ምስ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ወድኻ ምእንቲ ክንራኸብ ኣዒንትናን ልብናን ክፈተልና። ኣሜን።

04 June 2024, 13:11