ር. ሊ. ጳ. ፦ ኮሚሽን ላቲን ኣመሪካ ዕርቅን ሓድነትን ኬስፋሕፍሕ ኣለዎ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንጳጳሳዊ ኮሚሽን ላቲን ኣመሪካ ጠቕላሊ ጉባኤ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ ትማሊ ሓሙስ ምስቶም ኣብ ሃገረ ቫቲካን እተረኽቡ ተሳተፍቲ እዚ ጉባኤ እዚ ረኺቦም ኣዘራረብዎም ።
እዚ ጉባኤ ናይዚ ጳጳሳዊ ኮሚሽን ላቲን ኣመሪካ፣ ንጉባኤ ጳጳሳት ንላዕለዎት ኣብይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን ነቲ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ሕብረተሰብ ዘካይድዎ ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ብኸመይ ክድግፎ ከም ዝኽእል ኣብ ምምርማር ዘተኰረ ኢዩ ዝነበረ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዘቕረቡሎም ቃለ ማዕዳን እዚ ኣትኵሮ እዚ ምስቲ ቤተ-ክርስትያን ኣብዚ እዋን እዚ እትዓዮ ዘላ ናይ ሲኖዶዊ ተሓድሶ ኣጸቢቑ ኸም ዝተሓሓዝ ውን ኣፍልጦ ሃቡሉ።
ነቲ ኣቐዲሞም ካርዲናል ራትዚንገር ብ1995 ኣብ ማድሪድ ኣብ ዝለገስዎ መደረ ብዛዕባ ተሓድሶ ዘቕረብዎ መግለጺ ዘከሩ።
ከምዚ ድማ በሉ - "እቲ ኽቡር መልክዕ ገጽ ናይታ መርዓት ብእኡ ውን ገጽ ናይቲ ህያው ዝኾነ ጐይታ መርዓዊኣ ምእንቲ ኺርአ ምስራይ እዩ ። ከምዚ ዝኣመሰለ ‘ምጽራይ’ ማለት 'ኣሉታዊ ሥነ-መለኮት' ናብ ሓደ ኣወንታዊ ሸቶ ዜብጽሓሉ መገዲ እዩ ዜመልክት" በሉ።
ኣብ ላቲን ኣመሪካ ንዘላ ቤተ-ክርስትያን ምትብባዕ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እቲ ብዛዕባ ተሓድሶ ናይ ሮማ ኩርያ ዝገልጽ - ዝብኩ ወንጌለ ዘርእስቱ ሓውርያዊ ቅዋም ንተልእኾ ጳጳሳዊ ኮሚሽን ላቲን ኣመሪካ ናብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዞባ ንእትርከብ ቤተ - ክርስትያን ከም ዝከናኸንዋን ከም ዘፍቅሩን ናብ ዝገልጽ ኣገልግሎት ክቕይሮ ከም ዝጸዓረ ውን ገለጹ ።
ኣስዕብ ኣቢሎም ውን እዚ ጳጳሳዊ ኮሚሽን "ንኵላትና ዘገድሰና ኣድላዪ ለውጢ ማለት ብምስትውዓልን ብተወፋይነትን ብውጽኢታዊ መገዲ ንምፍጻም ክሕግዘና ማለት በቲ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዘሎ መንፈስ ጐይታ ተደሪኽና ንኽንመላለስ ክሕግዘና" ጻውዒት ከም ዝቐርበሉ ገለጹ።
እዚ ጳጳሳዊ ኮሚሽን ንዝዀነ ይኹን ክፋል ህይወት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ላቲን ኣመሪካ ንምትካእ ከም ዘይኰነ ብምግላጽ ነተን "ምስትውዓል ተወፋይነት ከምኡ ውን ውጽኢታዊ" ዝብላ ቓላት ገለጹሎም።
"ንዅላሞ ከተተባብዕዎም ኢኹም ተጸዊዕኩም፣ ብቕልል ዝበለን ዕምቈት ብዘለዎን ነቶም ኣብ ምንቅስቓስ ዘይኰነስ ኣብ ምልኣኽን ኣገልግሎት ተልእኾ ወንጌል ዝያዳ ንዝውከሉ ሰባት ንምሕጋዝ ኢኹም ተጸዊዕኩም" በልዎም።
ኣብነት ህዋን ዲየጎ
እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብነት ቅዱስ ህዋን ዲየጎ ናይቲ ግልጸት ማርያም ጓዳ-ሉፐ እተቐበለ መክሲካዊ ይጠቕሱ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንዓኡ ዝመረጸቶ ብትምህርቱን ብሕብረተሰብኣዊ ደረጃኡን ዘይኮነስ ኣብ ኵሉ ነገራት ኣብ ኣምላኽ ከም ዚውከል ስለ እተገንዘበት ምዃኑ ውን ገለጹ።
እዚ ግልጸት ማርያምን ቅዱስ ጃን ዲየጎን ኣብ ላቲን ኣመሪካ ንእትርከብ ቤተ-ክርስትያን ኣብ መንጎ ምእመናንን መራሕቲ ቤተክርስቲያንን ዘሎ ተራ ምትሕብባርን ዕምቈት ዘለዎ ሲኖዳዊ ምድግጋፍን ዘርኢ ኢዩ በሉ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም ከምዚ በሉ - "እቶም ተራ እሙናት ኣብቲ ተልእኾኦም ዘደንቕን መልእልተ ባህርያዊ ጸጋ ደኣ እምበር ኣብ ብርታዐኦም ስለ ዘይኣምኑ ነዚ ብተግባር ዝነብርዎ ኢዮም። "እዚ ሕድሪ እዚ ምእመናን ነቲ እቶም ጳጳሳቅት ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ዘለዎ ሓላፍነት ብዘይ ገለ ጸገም ክቕበልዎ እውን የኽእሎም ኢዩ" በሉ።
ብኻልእ ኣበሃህላ "ውሳጥዊ ውህደት ነቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ፍረ ኣሕዋት እዩ ዜፍሪ " ድማ በሉ ።
ሕውነታዊ ድልድል ምህናጽ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዚ ጳጳሳዊ ኮሚሽን ላቲን ኣመሪካ ዘቕረብዎ መደረ ኣብቲ ኸባቢ ዘለዋ ኣብያተ-ክርስትያን ነቲ ፍሉይ መገዲ ወንጌላውነተን ንኸስተውዕላ ከምኡ ውን ምስታ ኣድማሳዊት ቤተ-ክርስትያን ርክብ ንኽምስርታ "ከለዓዕለንን ከበራትዐንን ከምኡ ውን ናጽነት ከስፍን" ጻውዒት ብምቕራብ ዛዘምዎ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደምደምታ "እቲ ኮሚሽን ድልድል ዕርቂ ምህናጽ ከምኡ ውን ንሓድነት ክሰርሕ ኣለዎ" በሉ። "ሰባት 'ሓቢሮም ኪጐዓዙ' ዜኽእሎም ድልድላት ኪሃንጽ ኣለዎ፣ እዚ ኸኣ መደረ ጥራይ ዘይኰነስ ሓቀይና ተመክሮ ጕስነት እዩ" ብምባል ሓሳባቶም ደምደሙ።