ድለ

2024.06.06 Plenaria del Dicastero per il Clero 2024.06.06 Plenaria del Dicastero per il Clero  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ፦ ካህናት ንበይኖም ክጕዓዙ የብሎምን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስቶም ኣባላት ስሩዕ ጠቕላሊ ጉባኤ ዘካየዱ ዘለዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት ካህናት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ተራኺቦም፣ ብዛዕባ ክህነታዊ ስነ መዕበያን፣ ጸዋዕታን ኣገዳስነት ቀዋሚ ዲቁናን ኣጕልሑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሓሙስ ዕለት 7 ሰነ ንግሆ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካየድ ዘሎ ስርዕ ጠቕላሊ ጉባኤ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ካህናት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ንእተሳተፉ ኣባላት ረኺቦም ኣብ ሰለስተ ቐንዲ መዳያት ዘተኮረ ቃለ ማዕዳን ኣካፈልዎም። እዚ ኸኣ ብዛዕባ ቀጻሊ ሥነ መዕበያ ካህናት፣ ምዅስኳስ ጸዋዕታ ከምኡ ውን ብዛዕባ ቀዋሚ ዲቁና ዘተኮረ ሓሳት ኢዩ ዝነበረ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "በይንና ኽንጐዓዝ ኣይኰንናን ተጸዊዕና" ስለዚ ካህናት ኣብ ውሽጢ መርበብ ሕውነታዊ ርክባት ክነብሩ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሑ፣ ካህናት ወላ እኳ ብዙሕ ጸገማት እናኣጋጠሞም ክነሱ ነቲ መብዛሕትኦም ዘገልግሉሉ ዘለዉ ምንፈስ ልግሲ ዘለዎም ምስጋና ገለጹ።

ምስጋና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ተጋባእቲ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቒሞም ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ካህናትን ዲያቆናትን ምስጋናኦም ንምግላጽ ብኣባታዊ ፍቕሪ ሰላምታ ኣቕረቡሎም -

"ብዛዕባ እቲ ቀሲሳውነትን ዓለማዊ መንፈስን ዘምጽኦ ሓደጋ ብዙሕ ግዜ ኣጠንቂቐ ኢየ፣ እንተዀነ ግን መብዛሕትኦም ካህናት ንጥቕሚ እቲ ቅዱስ ህዝቢ ኣምላኽ ብዓብዪ ልግስን እምነትን ከም ዝውፍዩ ኣጸቢቐ እፈልጥ ኢየ። በዚ ኸምዚ ድማ ጾር ናይ ብዙሓት ብጻዕሪ ተሰኪሞም ክንሶም ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ከቢድ ናይ ጕስነትን መንፈሳውን ጸገማት የጋጥሞም ኢዩ።"

ምምስራት ዘርኣ ክህነት እኹል ኣይኰነን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብቲ ቀንዲ ጕዳይ ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ጉባኤ እተመያየጡሉ ሰለስተ ኣርእስትታት ተበጊሶም መደረ ኣቕረቡሎም ።

እዚ ኣርእስትታት እዚ ብፍላይ ኣብዛ ሎሚ እንነብረላ ዘለና ዓለም ብቐጻሊ እትቀያየር ዘላ ዓለም ንካህናት ቀጻሊ ዝኾነ ሥነ መዕባያ ክግበረሎም ከም ዘለዎ ኣጕልሑ ።

"ነቲ ኣብ ዘርኣ ክህነት እተመሃርናዮ ኣጸቢቕና ኸነጽንዖን ከነደልድሎን ከነማዕብሎን ጻውዒት ብምቕራብ እዚ ኸኣ ሓደ ኽፋል ናይቲ ብሱላት ክንከውንን ብመንፈስ ንኽንዓብን ንስብከተ ወንጌል ዝኸውን ምቹእ ቋንቋታት ንኽንረክብን ከምኡ ውን ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ሓድሽ ጕዳያት ብግቡእ ንኽንፈትሖ ዘድልየና ነገራት ኣዕሚቝና ንኽንምርምር ዝሕግዘና መገዲ ኢዩ" በሉ።

ጠቕላሊ ጉባኤ ብዛዕባ ጉዳይት ካህናት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር
ጠቕላሊ ጉባኤ ብዛዕባ ጉዳይት ካህናት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር

ጽምዋ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ንብዙሓት ካህናት ዜጋጥሞም ዘሎ ጽምዋ መሰረታዊ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ውን ኣመልከቱ ።

"እዚ ጕዕዞ እዚ ንበይንኻ ዚግበር ኣይኰነን" በሉ ቅዱስነትም፣ ብዙሓት ካህናት እቲ "ብናይ ምርካብ ስምዒት" ዚውከል "መገዲ ህይወት" ከም ዚጐድሎም ድማ ገለጹ።

"ድልዱል መራኸቢ ህውነታዊ ዝምድና ንምእላም ኣብ ቀጻሊ ሥነ መዕበያ ቀዳምነት ዚወሃቦ ዕዮ እዩ ... ካህናት 'ኣብ ስድራ ቤቶም ከም ዘለዉ ኮይኑ ክስምዖም' ኣገዳሲ እዩ። ከም ብዛዕባ ጉዳይት ካህናት ዝሓሊ ቤት ጽሕፈት መጠን ዓለምለኻዊ መርበብ ክትኣልሙ ጀሚርኩም ኣሎኹም፣ እዚ ኸኣ ኣብ መላእ ዓለም ከም ዚቕጽልን ፍረ ኸም ዚፈሪን ንምግባር ዚከኣለኩም ዘበለ ኩሉ ክትገብሩ እምሕጸነኩም ኣለኹ" ክብሉ ቅዱስነቶም ብሕጽንታ ኣቕረቡሎም።

ጸዋዕታ እናነከየ ምኻዱ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ጸዋዕታ ካህናትን ሰብ ውፍይ ህይወትን እናነከየ ምኻዱ "ሓደ ካብቲ ንህዝቢ ኣምላኽ ዜጋጥሞም ዓብዪ ብድሆታት እዩ ። "

ወሲኾም ድማ እዚ ቕልውላው ነቲ ኣብ ሓዳር ዘሎ ጸዋዕታ እውን ከም ዝጸልዎ ኣመልከቱ ። በዚ ምኽንያት እዚ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ጸሎት ንጸዋዕታ ዝወጸ መልእኽትታት ነቲ "ንዅሉ ክርስትያናዊ ጸዋዕታ " ብፍላይ ከኣ ነቲ ንዅሎም እተጠምቁ ውልቀ-ሰባት ሓድነት ከም ዚህልዎም ዚገብር "መሰረታዊ ጽዋዕታ ወደ መዝሙርነት" ብዝያዳ ኸም ዜተኰሩሉ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ ብምባል ኣጠንቀቑ - "ካብ ብዙሓት መንእሰያት እቲ ሱር ነቀል ዝኾነ ህይወትካ ናይ ምውፋይ ኣተሓሳስባ ስለ ዝጠፍአ ገዛእ ርእስና ነጺልና ክንርኢ የብልናን ። ኣብ ክንድኡስ ብሓባር ከነስተንትንን ንምልክታት መንፈስ ጽን ኢልና ክንከታተሎን ኣሎና፣ ንስኻትኩም ድማ ነዚ ዕዮ በቲ ተዋሂብኩም ዘሎ ጳጳሳዊ ተልእኾ ኽትፍጽምዎ ትኽእሉ ኢኹም፣ ምስዚ ግዜና ዚሰማማዕ ሜላታት እና ተጠቀምኩም ነዚ ሓቂ እዚ ኸተበራብርዎ እዕድመኩም ኣለኹ።"

ኣስተንትኖ ብዛዕባ ቀዋሚ ዲቁና

ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ሳልሳይ ኣርእሰኢ ናይቲ ጉባኤ ብምጥቃስ፣ ነቲ ኣብዚ ዘመን እዚ  መብዛሕትኡ ግዜ "ፍሉይ መንነቱ" ዝኾነ ቀዋሚ ዳያቆናት ዘኪሮም መደረኦም ቀጸሉ።

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ተሳተፍቲ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ እተገብረ ቀዳመይ ክፍል ስሩዕ መበል 16 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ እተዋህበ ጽማሬ ጸብጻብ ምርኩስ ብምግባር ብፍላይ ከኣ "ኣብ ተልእኾ ዲቁና ናይ ግብረ - ሰናይን ንድኻታት ኣብ ምግልጋልን" ብምትኳር ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ቐጻሊ ኣስተንትኖ ንኽገብሩ ጻውዒት ኣቕረበሎም ።

"ነዚ ኣስተንትኖታትን ሓሳባትን ምምዕባልን ምሕባርን ኣብ ጳጳስዊ ቤት ጽሕፈትኩም ኣዝዩ ኣገዳሲ ዕዮ እዩ። ነዚ ንምግባር ክትዓዪን ንዅሉ እቲ ዘድሊ ነገራት ከተንቀሳቕሱን ከአ አተባብዓኩም ኣሎኹ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደምደምታ ነቶም ተሳተፍቲ "ህዝቢ ኣምላኽ ከም ልቢ ክርስቶስ ዝኾኑ ጓሶት ምእንቲ ክረኽቡን" ከምኡ ውን ብቅድስቲ ድንግል ማርያም “ኣብነት ኩሉ ጽዋዕታ” ዝኾነት ዝተሰነዩ ካህናት ምእንቲ ኽህልውዎምን ኢሎም ክዓዩ ብምዕዳም መደረኦም ዛዘሙ።

ጠቕላሊ ጉባኤ ብዛዕባ ጉዳያት ካህናት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር
ጠቕላሊ ጉባኤ ብዛዕባ ጉዳያት ካህናት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር
07 June 2024, 15:40