ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ስብከታት ኣባ ጃኮሞ ምንባብ ንነፍሲ ባህታ ይፈጥር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ስብከታት ኣባ ጃኮሞ ምንባብ ንነፍሲ ባህታ ይፈጥር  (Paolo Galosi)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ስብከታት ኣባ ጃኮሞ ምንባብ ንነፍሲ ባህታ ይፈጥር

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይታ ብቤት ማሕተም ቫቲካን (LEV) “È bello lasciarsi andare tra le braccia del figlio di Dio - ኣብ ሕቝፊ ወልደ እግዚኣብሔር ገዛእ ርእስኻ ምሕዳግ ባህ የብል” ብዝብል ኣርስቲ ዝተዳለወ ናይ ኣባ ጃኮሞ ታንታርዲኒ ስብከታት ዝሓዘት መጽሓፍ ኣብ ዝደረስዎ መቕድም፥ ስብከታት ኣባ ጃኮሞ ምንባብ “ንነፍስና ሰናይ እዩ” ይብሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዛ መጽሓፍ እዚኣ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ዘልኣለማዊት ከተማ ሓዋርያዊ ኣገልግሎቱ ብዓቢ ኒሕ ዝፈጸመ ኣብ ኢጣሊያ ዞባ ሎምባርዲያ ዝተወልደ ካህን ኣባ ጃኮሞ ታንታርዲኒ ስብከት ዝሓዘት ኮይና። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ስብከታቱ ነቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቀዳም ምሸት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ሎረንዞ ካብ መናድቕ ወጻኢ ብዝብል ስም ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ ከተማ ሮማ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያትን መንእሰያት ዘይኮኑን መንፈሳዊ ሕንጸት የቕርበሎም ከም ዝነበረን ጃኮሞ ክሰብኽ እንከሎ ከሎ ኣቃልቦኡ ወይ ትኹረቱ ናብ ካልእ ዝገብር ሰብ ከም ዘይነበረን፥ ነፍሲ ወከፍ ቃል ድማ ናብ ልቢ ይበጽሕን ህይወት ዘብርህን እዩ።

ኣብዛ ቅርስታት ቅዱስ ዲያቆን ሎረንዞ ዝተዓቀበላ ቤተ ክርስቲያን ምስ ኣባ ጃኮሞ ከም እተራኸቡ ቅዱስነቶም ኣብ ዝደረስዎ መቕድም ብምዝኽካር . . .  ኣብ 2012 ዓ.ም. ድሮ ሓሚሙ ስለ ዝነበረ፡ ስለ ጥዕናኡ ጸሊና ... ንሱ ድማ ናይ ምሕዋይ ተስፋ ክገብር እንከሎ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ኣብ ኣምላኽ ናይ ምትእምማን ብዝኾነ ምልክት ከም ዘመስገነ ይዝኽሩ።

ካብ 2007 ክሳብ 2012 ዓ.ም. ስብከታቶም ተሓቲሙ ንንባብ ምብቃዕ፡ ንዝኽሪ ናይዚ መንፈሳዊ ወዲ ኣባ ልዊጂ ጁዛኒ ዝኾነ ካህን ስብከታቱ ምንባብን ምስትንታንን ሎሚ እውን እንተኾነ ንነፍስና ባህ ዘብል እዩ፣ ምኽንያቱ ነቲ መበቆላዊ ሕመረት ክርስትያናዊ ሕይወት ስለ ዘረድኣና። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኩሉ ግዜ ነቲ ኣገዳሲ ዝኾነ ምምላስ ከም ዘድሊ የዘኻኽረናን።

ንነዊሕ እዋን ንክርስትና ናብ ስርዓት ሕጊ ወይ ወለንታዊ ጻዕሪ ኣውሪድናዮ፣ እዚ ኩሉ ግብረ ገባውነት ድማ ኣብ መወዳእታ ናይ ውድቀትን ሓዘንን ስምዒት እዩ ዘሕድረልና። ኣብ ኣስተንትኖታት ኣባ ጃኮሞ፡ እቲ ዓቢ ቀንዲ ተዋሳኣይ ኩሉ ግዜ ጸጋ እግዚኣብሔር እዩ፡ ምኽንያቱ ንሱ ተበግሶ ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ቅድሚኡ ከም ዝኸይድን ንነፍሲ ​​ወከፍ ዕላማና ከም ዝእምትን፡ ንዓናን ንብጻይናን ብፍላይ ድማ ነቲ ኣዝዩ ኣብ ሕሱም ድኽነት ንዝርከብ። ኣባ ጃኮሞ ኩሉ ግዜ ነታ “ጸጋ” እትብል ቃል ምስ ካልእ ቃል የተሓሕዛ፣ እዚ ድማ ጭቡጥ ይገብራ: “ምምራኽ”፣ ምኽንያቱ ጐይታ ኩሉ ግዜ ብስሕበት ሰብኣውነቱ ይማርኸናን ይስሕበናን።

ሓደ ካብቲ ኣብ ስብከታት ኣባ ጃኮሞ ዝያዳ ዝደጋገም ናይ ወንጌል ክፋላት፥ ምልዋጥ ዘኬዎስ ሓደ እዩ: “ከዳዕ ህዝቢ”፣ ዝነበረ ብናይ ምፍላጥ ብርቱዕ ስምዒት ተደሪኹ ኣብ ገረብ ምስ ደየበ፣ የዒንቲ ኢየሱስ ምስ ረኸቦ - ምልዋጥ ይጽገው : “ዘኬዎስ ብሓጎስ ተመሊኡ ድማ ይወርድ . . . እዚ ኣረኣእያ እዚ ንጹሕ ነጸብራቕ ናይ ምጥማት እዩ። እዚ ጥራይ እዩ እቲ፡ ሓይሊ ከም ንብረት ገይሩ ዘይውንን፡ እዚ  ምጥማት እዚ ጥራይ እዩ ብሓጎስ ዝመልእ፡ እዚ ራእይ እዚ ጥራይ እዩ ሰብ ዘይርእዮ ዝርእይ፡ ምኽንያቱ ንሱ ጥራይ እዩ ዝርኢ" (ስብከት ኣባ ጃኮሞ ዕለት 3 ሕዳር 2007 ዓ.ም.) ዝብል ቃል ኣባ ጃኮሞ ቅዱሰንቶም ኣስተብሂሎም፥

ነዚ እዩ ድማ ጸሎት እቲ ኣገዳሲ ሸነኽ ህይወት ዝኸውን ይብሉ። “ዝጽሊ ይድሕን” ዝብል ጭርሖ ናይ ቅዱስ ኣልፎንሶ ማርያ ደ ሊጉዮሪ ኮይኑ፡ ኣባ ጃኮሞ፡ ኣዝዩ ዘፍቅሮ ምዃኑ ዘገርም ኣይኮነን። ጸሎት ካብ “እኩይ” ዓለም ብውፉይነት ምህዳም ማለት ኣይኮነን። ካብ ውሽጢ ገዛእ ርእስኻ፡ እንታይ እዩ ንህይወት ትርጉምን ተኽእሎ ሓጎስን ዝህቦ ምሕታት እዩ። ንሱ መጺኡ ኣብ ህይወትና ክነብር ምሕታት እዩ፦ “ሓደ ሰብ ‘ንዓ’ ብምባል ተስፋ ይገብር። ውላድ ኣብ ልዕሊ ኣዲኡ  ዘይጭበጥ ተስፋ ኣይገብርን እዩ፣ ኣዲኡ ክትቀርቦ ተስፋ ይገብር፤ ክርስትያናዊ ተስፋ ብልክዕ ከምኡ እዩ። ክርስትያናዊ ተስፋ ኣብቲ ሕቶ እዩ ዝግለጽ፣ ‘ንዓ’ ብምባል እዩ ዝግለጽ” (ስብከት 1 ታሕሳስ 2007)።

ቋንቋ ኣባ ጃኮሞ ቀሊል እዩ፣ ኣብዘን ገጻት እዚኣተን ግን ስፍሓት ንባቡ ክስመዓካ ይኽእል እዩ፣ ካብ ስነ-መለኮታዊ ኣተሓሳስባ እቲ ፍቑር ቅዱስ ኣውጉስጢኖስ፣ ክሳብ ግጥማዊ ንባብ ቻርለስ ፔጉይ፣ ክሳብ “ንእሽቶ መንገዲ” ቅድስቲ ቴረዝ ዘሕጻነ ኢየሱስ፡ “ሰናይ ክገብር ከለኹ ጥራይ እዩ ኢየሱስ ኣባይ ዝዋሳእ” ዝብል ጥቕሲ ኣዚዩ ዝፈትዎ እዩ፣

ብዙሕ ልቢ ዝትንክፍ ስብከታት ኣሎ። እቲ ኣዝዩ መንፈስካ ዝምስጥ ብርግጽ እታ ናይ መወዳእታ፡ ሰንበት ዕለት 31 መጋቢት 2012 ዓ.ም. ቅድሚ ሞቱ ሒደት መዓልታት፡ ብቐሊል – ከምቲ ኣብታ መጽሓፍ እነንብቦ – “ንርእስኻ ኣብ ሕቝፊ ወልደ እግዚኣብሔር ምሕዳግ ክንደይ ባህ የብል” ኣንክብሉ ዝገለጾ ሓሳብ። ቃሉን ምሉእ ህይወቱን ንዓናን ፈተውቱን የዕሩኽቱን ስብከት እዩ ነይሩ። እንክብሉ ዝጸሓፍዎ መቕድም ይዛዝሙ።

(ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ)  

22 June 2024, 17:12