2023.12.08 Preghiera alla Salus Populi Romani - Basilica Santa Maria Maggiore 2023.12.08 Preghiera alla Salus Populi Romani - Basilica Santa Maria Maggiore  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ምውጻእ ሥርዓት ናዚ ካብ ሮሜ ይዝክሩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዝኽሪ መበል 80 ዓመት ሮማ ካብ መግዛእቲ ሥርዓት ናዚ ናጻ ድሕሪ ምውጽኣ፣ ናይቲ ኣብ ሮማ ኣብ ቅድሚ እታ ‘ድሕነት ሮማውያን’ ተባሂላ እትፍለጥ ኣይቆና ዝተገብረ መብጽዓ ንምምልካት መልእኽቲ ጽሒፎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ ክብረ በዓል እዚ ሎም ዓመት በዚ ኸምዚ ዝመስለ ድሙቕ ክብሪ ንመጀመርያ ግዜ ኢዩ ተዘኪሩ ዝዕል ዘሎ፣ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ውን ብወገኖም ኣብታ ትማሊ ሰሉስ ምሸት ዕለት 04 ሰነ እተሓትመትን ናብቶም ምኽትል ዓቃቤ መንበር ሰበኻ ሮማ ዝኾኑ ብፁዕ ኣቡነ ባልዳሳሬ ራይና ኣብ ዝጸሓፍዋ መልእኽቲ ንትርጉምን ዕቤትን እዚ ክብረ በዓል እዚ ገሊጾም ።

ብ4 ሰነ 1944 ህዝቢ ሮማ ምስ ጳጳስ ሰበኻኦም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒየስ መበል 12 ዀይኖም እቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት ጀርመንን ጥሙር ሓይልታት ብሪጣንያን ኣመሪካን ቀጥታዊ ግጭት ድሕሪ ምኽሳቱ እዛ ኸተማ ኸኣ "ጥፍኣትን ዕንወት ናዚ" ከየጋትማ ብምባል ቅድስቲ ድንግል ማርያም ከተድሕኖም ተማሕጸንዋ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ድሕሪ ሰማንያ ዓመት ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ምዝካሮም "ምእንቲ እቶም ግዳያት ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝዀኑ ንምጽላይን፣ ብዛዕባ እቲ ዜስካሕክሕ መዓት ውግእ ከም ብሓድሽ ንምሕሳብን" ምዃኑ ውን ገለጹ።

"ብኣመክንዮኣዊ ኣተሓሳስባ ኣጽዋር ክንምራሕ ኣይንኽእልን ኢና ክንግዛእ ውን የብልናን!"

እቶም ኣብ ዩክረይን ፍልስጥኤም እስራኤል ሱዳን ምያንማር ከምኡውን ኣብ ካልእ ቦታታት ግዳያት ውግእ ዝዀኑ ዘለዉ ንጹሃት ሰባት "ንሕልና ዅሎም" ብምቕላስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ነቲ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ኣጽዋር ኢድና ኽንህብ ኣይንኽእልን ኢና ብኣኡ ውን ክንምራህ የብልናን" ክብሉ ጸሓፉ።

መዓልታዊ ገበርቲ ሰላም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሰላም ካብ ኣምላኽ ዝወሃበና ህያብ እኳ እንተ ዀነ ኪቕበልዎ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ሰባት የድልዩ እዮም ፣ "ሃነጽቲ ዕርቅን መሰኻኽር ተስፋን ንምዃን ድማ ቃል ኪዳኖም ክፍጽሙ ኣለዎም " ክብሉ ውን ጸሓፉ ።

ዝኽሪ ናይቲ ቅድሚ 80 ዓመት ንእኖና ድንግል ማርያም ዝተወፈየ መብጽዓ ሮማውያን "ኣብ ኵሉ ቦታ ናይ ሓቀይና ሰላም መሃዝቲ ንኽዀኑን ግጭታትን ውግኣትን ንምፍታሕ ኣድላዪ ምዃኑ ብምሕሳብ ንሓድነት እንደገና ህያው ፍጻሜ ንኽገብርዎ" ከም ዘነቓቕሖም ዘለዎም ተስፋኡ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መዓልታዊ ናብራ ሰላማዊ ዝኾነ ኣተሓሳስባ ክህልወና ውን ተማሕጸኑ - እዚ ጕዳይ እዚ ኣብ መንጎ ሰባት "ብትብዓትን ብለውሃትን" ከምኡውን "ኣብ ስድራቤት ኣብ ስራሕ ኣብ ቤት ትምህርቲ ከምኡ ውን ኣብ መንጎ ኣዕሩኽ ንዘሎ ወጥሪ ምትዕራቕ" ምዃኑ ውን ኣመልከቱ።

መንፈሳውነት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣይቆና ድሕነት ሮማውያን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ጳጳስ ሮማ ኮይኖም ዘገልገልሉ ዓሰርተው ሓደ ዓመታት ነታ ድሕነት ሮማውያን ተባሂላ እትፍለጥ ስእለ እግዚእትነ ማሩያም ዘለዎም መንፈሳውነት እንደገና ህያው ንምግባር ብዙሕ ኣበርክቶ ገይሮም ኢዮም።

ነታ ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ እትርከብ ኣይቆና እግዚእትነ ማርያም ቅድምን ድሕርን ናብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ዝገብርዎ መገሻታት ኣብ ቅድሚ እዛ ስእሊ ከም ዝበጽሑን ከምኡ ውን ነቲ ብ8 ታሕሳስ ዝኸብር ክብረ በዓል ጽንሰታ ለማርያም ኣዘውቲሮም ውን ይበጽሕዋ ኢዮም።

ብዙሕ ግዜ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝዓርግ መሥዋዕተ ቅዳሴ ውን ኣባኡ የምጽእዋ ኢዮም።

ኣብዚ ቐረባ እዋን እዛ ስእለ ድንግል ማርያም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ በዓለ ቅዱስ ቁርባን ኣብ ቅድሚ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ እተገብረ ዑደት ቅዱስ ቍርባን ቡራኬ ክገብሩ እንከለዉ ብድሕሪኦም ትርአ ነበረት ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽትታቶም እዚ ምስሊ ድንግል ማርያም ንዘመናት "ኣብ ልቢ ሮማውያን ህያው ኰይኑ ይነብር ኣሎ " ኢሎም ጽሓፉ ፣ ሕዝቢ ሮማ ለብዒ ባህርያዊ ዕንወት ከምኡ ውን ውግእ ክለዓሎም እንከሎ ኣማላድነታ ይጽውዑ ነብሩ ። ቅዱስነቶም "እቲ ኣብ ሃይማኖታውን ሲቪላውን ህይወት ሮማውያን ዘጋጠመ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ፍጻመታት ኣብ ቅድሚ እዛ ምስሊ እዚኣ ኮይኖም ይምህለሉ ነበሩ" በሉ።

ስለዚ ሮማውያን ብ1944 ብወረርቲ ናዚ ኸተማኦም ከይትጠፍእ ስለ ዝፈርሁ ናብ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ድሕነት ሮማውያን ብምውፋይ ተማህለሉ።

4 ሰነ 1944፦ ሰላማዊ ሓርነት ሮማ

ብዕለት 4 ሰነ 1944 ሮሜ ኻብ ትሕቲ ቝጽጽር ናዚ ሓራ ዝወጸት ናይ መጀመርታ ርእሲ ኸተማ እያ ነይራ፣ ፍርሕን ራዕድን እኳ እተ ነበረ ኸኣ ብዘይ ውግእ እዩ ዝነበረ ።

ገሊኦም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ መሰኻኽር ከም ዝምስክርዎ ብፍላይ ከአ ኣመሪካውያን ብዕለት 15 ለካቲት ንሞንተ-ካሲኖ ብቦምባ ብምድብዳብን ምሉእ ብምሉእ ብምድምሳሶምን ዝረኣዩ ከተማ ሮማ ግና ከም ዘይዓነወት ብምርኣዮም እዚ ከም ተኣምር ገይሮም እዮም ዚርእይዎ ዝነበሩ ።

ሃገረ ቫቲካንን ከምኡ ውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒየስ መበል 12ን (1939-1958) ዋና ኣዛዚ ንኣልበርት ከሰልሪንግ ንሮማ 'ርህውቲ ከተማ' ኢሉ ኺእውጅ ኣእመንዎ።

መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ በዓለ ድሕነት ሮማውያን ማርያም
05 June 2024, 12:47