ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ርእሰ ብሔር ሃገረ ስሎቫኪያ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ተስፋታት ስሎቫክያ "ብመንጽር እቲ ዘሕዝን ፍጻመ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ መራሔ መንግስቲ፡ ለውጢ ኣባላት ቤት ምኽሪ ህዝባዊ ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ዘምጽእ ኣብ ቀረባ እዋን ዝካየድ ምርጫን ዝምልከቱ ኣርእስታት ዝዳህሰሰ፡ ኣብታ ሃገር "ሰላምን ስኒትን ክድልድል” ዝብል ተስፋ'ውን ዘጒለሐ ርክብ ምንባሩን፡ ፍሉይ ኣቓልቦ ንኲናት ዩክሬን ዝገበረን ርእሰ ብሔር ሃገረ ስሎቫክያ ካብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተሰናቢታ ብናይ ቅድስቲ መንበር ርክባት ወጻኢ ጉዳይ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ጳጳስ ሚሮስላው ዋቾውስኪ ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸበት ኣፍሊጡ።
ምልውዋጥ ህያባት
ኣብ ፍጻሜ ኣብ ዝተኻየደ ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንርእሰ ብሔር ዙዛና ስትራፓኮቫ፡ “ሰላም ተኣፋፊ ዕምባባ እያ” ዝብል ጽሑፍ ዝተነብሮ ብናሓስ ዝተቐርጸ ምስሊ ዕምበባ ገጸ በረኸት ከም ዘቕረቡላን ርእሰ ብሔር ስትራፓኮቫ እውን ብወገና ዓይነ ስዉራን ዝጥቀምሉ ኣብ ሃገራ ዝምረት ፍልዩ ብርዕን ኣብ ስሎቫኪያ ንእሽተይ ከተማ ካርፓዚ ዝምረት ወይንን ኣብ ሃገራ ንናይ ሰበኻ ዓውደ ርክብ ንኽሳተፉ ዝጓዓዙ ዝነበረ ሰለስተ መንእሰያት ዘጋጠሞም ሞት ዝዝክር ብሓጺን እተቐርጸ ሰለስተ ምስሊ ዕምባባን ገጸ በረኸት ከም ዘቕረባሎምን ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ መራሔ መንግስቲ ስሎቫክያ ሮበርት ፊኮ ድሕሪ እቲ ዕለት 15 ግንቦት ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኣብ እትርከብ ከባቢ ሃንድሎቫ ምስ ደገፍቱ ሰላምታ እናተለዋወጠ እንከሎ ብሓደ ተወላዲ እታ ሃገር ብዝተተኮሰ ጥይት ቆሲሉ ኣብ ማእከል ከተማ ብራቲስላቫ ዝርከብ ባንስካ ብይስትሪካ ዓቢይ ቤት ኣብ ሕክምና ድሕሪ ምጽናሕ ዕለት 31 ግንቦት ካብ ቤት ሕክምና ከም ዝወጸን ቀጻሊ ዘድሊ ህክምና ካብ ቤቱ ኮይኑ ክከታተል ምዃኑ ዋና ኣመሓዳሪት እቲ ቤት ሕክምና ሚርያም ላፑኒኮቫ ከም ከም ዝነበረት የመላኽት።