ር. ሊ. ጳ. ንተመሃሮ መናብርተ ጥበብ፦ 'ንዕላማኹምን እምነትኩምን ኣጽኒዕኩም ሓዝዎ'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስቶም ካብ እስያ እተወከሉ ተማሃሮ መናብርተ ጥበብ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፦ “ወትሩ ንእምነትኩም ኣጽኒዕኩም ሓዝዎ ። . . . ወላ’ኳ ካልኦት እንተ ኣሳቐዩኹም ኣብ እምነትኩም ኣይትዝሃሉ ንመንነትኩም ኣጥቢቕኩም ሓዝዎ፣ ከምቶም ስደትን መከራን ዝወረዶም ቀዳሞት ክርስትያን ሰማእታት ከኣ ጽኑዓት ኩኑ ።. . .” በልዎም።
ኣብቲ ትማሊ ሓሙስ ዕለት 20 ሰነ መንበረ ጥበብ ሎዮላ ቺካጎን ከምኡ ውን ብጳጳሳዊ ኮሚሽን ላቲን ኣመሪካ እተወደበ "ኣብ ዙርያ ፓስፊካዊ እስያ ድልድል ምሕናጽ" ዘርእስቱ ኣኼባ ቅዱስነቶም ብቀጥታዊ መስመር ኢንተርነት ተኻፊሎም ኢዮም።
ዩኒቨርሲቲ ሎዮላ ቺካጎ በቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ጒዕዞ ሲኖዳውነት ንኽጅመር ብዘቕረብዎ ጻውዒት ተለዓዒሎም፣ ኣብ ተማሃሮ ዘተኰረን ኣብ መናብርተ ጥበባት እተወደበን ተኸታታሊ መደባት ድልድል ናይ ምሕናጽ ተበግሶ (ቢ. ቢ. ኢ.) ኣበጊሱ። እቲ ናይ መጀመርታ ርክቦም ድማ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2022 ኢዩ ተኻይዱ። እታ ኻልአይቲ ኸኣ "ኣብ ዙርያ ኣፍሪቃ ድልድል ምህናጽ" ዘርእስቱ ዀይኑ ኣብታ ዓመት እቲኣ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኢዩ ተኻይዱ፣ ካብ እተፈላለየ ዞባታት ሰሃራ ንዚመጹ ተመሃሮ እውን ዜጠቓልል መደብ እዩ ዝነበረ ። እዚ ትማሊ ሓሙስ ዝተኻየደ መደብ ተመሳሳሊ እኳ እንተ ነበረ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘካየድዎ ተሳትፎ ግን ብሓጐስ ኢዮም ዝተቐበልዎ ።
ገለ ኻብቶም ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳማይ ክፋል ናይ እዚ ጉባኤ እተሳተፉ ተማሃሮ፣ ካብ መንበረ ጥበብ ኣቴኖ ደ ማኒላ (ማኒላ ፊሊፒንስ) ኣብ እተፈላለየ ዓውድታት ሥነፍልጠት ዝነጥፉ ዘለዉ ኢዮም ፣ ካብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ኣውስትራልያ (ኣብ ብሪዝበን ኣውስትራልያ) ፣ ካብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ፉ ጀን (ታይፐይ ታይዋን) ፣ ካብ መንበረ ጥበብ ሶጋንግ (ሶል ደቡብ ኮርያ) ፣ ካብ መንበረ ጥበብ ሶፍያ (ቶክዮ ጃፓን) ፣ ካብ መንበረ ጥበብ ቅድስቲ ዳርማ (ዮግያካርታ ኢንዶነዥያ) ዝተረኽቡ ተወከልቲ ውን ኢዮም ዝነበሩ። ካብቶም ኣብ ወርሒ መስከረም ቅዱስ ኣቦና ናብ እስያን ኦሽያንያን ኣብ ዝገበርዎ ሓውርያዊ ጕዕዞ ዝበጽሕወን ሃገራት፣ ካብ ሲንጋፖር ቲሞር ለስተ ከምኡ ውን ፓፕዋ ኒው ጊኒ ዝመጹ ተማሃሮ ውን ተሳቲፎም ኢዮም።
ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ኣብ ተኣፋፊ ዝኾነ ኩነትኩም ኻልኦት ኪሕግዙኹም ሕተቱ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ተሳቲፎም ብቋንቋ ብስጳንኛ ሰላምታ ድሕሪ ምቕራቦም ነቶም ተጋባእቲ ብዘጋጠሞም ናይ መደባት ምግጫው ስለዝደንጐይዎም ይቕሬታ ሓተትዎም።
እቶም ጕጅለታት ተማሃሮ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድሕሪ ምልላዮም ቅዱስ ኣቦና እውን ብግዴኦም ምኽሮምን ዘለዎም ሻቕሎንት ሓሳባትን ኣካፈልዎም ።
ቅዱስ ኣቦና ነቶም ናይ መጀመርታ ጕጅለ ብዛዕባ ኣካል ማሕበረሰብ ናይ ምዃን ስምዒትን ከምኡውን 'ኣብልነት' ከመይ ቢሉ ንገዛእ ርእስናን ንሰብኣዊ ኽብርናን ውሕስነትናን ከም ዘማዕብል ዘለዎም ሓሳባት ኣካፈልዎም።
እዚ ዅሉ ረቛሒታት እንክብሉ ቅዱስነቶም "ካብ ተነቃፊነት እዩ ዘድሕነና፣ ከመይ ኣብዚ ዘመን እዚ መንእሰያት ኣዝዮም ተነቀፍቲ ስለ ዝዀኑ፣ ካብ ተኣፋፊ ዅነታት ንምክልኻል ነዚ ኣካል ማሕበረሰብ ናይ ምዃን ስምዒት እዚ ወትሩ ክከላኸልሉ ኣለዎም፣" ክብሉ ተማሕጸንዎም።
"ኣበየናይ መዳይ ዝያዳ ተነቃፊ ከም ምዃንካ እሞ ተዓዘብ፣ ካልእ ሰብ ምእንቲ ክሕግዘካ ሕተት" ድማ በሉ።
'ዕቤት ደቂ ኣንስትዮ ፈጺሙ ኺርሳዕ የብሉን'
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ጥዕና፡ ኣድልዎ፡ በሰላታት ህይወት፡ ከምኡ ውን መንነት፡ ምስክር ምዃን፡ ገስጋሲ ምዃንን ኣብ ዝብሉ ኣርእስትታት ኣተኲሮም ተመያየጡ ።
ንዅሎም እቶም ተጋባእቲ ድማ ወትሩ ንሓድሕዶም ኪተሓባበሩን ሓድነት ኪህልዎምን ድሕሪ ምትብባዕ "ናይ ገዛእ ርእስኹም መንነት ኣብ ምጥራይ ኣተኵሩ" ድማ በልዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዅሉ እቲ ንሰብኣዊ ክብሪ ዜቈናጽብ ነውሪ ተግባራት ኣወግዱ ። ሓድሓደ ግዜ ደቂ ኣንስትዮ ኸም ካልኣይ ደረጃ ዜጋታት ጌርካ ይረኣያ እየን ፣ እዚ ኸኣ ሓቂ ኸም ዘይኰነ ኣዘኻኸርዎም ።
"ዕቤትን ክብርን ደቂ ኣንስትዮ ኺርሳዕ የብሉን። ደቂ ኣንስትዮ ዘለወን ምስትውዓልን ማሕበረሰብ ናይ ምህናጽ ክእለተንን ካብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ዝሓይሽ ኢዩ፣" ድማ በሉ ።
ኣይፋል ንምግላልን ነውርን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንተመሃሮ ምስ ካልኦት ኣሕዋቶም ክቀራረቡን ከፍቅሩን ከምኡ ውን ፈጺሞም ገለልተይናነት ከወግዱ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።
ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ፊሊፒንስ ልዑል መጠን ተሰከምቲ ኤች. ኣይ. ቪ ምህላዎምን ብዛዕባ ጾታዊ መንነትን ጠቒሱ ንእተዛረበ ተመሃራይ ብምዝካር "ክንክን ጥዕና ብዘይ ገለ ምኽንያት ንዅሎም ሰባት ንምክንኻን ንምሕጋዝን ድሉዋት ምዃና ኸነረጋግጽ ኣሎና" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ "ልብናን ኣእምሮናን ኣእዳውናን" "ምምሃር" ከምኡውን "ምትሕብባር" ዝሓትት ውጽኢታዊ ትምህርቲ እውን ኣስፊሖም ገለጹሎም።
ንመንእሰያት በዚ ኸምዚ ኽንምህሮም ከም ዘሎና ድሕሪ ምግላጽ፣ እዚ ብርቱዕ ሓይሊ እዚ ፈጺሙ ክርሳዕ ከም ዘይብሉ ድማ ኣመልከቱ ።
ኣብ ጸሎትን ሕብረትን ዝሰመረ ልቢ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመንእሰያት ክርስትያን ኣብ ሕብረተሰብ ምስታፍን "ኣካል ሕብረተሰብ" ምዃንን ክሳዕ ክንደይ በዳሂ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣፍልጦ ሃቡሉ።
ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ እምነቶም ኪጸንዑን ልቦም ምስ ጸሎት እተተሓሓዘ ኪኸውንን ተማሕጸንዎም ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ ምግባር ኣብ ብዙሕ መዳያት ሕይወት ከም ዝሕግዞምን ወትሩ ብውጽኢታዊ መገዲ ምስ ካልኦት ንኽትጽመዱ ከም ዘኽእሎምን ገለጹ ።
ነቲ እተጀልሐ ክርስትና ነጺግካ ብእምነት ጸኒዕካ ንበር
ድሕርዚ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት መንእሰያት ስለ እምነቶም ከም ዝዋረዱን ወይ ብድሆታት ከም ዘጋጥሞምን ገለጸ ።
ገዛእ ርእስኹም ከይትንጽሉ እናተጠንቀቕኩም "ወትሩ ኣብ እምነትኩም ጽንዑ፣ ብእምነት ውን በርትዑ" ቢሎም ድሕሪ ምምዓድ፣ ኣብ እምነት ምድካም ናብ ሕማቕ ልማዳትን ጸገማትን ክመርሕ ከም ዝኽእል ኣጠንቀቕዎም።
ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እምነት ምጽናዕ ከምኡ ውን ሓቀይና ክርስትያን ምዃን ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሑ።
"እቲ ሓቂ ንሱ ኢዩ - ክርስትያን ካብ መጀመርታ ኣትሒዞም ስደትን መከራን ምስ ወረዶም ኢዩ " በሉ፣ እዚ ተርእዮ እዚ ሓድሽ ከም ዘይኰነ ድማ ኣመልከቱሎም ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "እተጀልሐን ልብጥ ዝበለን ክርስትና ኺህልወና እንፍተን እኳ እንተ ኾና፣ ኢድና ኽንህብ ግና ኣይንኽእልን ኢና " በሉ ። የግዳስ "ጽኑዓት ክንከውንን ሰማእት ኴንና ኽንነብርን ኣሎና" ክብሉ ድማ ተማሕጸኑ።
'ሕማም ስነ-ሓሳብ'
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ሕሉፍ ዘሕዝን ፍጻመታት ታሪኽ ዝያዳ ፍልጦ ክህልዎምን፣ ብዛዕባ መጻኢ ትምህርቲ ኽመሃሩ ከምኡ ውን ሰላም ንምስፋን ክጽዕሩ ጻውዒት ኣቕረቡሎም ።
ንዅሎም ሰባት ስኒት ክሃንጹን ምስ ካልእ ባህልታት ዝርርብ ክገብሩን እንክምህጸኑ ሓደ "ርእዮተ ዓለም ዝስመ ሕማም ኣሎ " በሉ ።
"ኣይፋል ንውግእ " ብምባል ድማ ሰላም ክሰፍን ጻውዒት ኣቕረቡ ። "ኣብዛ ተስፋ ዘይብላ እትመስልን ተስፋ እተቑርጽን ዓለም ብስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኽንማረኽ ኣሎና" ብምባል ነቶም ኣብኡ እተኣከቡ ተማሃሮ ስለቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕርታት ቕድሚ ምምስጋኖም፣ ኣብዚ ዕዮ እዚ ክነጥፉ ጻውዒት ኣቕረበሎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ተማሃሮ ብፍላይ ኣብ መጀመርታ ወርሒ መስከረም ናብቲ ከባቢኦም ምብጻሕ ከካይዱ ኣብ ዝሰናደውሉ ዘለዉ እዚ ምስ እዞም ተመሃሮ ዘካየድዎ ርክብ ከም ዝሕግዞም ብምግላጽ ስለቲ ዝገበርዎ ኣስተንትኖታት ኣመስገንዎም ። ኣብ መደምደምታ ድማ ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ኣካፈልዎም።
ድልድላት ህንጸት ካብ ነፍሲ ወከፍና እዩ ዚጅምር
እተፈላለያ ኣብያተ-ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኣብዚ ተበግሶ እዚ ሓገዘን ለጊሰን ኢየን፣ ገለ ኻብዚኣተን ከኣ ዋና ጸሓፊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት፣ ብዛዕባ ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ ብዛዕባ ምእመናን ስድራቤትን ሕይወትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ ብዛዕባ ትምህርትን ባህልን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ከምኡ ውን ብዛዕባ ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ክፍሊ ፋልማይ ስብክተ ወንጌልን ሓደስቲ ዞባውያን ኣብያተ-ክርስትያንን ዝኣመሰሉ ኢያቶም ዝነበሩ።
ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዝለገስዎ መደረ ቅድሚ ምጅማሮም፣ ኣሰናዳእቲ እዚ መደብ መእተዊ ሓሳባት ኣቅሪቦም ኢዮም፣ ገለ ኻብዚኣቶም ድማ ጸሓፊ ጳጳሳዊ ኮሚሽን ላቲን ኣመሪካ ዶ/ር ኤሚልስ ኩዳ ከምኡ ውን ካብ ብፁዕ ካርዲናል ፋረል ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ምእመናን ስድራቤትን ሕይውትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር እተላእከ ናይ ቪድዮ መልእኽትን፣ ስዒቡ ድማ ብፁዕ ኣቡነ ሉዊስ ማሪን ደ ሳን ማርቲን ምኽትል ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ጳጳሳት ውን ቀሪቡ ።
ካርዲናል ፋረል ኣብ መልእኽቶም ንተመሃሮ ከም ኢየሱስ ድልድል ብምስራሕ ዝገደፈልና ኣብነት ክስዕብዎ ጻውዒት ኣቕረበሎም፣ ተማሃሮ መንበረ ጥበብ ብምዃኖም ዝረኸብዎ ፍሉይ መሰል ተጠቒሞም ኣብዛ ብጽልእን ውግእን መከራን ዝመልአት ዓለም ኣብ ዕዮ ክጽመዱ ኣዘኻኸርዎም። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ብቐዳምነት ሕያውነትን ሓልዮትን ምርድዳእን ከዘውትሩ መዓድዎም፣ እንተ ዘይኰይኑ ግና እቶም ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎም ከምኡ ኺገብሩ ኣይንጽበዮምን ኢና በሉ ።
ኣቡን ማሪን ድማ ብወገኖም ተስፋን ምሕዳስን ኣብ ዝሰፈኖ እዋን "ማእሰር ከደልድሉ መናድቕ ክፈርሱ ከምኡ ውን ድልድል ክሓንጽ" ጻውዒት ዘቕረበሎም፣ ዘተባብዕ ቃላት ውን ኣመሓላለፉሎም። እቶም ተሳተፍቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክሳዕ ዝመጹ ኣብ ዝጽበዩሉ ዝንበሩ እዋን ውን ዶ/ር ኩዳ ካብቲ ብዛዕባ ባህልን ትምህርትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር እተላእከት መልእኽቲ ኣንበቡሎም።