ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ዓመት ኢዮቤል ናይ ወጻኢ ዕዳ ንምሕካኽ ዝሕግዝ ኣጋጣሚ እዩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ዓመት ኢዮቤል ናይ ወጻኢ ዕዳ ንምሕካኽ ዝሕግዝ ኣጋጣሚ እዩ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ዓመት ኢዮቤል ናይ ወጻኢ ዕዳ ንምሕካኽ ዝሕግዝ ኣጋጣሚ እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቫቲካን ኣብ ዞባ ደቡባዊ ዓለም ዘሎ ናይ ወጻኢ ዕዳ ኣማእኪሉ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ተጋባእያን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕው መደረ፥ ኣብ ቀረባ እዋን ዝካየድ ዓመት ኢዮቤል፡ ድኻታት ሃገራት ዘለወን ዕዳ ሕድገት ክግበረሉን ወይ ንምንካይ ዝሕግዝ ዕድል ምዃኑ የዘኻኽሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፍራንቸስኮ ዕለት 5 ሰነ ንግሆ ሰዓት 07.45 ደቃይቅ ብናይ ቫቲካን ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ-ፍልጠት ዝተዳለወ “ቅልውላው ዕዳ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ዓለም” ኣብ ዘርእስቱ ዓውደ ጉባኤ ተግባእያን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ እቲ ዓውደ ኣኼባ ምስ 2025 ዓ.ም. ዓመተ ኢዮቤል ዘለዎ ምትእስሳር የዘኻኽሩ።

ሚልዮናት ብዘይ መጻኢ

ብድሕሪ’ዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ብዛዕባ ቅልውላው ዕዳ ክዛረቡ እንከለዉ፡ ስፍሓት ናይቲ ጸገም ኣስሚሮም፥ “ድሕሪ ድኹም ምሕደራ ዓለምለኻውነት፡ ድሕሪ ለበዳታትን ኲናትን፡ ሕጂ ብቐንዱ ንሃገራት ደቡብ ዓለም ዝጸሉ፡ ሕሰምን ጭንቀትን ዝፈጥር ቅልውላው ዕዳ ኣጋጢሙና ኣሎ . . . እዚ ኩነታት እዚ "ንሚልዮናት ሰባት ክቡር መጻኢ ናይ ምፍጣር ተኽእሎ ከም ዝኾልፍ . . . ኣስተብሂሎም፥

'ተባዕን መሃዛውን' መፍትሒታት

ብዛዕባ እቲ ጸገም እንታይ ክግበር ይከኣል፧ . . . ስፍሓት ናይቲ ቅልውላው፡ ተባዕ ስጉምትታት -  ፈጠራውን ሓድሽ ኣህጉራዊ ስነ ቁጠባዊ ስነ ህንጸት” ዝጠልብ ምዃኑ ገሊጾም . . . "ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንርእሱ - ንውልቁ" ዝብል ኣተሓሳስባ - "ኩሉ ግዜ ዘኽስር ዝደኸመ መገዲ እዩ" ስለዚ ነዚ ዘኽስርን ዝደኸመን ኣገባብ ንምውጋድ እቲ ዘድሊ፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ዕዳ ዘመሓድር ህብረ - ሃገራት ኣገባብ ምቛም” ኣገዳሲ ምዃኑ ኣመላኺቶም፥ እዚ ኣገባብ እዚ "ዓለማዊ ስፍሓት ናይቲ ጸገምን ቁጠባዊ፡ ምሕደራዊ ሃብቲ ገንዘብን ማሕበራውን ትርጉሙን" ኣብ ግምት ከእቱ ከምዘለዎ ድማ ኣስተብሂሎም፥ እቲ ዕላማ፡ “ኣብ መንጎ ዝህቡን ዝቕበሉን ሓባራዊ ሓላፍነት” ዝተመስረተ ስርዓት ዕዳ ዝብል ምዃኑ ከም ዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምሕረት ዕዳ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ መወዳእታ ክፋል መደረኦም ብዛዕባ ዝመጽእ ዓመት ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. እናሓሰቡ፥ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ርብዒ ዘመን ቅዱስ ዓመት ተብዕል፣ እዚ ልምዲ እዚ ካብቲ ጥንታዊ ትውፊት ሃይማኖት ኣይሁድ ኢዮቤል ዝምንጩ ኮይኑ፡ ጊልያዎት ሓራ ዝወጹሉን ዕዳኦም ሕድገት ዝግበረሉን ይቕረ ዝበሃለሉን እዋን ምዃኑ ገሊጾም፥ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 2000 ዓ.ም. ኣብ ዝነበረ ናይ መወዳእታ ኢዮቤል፡ ናይ ወጻኢ ዕዳ ምጉዳል ወይ ይቕረ ክበሃሎ ከም ዘተባብዑ ዘዘኻኸሩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ፡ “ነዚ ትንቢታዊ ጻውዒት” ደጊሞም ብምቅላሕ “ንሕና ናይቲ ዘሎና ገንዘብ ሓለውትን ኣብ ጥቕሚ ዘውዕሉን እምበር ጎይቶት ኣይኮናን” ምስ በሉ፥ ንተጋባእያን ዛዕባ “ቅልውላው ዕዳ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ዓለም” . . . ንምምሕያሽ ናይ ሓባር ቤትና ብሓባር ክንሓልምን ክንሰርሕን” ብምዕዳም፥ “እቲ እትገብርዎ ዘለኹም ዓውደ ጉባኤ ኣገዳሲ እዩ፡ ምእንታኹም እጽሊ፡ ሓደራኹም ምንታይ ምጽላይ ድማ ኣይትረስዑ” እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

06 June 2024, 15:44