ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጸዓታዊ ሕርሻ ክህነስ ኣዚዞም
ኣባ ተውልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ነቶም ሙቐት ዝውስኹ ጋዛት ካብ ሃዋህው ናይ ምንካይ ሸቶ ዘለዎ ክሊማዊ ንጽሕና ናይ ምፍጣር ክእለት ዘለዎ ቀዋሚ ሞደል ምስግጋር" ኣድላዪ ምዃኑ ብምጕላሕ ኣብ ውሽጢ እቲ ካብ ዶባት ሃገረ ቫቲካን ወጻኢ ዝርከብ ዞባ ቅድስተ ማርያም ዘጋለርያ ናይ ጽዓታዊ ሕርሻ ህንጸት ክካየድ ኣዚዞም።
ጸዓታዊ-ሕርጻ ንመሬት ኣብ ምህርቲ ጸዓትን ሕርሻን ብድርብ ንምጥቃም ዘጠቓልል ኢዩ ። ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ሓዳስ ሓዋርያዊት ኣዋጆም “እሁየ ጸሓይ” ዝገለጽዎ "ደቅሰብ ነዚ ኣከባብያዊ ለውጢ እዚ ከምኡ ውን ነቲ ጐዳኢ ስነ-ምግባራውን ማሕበራውን ቍጠባውን ፖለቲካውን ሳዕቤናቱ ንምፍታሕ ዘኽእልም ተክኖሎጅያዊ መገዲ ኣለዎም፣ ኣብዚ መዳይ እዚ ኸኣ ናይ ጸሓይ ሓይሊ ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ" ብምባል የመልክቱ።
ለውጢ ዅነታት ኣየር ዜምጽኦ ብድሆታት ምላሽ ንምሃብ
ኣብዛ “እሁየ ፀሐይ” ዘርእስታ ኣዋጆም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ “ስቡህ ኣንተ” ሓዋርያዊት ዓዋዲት መልእኽቶም ንሙቐት ዓለም ንምቅላስ ናይ ኣነባብራ ለውጢ ንምግባርን፣ ንምጉዳል ኣጠቓቅማ ነዳዲ ዘይቲን፣ ናይ ጸሓይ ሓይሊ ንምዕቃብን ኣብ ዝገበረዎ ውሳነ መሰረት ዝገብረ እዩ።
ኣስዕብ ኣቢሎም ውን በቲ ቅድስቲ መንበር ብ2022 ዝተበረቶ መጸዋዕታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ስርዓተ ለውጢ ክሊማ ውዕል ከም ዘካየደ ዝዝከር ኢዪ፣ እዚ ድማ "ኵለን መንግስታት ምስ ሓላፍነተንን ክእለተንን ብምስምማዕ ነቲ ንደቅሰብን ንተራ መንበሪናን ክብሉ ብሰንኪ ለውጢ ዅነታት ኣየር ዘጋጥሞም ዘሎ ብድሆታት እኹል ምላሽ ንኽህቡሉ ዝገብርዎ ጻዕርታት ኣበርክቶ ኽገብር" ከም ዝሓሰቡ ዝሕብር ውን እዩ ።
ሃገረ ቫቲካን ዝኸውን ጸዓት ንምምንጫው
እቲ ጸዓትዊ ሕርሻ ነቲ ኣብ ቅድስተ ማርያም ዘጋለርያ ዝርከብ ንብረት ቅድስቲ መንበር ክጥቀመሉ ዝዓለመ ኢዩ ። ሳላ እቲ ብ1951 ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን መንግሥቲ ኢጣልያን እተገብረ ስምምዕ እቲ 424 ሄክታር ዝስፍሓቱ መሬት ኣብ ወጻኢ ከረማ ሮሜ ዚርከብ ኰይኑ ረድዮ ቫቲካን ዚመሓላለፈሉ ኣንቴናታት ተዘርጊሑሉ ዘሎ ቦታ ኢዩ። እዚ ሓድሽ ውጥን ሕርሻ እዚ ነቲ ረድዮ ቫቲካን ዘድልዮ ጸዓት ንምምላእን "ሃገረ ቫቲካን ምሉእ ብምሉእ ጸዓት ንምምንጫውን" ኣበርክቶ ንምግባርን ዝዓለመ ኢዩ።
ህንጸት እቲ ጻዓታዊ ሕርሻ ኣቦ መንበር ምሕደረ ከተማ ቫቲና ዝኾኑ ንብፁዕ ካርዲናል ፈርናንዶ ቬሬስ ኣልዛጋን ከምኡ ውን ንብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ጆርዳኖ ፒቺኖትን ነዚ ተልእኾ እዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ቅዱስ ኣቦና ነዞም ክልተ ጳጳሳት ምሉእ ስልጣን ዘለዎም "ፍሉይ ኮሚሽን" ገይሮም ሾምዎም፣ ብመሰረት ውዕል ላተራን ከኣ ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ቦታ ዝትግበር ዕዮታት ምስ መንግስቲ ኢጣልያ ንኺዘራረቡ ፍልይ ሓላፍነት ተዋሂብዎም ኣሎ።
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር "ንዅሉ እቲ ሓላፍነት ዝተቐበሉ ኮሚሽነራት ዘቕርብዎ ሕቶ ንምምላስን ኣብቲ ኽሊ እቲ ኽሳዕ ሕጂ ኣብቲ ቦታ እቲ ካብ ዝርከብ ንሓዋርያዊ ውርሻ ዝምልከት ንገራት ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይጠፍእ ንምውሓስን ክሰርሑ" ኣዚዞም ኣለዉ።