ድለ

2024.06.22 Partecipanti al Convegno internazionale promosso dalla Fondazione centesimus Annus pro Pontefice 2024.06.22 Partecipanti al Convegno internazionale promosso dalla Fondazione centesimus Annus pro Pontefice  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ፡- ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ዘለዎ ረብሓታትን ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋን ገሊጾም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብቲ ብጳጳሳዊ ማሕበር “ቸንተዚሙስ ኣኑስ” እተወደበ 'ኣመንጫዊ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎትን ሥነ-ኤለክትሮኒካዊ ፈጠራታትን' ዘርእስቱ ኣህጉራዊ ዋዕላ ንእተሳተፉ ምስጋናኦም ኣብ ዝገለጹሉ፣ ሰብ ዝሰርሖ ምስትውዕሎት ንረብሓ ደቂሰባት ጥራይ ክውዕል ከም ዘለዎ ኣረጋገጹ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ባሪ ኢጣልያ እተገብረ ናተን ብኢንዳትሪ ዚማዕበላ ሃገራት ጉጅለ 7 ዋዕላ፣ ብዛዕባ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ካብ ዝረኽብዎም ድሕሪ ሓደ ሰሙን ዝኸውን ጸኒሖም፣ ቅዱስነቶም እቲ ሓያል ኤክትሮኒካዊ ምዕባለ ብስነ- ምግባር ክጥቀመሉ ኣብ ረብሓ ደቅሰብ ከውዕልዎ ከምኡ ውን እቲ ዘስዕብዎ ሓደጋታት ከወግድዎ ከም ዘለዎ ሓደራ ኣቕረቡሎም።

ቅዱስ ኣቦና ቀዳም ንግሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብዛዕባ እዚ ጕዳይ መደረ እንከስምዑ ምስቶም ኣብቲ ጳጳሳዊ ማሕበር ቸንተዚሙስ ኣኑስ እተወደበ 'ኣመጫዊ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎትን ኤሎትሮኒካዊ ፈጠራታት' ዘርእስቱ ኣህጉራዊ ኣኼባ እተሳተፉ ተጋባቲ ረኺቦም ኣዘራረብዎም

ኣብ ኢድ ሰባት ውዕል መሳርሒ ኪኸውን ኣለዎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዝሃብዎ ርእይቶ ነቶም ኣባኡ ዝተረኽቡ ተሳተፍቲ ሰብኣዊ ኽብረት ንምድንፋዕን ንጽጉማት ንምግልጋልን ብኸመይ ክሕገዙ ከም ዝኽእሉ ንምምርማር ዝገበርዎ ቘራጽነት ኣመስገንዎም።

"ቸንተዚሙስ ኣኑስ ካብ እተፈላለያ ሃገራትን ባህልታትን ዝመጹ ምሁራትን ክኢላታትን ዘጠቓለለ ማሕበር ኮኡንይ ብዛዕባ ዕቤትን ኣጠቓቕማን ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ዝግደስ ኢዩ።”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እውን ብተመሳሳሊ ብዛዕባ እቲ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ርእሲ ሰብ ናይ ምቁጽጻር ዓቕሚ ዘለዎም ከም ምኹኑ ብዛዕባኡ ኣጠንቀቑ፣ እዚ መሳርሒ እዚ ኸኣ ኣብ ኢድ ደቅሰብ "መሳርሒ ክኸውን ኣለዎ ኮይኑ ውን ክቕጽል ኣለዎ" ብምባል ውን ኣጕልሑ።

ኣብ ርእሲ እዚ’ውን ቅዱስ ኣቦና ነቲ 'ተጠቂምካ ናይ ምድርባርይ ባህሊ' ዝፍጽመሉ ዘይማዕርነትዊ ኣገባት  ከምኡ ውን ካብ ዕላማኡ ወጻኢ ዝኾነ ውሳነታት ዝገብር ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ክውገድ ከም ዘለዎ ኣጠንቀቐ።

ዕላማ ሰብኣዊ ኽብረት ኬደንፍዕ ኣለዎ

ሓቀይና ዕላማ ናይ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ኣብ ምምርማር ክቕጽሉ ከተባብዖም እንከለዉ - "ንደቅሰብ ዘድልዮም ነገራት ንምምላእ ጥዕናን ምሉእ ሰብኣዊ ዕቤትን ንምምሕያሽ ዘገልግል ድዩ?" ቢሎም ክሓቱ ወይስ "ናይቶም ንደቅሰብ ሓደገኛታት ዝኾኑ፣ ነቲ ድሮ ልዑል ሓይሊ ተጠቂሞም ኣብልዕሊ እቶም ካልኦት ተክኖሎጅያዊ ዓርሞሸሻት ንዝኾኑ ንምብልጽግናን ንምስፋሕን ኢዩ ዘገልግል?"

ድሕሪ ቢሎም እዛ ሕቶ እዚኣ መሰረታዊት ሕቶ ምዃና ገለጹ ።

መጻኢ ደቅሰብ ኣብ ቅድሚ ኤክርቶኒካዊ ሓድሽ ምህዞታት ስለ ዚፍጸም "ነቲ ኣብ ጸብለልትነት ሰብኣዊ ኽብረት ዘተኰረ ምትዕርራይ ንምግባር ብኣእምሮን ልብን ኣእዳውን ብሓድሽ መገዲ ናይ ምሕሳብን ስጕምቲ ናይ ምውሳድን ኣጋጣሚ ክንስሕቶ የብልናን" በሉ።

እዚ ጉዳይ እዚ ድማ ብዙሕ ምይይጥ ክግበረሉ ከም ዘድሊ ውን ኣጕልሑ።

ምትብባዕን ዜቘጥዕ ጉዳያትን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኣባላት እዚ ጳጳሳዊ ማሕበር ኣብዚ መዳይ እዚ እንከተባብዑ "ብትብዓት ኪቕጽሉ" ብምብርታዕ ኣብ መንጎ እቲ ትካልን ውጥናዊ ኪዳናን ካቶሊካዊ  ምርምር መናብርተ ጥበባቱን (SACRU) ካልእ ናይ ሕብረት ምርምር ውጥናቱን ብምጅማሩ "በጃኹም ብዛዕባ እዚ ኣፍልጥኒ!" ክብሉ ተማሕጸንዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንገለገለ "ዜቘጥዖም ነገራት" ብምዝኽኻር መደረኦም ዛዘሙ።

"ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት እንታይ ከም ዘይኰነ ብቐጻሊ 'ኣስተውዕሎት' ኢልና ኽንጽውዖ ኸም ዘይንደሊ ርግጸኛታት ዲና?" ክብሉ ሓተቱ። ብዛዕባ እዚ ኽንሓስብ እንከሎና ብግልጺ ንገዛእ ርእሶም ከምዚ ኢና ክንሓትት ኣሎና ክብሉ ተማሕጸንዎም - "ነዚ ስም እዚኣ ብዘይግቡ እኳ ምጥቃም ኣዝዩ ጥንቃቐ ዘድልዮ ከም ምኹኑን እንተ ዘይኮይኑ፣ ሰብ ድሮ ንኤሌክትሮኒካዊ ሓይሊ ኢድካ ምሃብ ኢዩ ዝኸውን።

24 June 2024, 18:08