ድለ

2024.06.24 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ማሕበር ቅዱስ ጴጥሮስ ን155 ዓመታት ዘካይዶ ውፉይ ኣገልግሎቱ ይንእዱ 2024.06.24 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ማሕበር ቅዱስ ጴጥሮስ ን155 ዓመታት ዘካይዶ ውፉይ ኣገልግሎቱ ይንእዱ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ማሕበር ቅዱስ ጴጥሮስ ን155 ዓመታት ዘካይዶ ውፉይ ኣገልግሎቱ ይንእዱ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድሚ ኢዮቤል ናይ ተስፋ 2025 ዓ.ም. ንማሕበር ቅዱስ ጴጥሮስ ንውፉይ ኣገልግሎቱ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንኢዶም ውርሻኦም ብምሕላፍን ፍቕርን ግብረ ሰናይን ብምኹስኳስ ጻዕርታቶም ከሐይሉ ይዕድሙ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ብህላወኹምን ብቅርበትኩምን ርህራሄኹምን ለውሃትኩምን ንቤተ ክርስቲያን እተቕርብዎ ኣገልግሎትን ንከተማ ሮማ እውን ንኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ኣብ ምስንዳው እትገብርዎ ጻዕሪ” ኣመስግን! ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 24 ሰነ ንግሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንኣባላት ናይቲ ካብ ዝቐውም መበል 155 ዓመታት ናይ ዘብዕል ዘሎ ናይ ቤተ ክርስቲያን ግብረ ሰናይ ንጥፈታት ክድግፍን ነቶም ኣዝዮም ዝተጸገሙ ክሕግዝን ዝጸንሐ ማሕበር ወለንተይናታት ቅዱስ ጴጥሮስ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ማሕበር እዚ ኣብ 1869 ዓ.ም. ብመንእሰያት ከተማ ሮማ ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ቅዱሰንቶም በዚ ኣጋጣሚ እዚ እቲ ማሕበር ቅድምን ሎምን ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘቕርቦ ኣገልግሎት ብሞሳ ዘኪሮም፡ ኣተሓሒዞም ነቶም ብዝሓደሮም ሕማም ምኽንያት ኣብቲ ርክብ ክሳተፉ ንዘይከኣሉ ናይቲ ማሕበር ኣቦ መንበር ቅልጡፍ ሕውየት ከም እተመነዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንመጻኢ ወሳኒ ዝኾነ ሱር ምዝካር

ኣባላት ማሕበር ቅዱስ ጴጥሮስ ኣገልግሎቱ "ብስም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ቅድስቲ ኣደ ቤተክርስትያንን" ከም ዝገብርዎ ብምእማን፡ "ንድኻታት ሮማ እትገብርዎ ኣገልግሎት ዝምስገን እዩ" ክብሉ ኣጉሊሖም።

እቲ ማሕበር ንቕዱስነቶም ከም ህያብ ዘቕረቦ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ማሕበር ቅዱስ ጴጥሮስ ዝገበሮም ርክባት ዘዘንተው ዝተሰነደ ታሪኻዊ መጽሓፍ መሰረት ገይሮም እዚ ሰነድ እዚ እቲ ማሕበር ምስ መበቆሉ ዘለዎ ጥምረት ዝነገር እዩ ቢሎም፡ ሱር ሰብ ምዝካር "መሰረታዊ እዩ . . . ብዘይ ሱር ህይወትን መጻእን የለን . . . ሓደ ቆጽሊ ኦም ዝጥጥዕ ምስ ጥዕና ሱር ዝተኣሳሰር ምስ ዝኸውን እዩ . . . ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ር.ሊ.ጳ. ወትሩ ሰራውሮም ኣኽቢሮም ኪርእይዎ ኣተባቢዖም፡ እዚ ኸኣ መኻን ካብ ምዃን የድሕን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ቅርሲ፣ ክብርታት ናብ መንእሰይ ወለዶ ምሕላፍ

"ምእንቲ እዚ፡ ክብርታትኩምን ተመኩሮኹምን ቅርስታትኩም ናብ መንእሰያት ከተመሓላልፉ እላቦ . . . ምኽንያቱ መንሰእይ ወለዶ ንቕድሚት ንምስጓም መሰረት ስለ ዝኾነ”  ብምባል መንእሰያት ንቕድሚት ንምስጓም መፍትሒ እዮም . . . ሓደ ኣቦሓጎ ወይ ኣደሓጎ ኣባል ማሕበር ቅዱስ ጴጥሮስ ተመኩሮታቶም ንመእሰይ ወለዶ ከሕልፉ ክንደይ ደስ ዘብል እዩ!" እንክብሉ እቲ ማሕበር ተሞክሮኡ ንመንሰይ ወለዶ ኣብ ምትሕልላፍ ዝገብሮ ጻዕሪ ከም ዝነኣዱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

"ኣብነት ሓደ ኣረጋዊ ህያው እምነት፡ ጭቡጥ ግብረ ሰናይን ፍቕርን ንድኻታት ከመሓላልፍ ከም ዝኽእል”

ቅዱስነቶም ኣስተብሂሎም፥ እዚ እውን ኣብ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ንውፉይ ፍቕርን ግብረ ሰናይን ዓቢ ኣጋጣሚ ከም ዝኽውን ርግጸይና እየ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኢዮቤል ናይ ተስፋን ግብረ ሰናይን

"ናብ ሮማ ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶን በጻሕትን ኣየር ክርስትያናዊ ግብረ ሰናይ 'ከስተንፍሱ' ይግባእ . . ሓገዝ ጥራይ ብምቕራብ ዘይኮነስ" "ቀረባ ብምዃንን ብምክፋልን ብዘይ ረኣዩለይን ስምዑለይን ኽብሪ ምሕላይ” ክኸውን ኣለዎ . . . ብህላወኹምን፡ ብቅርበትኩምን ርህራሄኹምን ለውሃትኩም ንከተማ ሮማ ንኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ተዳልውዋ ኣለኹም . . .  እዚ ምድላው ኪኖ ምስ ጎደናታት ወይ ትሕተ ቅርጺ ዝተኣሳሰር ስራሕ ዝዝርጋሕ ምዃኑ ኣመልኪቶም፥ ንልብን ስጋን እቶም ከምቲ ቅዱስ ሎረንዞ ዝበሎ "ስንቂ ቤተ ክርስቲያን ዝኾኑ" ድኻታት ምግዳስ ዝብል እዩ እንክብሉ ኣጒሊሖም፥ ፍራንቸስኮ ንዅሎም እቶም ኣባላት ማሕበር ቅዱስ ጴጥሮስን ኣባይቲ ስራኦምን ባሪኾም ንማርያም Salus Populi Roamni - ድሕነት ሮማውያን ሕድሪ ቢሎም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ማሕበር ቅዱስ ጴጥሮስ ን155 ዓመታት ዘካይዶ ውፉይ ኣገልግሎቱ ይንእዱ
25 June 2024, 15:31