ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2014 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መሬት ሰላም ክወርድ ዘቕረብዎ ጸሎት ይዝክሩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2014 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መሬት ሰላም ክወርድ ዘቕረብዎ ጸሎት ይዝክሩ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2014 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መሬት ሰላም ክወርድ ዘቕረብዎ ጸሎት ይዝክሩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብሓባር ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ከምኡውን መራሕቲ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ሰላም ንኽህሉ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዘቕረብዎ ጸሎትን ዘካየድዎ ርክብን ዝኽሪ ዓስራይ ዓመት፥ ቅዱስነቶም እቲ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዘሎ ውግእ ደው ክብልን ሰላም ክክረጋገጽን ጻውዒት ብዘቕርብ ኣገባብ ክጽምብልዎ እዮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዓሰርተ ዓመት ይገብር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ኣታኽልቲ ስፍር ኣብ ቅድስቲ መሬት ሰላም ክወርድ ታሪኻዊ መደብ ጸሎት ወዲቦምን እዚ መደብ እዚ እውን ተኻይዱ እዩ። ሎሚ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ውግእ ነቲ ከባቢ ኣብ ዘዕንወሉ ዘሎ እዋን እቲ ዝኽሪ ዓስራይ ዓመት ዳግማይ ሰላም ክወርድ ብዘቅርብዎ ጻውዒት ከብዕልዎ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማትዮ ብሩኒ ዝሃብዎ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ጽምብል ዝኽሪ ልክዕ ኣብ ዕለቱን ኣብቲ ዝተኻየደሉን ቦታ ክፍጸም ምዃኑ የመላኽት።

ዕለት 8 ሰነ 2014 ዓ.ም. ኣብቲ እዋን ናይ እስራኤል ርእሰ ብሔር ዝነበረ ሺሞን ፐረስን ርእሰ ብሔር መንግስቲ ርእሰ ምምሕዳር ፍልስጥኤም ማሕሙድ ዓባስን ከምኡ እውን ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ በርጠለመዎስ ቀዳማው ቅድሚኡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኣጋጣሚ እቶም መራሕቲ ንሰላም ኦም ኣውሊዕ ኣብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ተኺሎምን ነቶም ኣብቲ መደብ ንዝሓበሩ እውን መደረ ከም ዘስምዑ ዝዝከር ኮይኑ፥ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣርእስተ ብሔራት ፍቕርን ሰላምን ምእንቲ ኺሰፍን ዓለም "ካብ ዝሓለፈ ወለዶታት ዝተወሃትበና ውርሻ" ጥራይ ዘይኰነስ . . . ካብ ደቅና እተለቃሕናያ" ምዃና ምዝካር ከም ዘድሊ ብኣጽንዖት ኣተሓሳሲቦም ከም ንዝበሩን ኣብቲ እዋን ፍራንቸስኮ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ "ካብ ውግእ ሰላም ንምግባር" ትብዓት ከም ዝሓትት እውን ኣመላኺቶም ከም ዝነበሩ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን፥

"ንግጭት ''ኣይፋል' ምባል ትብዓት ይሓትት - እወ ንዘተ ንዓመጻ ኸኣ ኣይፋል ምባል፣ እወ ንናይ ሰላም ዘተ” እዚ እንተድኣ ኣሚንናን ተግቢርናዮን ድማ ውግእ ኣይኪህሉን እዩ፣ እወ ንስምምዕ እውን ንቕንዕና ኣይፋል ንዘቖጥዕ ተግባር . . . እዚ ዅሉ ትብዓት ዝሓትት ኢዩ ብርታዐን ጽንዓትን ዝሓትት ኢዩ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እብታ ዓመት እቲኣ ካብ ዕለት 24 – 26 ግንቦት እውን ቅዱሰንቶም ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ናብ ቅድስቲ መሬት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ሃገር ሓዋርያዊ ዑደት ከም ዘካየዱን ካብ ቀደም ሎሚ ዝያዳ ኣብ ቅድስቲ መሬት ሰላም ክወርድ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ከሐድሱ ምዃኖም የመላኽት።

03 June 2024, 09:09