ር. ሊ. ጳ. ናብ ላክሰምበርግን በልጅዩምን ዝገበርዎ ምብጻሕ ዘመልክት ኣርማ ተሓቲሙ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገር ቫቲካን
ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ናብ ላክሰምበርግን በልጅዩምን ዝገበርዎ ምብጻሕ ዝገልጽ ወግዓዊ ኣርማን ጭርሖታትን ምሕታሙ ኣፍሊጡ ።
ፈለማ ናብ ላክሰምበርግ ዝገብርዎ ምብጻሕ - "ንኣገልግሎት"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብታ ምስ ልጅዩምን ፈረንሳን ጀርመንን እትዳወብ ንእሽቶ ሃገር ኣውሮጳ ናይ ሓደ መዓልቲ ንምብጻሕ ንኽገብሩ ብዕለት 26 መስከረም ናብ ላክሰምበርግ ምብጻሕ ከካይዱ ኢዮም።
እቲ ነዚ ዘካይድዎ ምብጽህ ዘመልክት ኣርማ ናይ ቅብኣ ስእሊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኢዶም ኣልዒሎም ነቲ ከም ድሕረ ባይታ ስእሎም ዘሎ ካቴድራል ኖተር ዳም እናባረኹ ዜርኢ እዩ።
እቲ ብጫን ጻዕዳን ዝሕብሩ ኣርማ ነቲ ሰንደቕ ዕላማ ሃገረ ቫቲካን ዘመልክት እክኸውን እቲ ሰማያዊ ሕብሪ ድማ ነቲ ኣብ ታሪኽ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ላክሰምበርግ ሱር ዝሰደደ መንፈሳውነት ኣኽብሮት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘመልክት እዩ ።
ኣብ ታሕቲ ብየማናይ ሸነኽ ድማ ነቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘመልክት ጭርሖ "ንኣገልግሎት" ዚብል ቃላት ተጻሒፍዎ ኣሎ፣ እዚ ድማ ነቲ ክርስቶስ "ኬገልግል እምበር ክግልገል" ከም ዘይመጸ ዜመልክት እዩ (ማቴ 20፡ 28)። ስለዚ ቤተ- ክርስትያን ኣብነት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምስዓብ ንደቅሰብ ከተገልግል ተጸዊዓ ኣላ ዝብል መልእኽቲ ዝሓዘለ ክኸውን ኢዩ።
በልጅዩም ፦ ብተስፋ ዚግበር ጕዕዞ
ካብኡ ብምቕጻል ምሸት ዕለት 26 መስከረም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ላክሰምበርግ ተሰናቢቶም ነቲ ካልኣይ ክፋል ሓዋርያዊ ዑደቶም ንምክያድ ንካልኣይ እግሮም ናብ በልጅዩም ክኸዱ ኢዮም። ኣብዚ ምብጽህ እዚ ናብ ሰለስተ ኸተማታት ዑደት ብምክያድ ኣብቲ ንመበል 600 ዓመት ምስረታ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ለቨንን ሉቫይን-ላ-ነቭን ኣብ ዝዝከረሉ ጽንብላት ክሳተፉ ኢዩም። ሰንበት ዕለት 29 መስከረም ድማ ዑደቶም ብምዝዛም ናብ መንበሮም ክምለሱ ኢዩም ።
እቲ ኣነዚ ክፋል ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንምምልካት ዝቐረበ ኣርማ ድማ እተፈላለየ ዕድመን እተፈላለየ ባህልን ዘለዎም ሰባት (ብእተፈላለየ ሕብርታት ተመሲሎም) ብእግሮም ዝጐዓዙሉ መገዲ ምዕሩግ ካርታ በልጅዩም እናተሳገሩ ዘርኢ ኢዩ።
ብዛዕባ ሓዋርያዊ ጕዕዞ ቅዱስነቶም ዚገልጽ ጭርሖ ከኣ ኣብ ታሕቲ ተጻሒፉ ይርከብ እዚ ድማ፦ "ብተስፋ ዚግበር ጕዕዞ” ኢዩ ዝብል፣ ብሓባር ክንጐዓዝ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ጥራይ ዘይኰነስ ብወንጌል እውን መገዲ ኢየሱስ ክርስቶስ ተስፋና እዩ ዝብል መልእኽቲ ዘመሓላልፍ ኢዩ።