2024.06.18  Riunione C9 2024.06.18 Riunione C9   (Vatican Media)

ኣብ ጉባኤ 9ቱ ካርዲናላት ሰለስተ ደቂ ኣስንስትዮ ዝለገስኦ ኣስተንትኖታት

እቲ ትማሊ ሰሉስ ዕለት 18 ሰነ እተዛዘመ ናይ ክልተ መዓልቲ ጉባኤ 9ቱ ካርዲናላት መማኽርተ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ፣ ዘካየዶ መርሓ ግብር ኣብቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዘለወን ግደን ኣብ ጕዳይ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ኣብ ዝብሉ ኣርእስትታት ዘተኰረ ኢዩ ዝንበረ። ብፁዕ ካርዲናል ኣምቦንጎን ብፁዕ ካርዲናል ኦዝቫልዶ ግራስያስን ኣብ ቤተ-ክርስትያን መሪሕነት ደቂ ኣንስትዮ ንምምዕባል ብዙሕ ኣጋጣሚታት ከም ዘሎ ውን ገለጹ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ዝነበረ መርሓ ግብር ሓንቲ እናቴ ካብ ኣሓት ደናግልን ክልተ ፕሮፌሰራት መንበረ ጥበብን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ን9ቱ ካርዲናላት መማኽተ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ተኸታታሊ ኣስተንትኖታት ድሕቲ ምቕራበን፣ ብዛዕባ እቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዘለወን ግደ ዘማእከለ ዘተን ኣስተትንትኖታትን ከም ዘካየዱ ዜና ቫቲካን ሃቢሩ ።

ሓንቲ ሓብትን ክልተ ፕሮፌሰራትን

ናይ ቅዱስ መንበር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ትማሊ ሰሉስ 18 ሰነ ምሸት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ብዛዕባ እተን አብቲ ጉባኤ ዝተረኽባ ደቂ ኣንስትዮ ' ኣስተንትኖታት ዘቕረባ መነ መን ከም ዝነበራ እንከፋለጥ ክብርቲ እናቴ ሊንዳ ፖቸር ነቲ ኣስተንትኖታት መእተዊ ዝገበራ ፣ ፕሮፈሰር ቫለንቲና ሮቶንዲ ኣብ ሉጋኖ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ተግባራዊ ሥነ-ፍልጠት፣ ሥነፍልጠትን ስነ-ጥበብን ሰሜናዊ ስዊዘርላንድ (SUPSI) ብምምህርና እተገልግል ዘላ ኮይና፣ ኣብ መንበረ ጥበብ ኦክስፎርድን ማእከል ስነ-ፍልጠት ኒውሮ ኤም.ኣይ ሚላንን ኣብ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት ፍሉይ ክእለት ዘለዋ፣ ኣብ ኮሌጅ ኑፊልድ እትሰርሕ ተመራማሪት ኢያ፣ ከምኡ ውን ዶናታ ሆራክ ኣብቲ ኣብ ፒያቸንዛ ኢጣልያ ዝርከብ ናይ ስነ-መለኮታዊ ቤት ትምህርቲ ኣልቤሮኒ ምስ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ኣንጀሊኩም እተተሓሓዘ ተቕዋም ፕሮፌሰር ሕገ ቀኖና ኮይና እተገልግል ዘላ ኢያ።

ዕዱማት መድርቲ

ፕሮፌሰር ሮቶንዲ ኣብቲ ዘቕረበቶ ኣስተንትኖ "ኣብ መንጎ ወለዶታት ዓሚቝ ርክብ ከም ዝህሉ ጌርካ ምዕያይ ንቝጠባ ከም ምክንኻንን ጽቡቕ ምምሕዳራዊ ዓቅሚ ከም ምዃኑን ኣጕሊሓ " ዶናታ ሆራክ ከኣ ከም ፍትሕን ምሕረትን፣ ሓይሊ መማኽርትን፣ ደይመደይ ኢልካ ዝግበር ሓይልን ስልጣንን፣ ሃይማኖታዊ ስርዓታትን፣ ኣብ ሥነ ኣቅላስያን፣ ናይ ሕብረት ደሞክራስያዊ ኣሰራርሓን ከምኡውን ንጉሳዊ ኣርኣያን ዝኣመሰለ እተፈላለየ ኣርእስትታት ምስ ሕገ ቀኖና ዝተሓሓዝ ሰፊሕ ኣስተንትኖ ኣቕረብት ።"

ካርዲናል ኣምቦንጎ ፦ ኣገዳስነት ኣደንት ኣብ ቤተ ክርስትያን

ኣብቲ ዝተኻየደ ኣስተንትኖታት ካብቶም ኣብኡ እተረኽቡ ካርዲናላት ክልተ፣ ኣብ መደምደምታ እቲ ጉባኤ ኣብ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ብዛዕባ እዞም እተላዕሉ ጕዳያት መግለጺታቶም ንመራኺቢ ብዙሓን ቫቲካን ኣካፊሎም። እቶም ናይ ኪንሻሳ ሊቀ - ጳጳሳት ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ በሱንጉ ትማሊ ብዛዕባ እቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ - ክርስትያን ዘለወን ግደ ንራብዐይ ግዜ እተገብረ ዘተ ዘኪሮም ። "ኣብ ኩሉ ኣብ ኣብያተ-ክርስትያን ዝካየድ ሥርዓተ ኣምልኾታት ካብቶም ተሳተፍቲ ልዕሊ ፍርቂ ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ኢየን" በሉ፣ እንተዀነ ዝለወን ሓላፍነት ክንርኢ እንከሎና "ሒደት ኢዩ" በሉ። ድሕሪ እዚ ዅሉ ኣኼባታት እዚ ዘለወን ሓላፍነታት ክዓቢ ከም ዘለዎ ንጹር ከም ዝዀነልና ኣመልክቱ፣ እንተዀነ ግን ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝበልዎ "ቤተ-ክርስትያን ብባህሪኣ ተንስተይቲ ኢያ!" ከምኡ ውን ኣብ ማሕበረሰብ ቤተ-ክርስትያን ኣርዚንካ ክርኣ ዘለዎ "ኣደነት" ስለ ዘሎ ኢዩ።

ካርዲናል ግራስያስ ፦ ኣብ ቤተ ክርስትያን መሪሕነት ደቂ ኣንስትዮ

እቶም ናይ ቦምበይ ሊቀ - ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኦስቫልድ ግራስያስ ድማ ኣብ መግለጺኦም ክውስኽ ዘለዎ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣድላዪ ምዃኑ ኣስመሩሉ ። "ካብ ህንዲ እየ መጺአ ኣብ ገሊኡ ኸባቢታት ከኣ ደቂ ኣንስትዮ ብዙሕ ኣገዳስነት የብለንን 'ካልኣይ ክፍሊ' ሕብረተሰብ ኢየን ዝቑጸራ፣ ስለዚ ኸኣ ቤተ-ክርስትያን "ኣብ ስድራቤት ኣብ ሕብረተሰብ ኣብ ፖለቲካ ግቡእ ቦታ" ንምሃብ ትዓዪ ኣላ። ኣብ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ሕገ ቀኖና ውን ንባዕሉ ብዛዕባ መሪሕነት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዝገልጽ ሓበሬታ "ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣሎ" በሉ፣ ካብ ተመክሮይ ከም ዝረኣኽዎ ኸኣ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ገለ ጕዳያት "ሰብኡት ኣብ ግምት ዘየእትውዎ ሓሳባት" ረኺበን ንጉዳት ክፈትሓ ከም ዝኸኣላ "ብዙሕ ግዜ" ተዓዚበ ኣሎኹ። እዚ ከም ዚምዕብል ከኣ ዓብዪ ተስፋ ኣሎኒ።"

ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ቈልዑን ህጻንትን ዓለምለኻዊ ቅልውላዋትን

ኣብ ካልኣይቲ መዓልቲ ናይቲ ጉባኤ ኣብ ሰሉስ ኣብ ናይ መወዳእታ መርሓ ግብር ጉባኤ 9ቱ ካርዲናላት መማኽርተ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ በቲ ካርዲናል ኦማሊ ዘቕረብዎ ዘብጻባት ማለት "ነቲ ኮሚሽን ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ህጻናትን ኣብ መዳይ ምልክልኻልን ዑቕባን ዝተረኽበ ተስፋታት" ከም ዘቕረቡ ካብ ቤትጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዝተዋህበ መግለጺ የመላኽት ። ብፁዕ ካርዲናል ግራስያስ ኣብ "ጉባኤ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ዘካየድ ዘሎ ንጥፈታትን ኣገባባትን" ኣተኲሮም መግለጺ ኣቕረቡ። እቲ ናይ መወዳእታ ዘተ ድማ ኣብቶም "እዞም ካርዲናላት ኣባላት ጉባኤ 9ቱ ካርዲናላት መማኽርተ ተከታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዚመጹሉ እተፈላለየ ኽፍልታት ዓለም ዘሎ ዅነታት ብምትኳር ኣብዚ እዋን እዚ ውን ኣብ ግጭታት ፍሉይ ቈላሕታ ክግበረሉ ዘለዎ ዅነታት" ዘተኰረ ዘተ ኣካዪዶም ። ዚቕጽል ጉባኤ 9ቱ ካርዲናላት መማኽርተ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2024 ክካየድ እዩ ።

19 June 2024, 15:10