2019.12.04 ቫቲካን ዝመጽእ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓውደ መርሓ ግብሪ ይሕብር 2019.12.04 ቫቲካን ዝመጽእ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓውደ መርሓ ግብሪ ይሕብር  (Vatican Media)

ቫቲካን ዝመጽእ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓውደ መርሓ ግብሪ ይሕብር

ቤት ጽሕፈት ሓበሬታን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ትሪየስተ ደቡባዊ ምብራቕ እስያን ኦቻይናን ከምኡ እውን ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ሉሰምበርግን በልጅምን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደትን ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ዎጳውሎስን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋእተ ቅዳሴ ከዕርጉን ኣዋጅ ሓደስቲ ቅዱሳት ንምጽዳቕ ዝመርሕዎ ጉባኤ ካርዲናላት ዘጠቓልል ዓውደ ፍጻሜታቶም ወግዓዊ ከም ዝገበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ንማሕበሰባዊ ቅነ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኢጣልያ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሓምለ ዕለት 7 ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ትሪየስተ ኣብ ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ ካሳተፉን ቃለ ምዕዳን ኽልግሱን ኣብታ ከተማ ኣብ ዘካይድዎ ዑደት ምስ ስደተይናታትን ኣብ ወሰናስን ህልውናን እታ ከተማን ምስ ዝርከቡ ክፍሊ ሕብረተሰብን ክራኸቡ ትጽቢት ይግበር።

ቅዱስነቶም ካብ ኢጣሊያ ወጻኢ ክልተ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ክገብሩ ከም ዝኾኑን እቲ ቀዳማይ፡ ካብ ዕለት 2 - 13 ኣብ ወርሒ መስከረም፡ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እስያን ኦቻይናን ሓዋርያዊ ዑደት ከካይዱን እዚ ሓዋርያዊ ዑደት እዚ ኢንዶነዥያ፡ ፓፑዋ ኒው ጊኒ፡ ቲሞር-ኢስትን ሲንጋፖርን ዘጠቓልል እዩ።

ካብ ዕለት 26 - 29 መስከረም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድሚ ናብ ሰለስተ ከተማታት ቤልጅየም ምብጻሕ ኣብ ሉክሰምበርግ ናይ ሓደ መዓልቲ ዑደት ከካይዱን ኣብ መበል 600 ዓመት ምምስራት ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ሉቨንን ሉቫይን ላ ኑወቭን ኣብ ዝካየድ ጽምብል ክሳተፉ እዮም።

ዕለት 29 ሰነ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ዎጳውሎ ኣብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ኣብዚ ስነ ስርዓት እውን ንሓደስቲ ሜጥሮጶሊታን ሊቀ ጳጳሳት መግለጺ ኑዛዜ እምነት ሕዋርያት ዝኾነ ኣክሚም ክህቡ እዮም። ዕለት 1 ሓምለ ኣብ ዛዕባ ኣዋጅ ቅድስና ዝካየድ ድምጺ ናይ ዝህብ ጉባኤ ካርዲናላት መሪሖም ክሳተፉ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ሓበሬታን ክፍሊ ማሕተምን ዘውጸኦ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

04 June 2024, 15:56