2024.07.02 ስደተይናታት ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይራኸቡ: ንኹላትና ከም ኣቦ እዮም! 2024.07.02 ስደተይናታት ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይራኸቡ: ንኹላትና ከም ኣቦ እዮም! 

ስደተይናታት ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይራኸቡ: ንኹላትና ከም ኣቦ እዮም!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ካብ ሰኔጋልን ጋምብያን ዝመጹ ስደተይናታት ብዛዕባ ዘሕለፍዎ ጉዕዞ ስደትን ዘጓነፎም መሪር ታሪኽን ዝሰነዱ ደርስቲ ዝርከብዎም ዕለት 2 ሓምለ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 2 ሓምለ ድሕሪ ቐትሪ ከምቲ ብዙሕ እዋን ዝገብርዎ፥ ምስ ስደተይናታት ከም እተራኸቡን፥ እቶም ምስ ቅዱስነቶም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ህንጻ ብኣባ ማትያ ፌራሪ ተሰንዮም ዝተራኸቡ ስደተይናታት ንቑድስነቶም ከም ኣቦን ጓሳን ኩሉ ከም ዝርእይዎም እቶም ስደተይናታት ባዕሎም ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘገበርዎ ቃለ መሕትት የረጋግጹ።

ስደተይናታት ብዝደረስዎ መጻሕፍቲ ኣቢሎም ተመክሮታቶም የካፍሉ

ኣብ’ቲ ናይ ሰሉስ ርክብ ካብ ሰኔጋል ዝመጸ ኢብራሂም ሎ፡ ጋምቢያዊ ኤብሪማ ኩያተህን፡ ክልቲኦም ናብ ኤውሮጳ ንምምጻእ ብሊብያ ኣቢሎም ዝተጓዕዙ ከምዝኾኑን ኢብራሂም ህብስትን ማይን ብዝብል እርእስቲ ኣቢሉ ካብ ሰነጋል ናብ ኢጣሊያ ዝገበሮ መሪር ጉዕዞ ስደት ዘዘንትው መጽሓፍ ዝደረሰን ጋምቢያዊ ስደተይና ኤብሪማ ኣብታ ኣነን ጥራሕ እግረይን ብዝብል ኣርእስቲ ኣቢሉ መሪርን ሕሰም ዝመልኦ ተመክሮ ጉዕዞ ስደት ዘካፈለ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ እቶም ስደተይናታት ብኣባ ማቲያ ፈራሪ፡ ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ዝሓልይ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ካፕሪ ሓላፊ ስተፋኖ ክሮቺ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት እተገልግል ወለንተይና ጁሊያ ባሶሊ፡ መዲትራኒያን ባሕሪ ንሰብኣዊ ድሕነት ናይ ዝብል ተልእኾ መስራቲ ሉካ ካሳሪኒ ከምኡ እውን ኣብ ጉዳይ ስደተይናታት ዘገልግላ ኣናቴ ኣድሪያና ዲሚኒቺ ከም ዝሓበሩ ኣፍሊጡ።

ሲኦልን ተስፋን

ኣባ ማቲያ ኣብ ቫቲካን ዜና ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይቶም ስደተይናታት ዛንታታቶም ክሰምዑን “ንኹሎም ድማ በቲ ዝገብርዎን ዝነብርዎን” ከም ዘመስገኑን ከም ኣቦን ጓሳን ድማ ከም ዘተባብዑን ኣብ ወርሒ ሕዳር 2023 ዓ.ም. ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተራኸበን ኣብ ጉዕዞ ምድረ በዳ ሰሃራ በዓልቲ ቤቱን ጓሉን ማሪ ብሕሱም ጽምኢ ዝተፈለየኦ ሕልና ዓለም ዝተንከፈ ዛንታ ከም ኣብነት ዝጥቀስ ተግባር እዩ። ስለ እዚ እዩ ድማ ቅዱሰንቶም ታሪኾም ብምዝንታው ሕልና ዓለም ንምብርባር ስለ ዝገብርዎ ጻዕሪ ዘመስግኑ።

ተመሳሳሊ ዛንታታት ሲኦላዊ ተመክሮታት ዘለዎም ግን ምስ ቅዱስ ኣቦና ዘካይድዎ ርክብ ድማ ኣብቲ ሕሱም ታሪኽ ተስፋ ክህሉ ዝገብር ከም ዝኾነን ብባሕሪ ይኹን ብጉዕዞ ምድሪ ኣቢሎም ንዝስደዱ ስደተይናታት ብምቕባል ምድሓን ባዕሎም ቅዱስ ኣቦና ከም ዝብልዎ፥ “ንድኻታት፡ ስደተይናታት ከነድሕን ወይ ክንቅበሎም እንኮለና፡ ንሳቶም የድሕኑና ከም ዘለዉ ዘረጋግጽ እዩ።” ከምኡ'ውን "ኣብ ፍቕሪ፡ ኣብ ሕውነት ምስ ድኻታት፡ ምስ ስደተይናታት፡ ሓደ ሰብ ድሕነት ከም ዝረክብ" ዘርኢ እዩ።

04 July 2024, 16:38