ንዓለምለኻዊ መርበባዊ ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓድሽ ሕግታት ወጺኡ ንዓለምለኻዊ መርበባዊ ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓድሽ ሕግታት ወጺኡ  (Vatican Media)

ንዓለምለኻዊ መርበባዊ ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓድሽ ሕግታት ወጺኡ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ንኢየሱሳውያን ማሕበር ብሓላፍነት ዝተዋህቦም ደቀ መዛሙርቲ ንጸሎት ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ኣብ 89 ሃገረት ዝርከብ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎተ ሓሳብ ብምስማዐ ርእየት ዘሰናድውን ናብ መላእ ዓለም ዝዝርግሕ መርበባዊ ማሕበር ዝምርሓሉ ሓድሽ ሕጊ ከም ዘጽደቑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ዓለምለኻዊ መርበባዊ ርክብ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ዝከታተል ማሕበር ዝምርሓሉ ሓድሽ ሕጊ ዕለት 8 ሓምለ ከም ዘጽደቑን እቲ ሓድሽ ሕጊ ንታሪኽ እቲ ተበግሶን ተልእኾኡን ኣፍልጦ ዝህብ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ቝጠባ ቅድስቲ መንበር ነቲ ናይቲ ማሕበር ዕዮታት መሳለጢ ምደባ ገንዘብን ከምኡ እውን ነቲ ናይቲ ማሕበር ቁጠባ ጉዳይ ዝቆጻጸር ናጻን ፍሉይ ኣካልን ናይ ምሻም ሓላፍነት ክህልዎ ዝብል ከም ዝኾነን፡ እዚ ሓላፍነት እዚ ቅድሚ ሕጂ ብቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ዝተዋህበ ከም ዝነበረ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ጳጳሳዊ ዓለም ለኸ መርበባዊ ጸሎት ንብድሆታት ሰብኣውነትን ተልእኾ ቤተ ክርስቲያንን መልሲ ንምሃብ ንካቶሊካውያን ብጸሎትን ብተግባርን ናይ ምትእኽኻብ ተልእኾ ዘለዎ ክኸውን እንከሎ። እዚ ብድሆታት እዚ ኣብ ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ዘቕርብ እዩ።

ወርሓዊ ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ ብምስማዐ ርእየት ኣቢሉ ንምዝርጋሕን እቲ ጸሎት ኣብ መላእ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝቐርብ ክኸውን ዝድርኽ እዩ።

ተልእኾ ናይ’ቲ ማሕበር ኣብቲ ንጡፍ ዝኾነ ልቢ ኢየሱስ ዝተቐርጸ ኮይኑ፡ ንዓለም ናይ ሓልዮት ተልእኾ ኮይኑ እቲ ተበግሶ ኣብ 1844 ዓ.ም ናይ ጸሎት ደቀ መዝሙር ተባሂሉ ዝተመስረተ ከም ዝኾነን ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ 89 ሃገራት ዝርከብ ልዕሊ 22 ሚልዮን ካቶሊካውያን ብኣባላት ዝርከብዎ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

09 July 2024, 15:15