ድለ

2024.07.20 National Eucharistic Congress 2024.07.20 National Eucharistic Congress 

ፍሉይ ልኡኻት ጳጳስ ሰንበት 2024 ሚስዮናውነት ዓለም ገለጹ

ጐኒ ጐኒ እቲ ኣብ ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና እተኻየደ፣ ብፁዕ ካርዲናል ሉዊስ ኣንቶንዮ ታግለ ከምኡ ውን ካርዲናል ክሪስቶፍ ፒየር እተሳተፍዎ 10ይ ሃገራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ኣብ ዝተኻየደሉ፣ ፍሉይ መደብ ተቕባል ናይቲ ብ20 ጥቅምቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝዝከር፣ ንልዕሊ 1,100 ዞባታት ዘሳትፍ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ስብከተ ወንጌል ንምድጋፍ ዘለዎ ጽልዋ ብምግላጽ ኣወጁ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም ንናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ሉዊስ ኣንቶንዮ ታግለን ከምኡ ውን እቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልዑኽ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዕ ካርዲናል ክሪስቶፍ ፒየርን፣ ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ብሓቂ ኣብ ሽግር ዝርከቡ ዘለዉ ምእመና ንምሕጋዝ ብናይ ስብከተ ወንጌል መንፈስ ከም ብሓድሽ ክንለዓዓል  ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብቲ ብ20 ሓምለ ኣብ ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና እተገብረ መበል 10ይ ሃገራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን እዞም ካርዲናላት ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ መብዛሕትኡ ሰበኻታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሰንበት ዕለት 20 ጥቅምቲ መበል 98 ዓለምለኻዊ መዓልቲ ስብከተ ወንጌል ንምድንፋዕ ክጥቀሙሉ ዝኽእሉ መሳርሒታትን ትሕዝቶታትን ኣቕረቡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብዛ ዓመት እዚኣ "ኪዱ ንዅሉ ሰብ ናብቲ ጽንብል መርዓ ዓድምዎም" ዝብል ኣርእስቲ ናይታ መዓልቲ ጭርሖ ክኸውን ወሲኖም ኣለው።

ብመሰረት እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከብ ጳጳሳዊ ማሕበር ተልእኾ ስብከተ ወንጌል  ዘውጽኦ መግለጺ እዞም ፍሉይ ልኡኽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ንኣገዳስነት ሰንበት ከም መዓልቲ ምጽዋት ምእካብ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ቤተ-ክርስትያን ንስብከተ ወንጌል ዘለዋ ቘራጽነት ንምሕዳስን ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ሚስዮናውያን ንምድጋፍን ጽቡቕ ኣጋጣሚ ከም ምዃኑ ውን ኣጕልሑ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ተቕባል ዳርጋ 50 ዝዀኑ ጳጳሳትን እንተላይ ኣባላት ቦርድ ዝኾኑ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት በርናርት ሄብዳ ብዓል ከተማ ሰይንት ፖልን ሚናፖሊስን፣ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ቶማስ ዌንስኪ ብዓል ሚያሚን  ከምኡ ውን ምስቶም ተራ ኣባላት ቦርድ ዝኾኑ ባሪ ጃክሰን ከም ዝተሳተፉ ተፈሊጡ።

ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ተልእኾ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒየስ መበል ዓሰርተው ሓደ ብ1926 ብተበግሶ ሓንቲ ኻብተን ኣርባዕተ ጳጳሳውያን ናይ ቅድስቲ መንበር ማሕበራት ዝኾነ ብዛዕባ ጉዳያት ተልእኾ ስብከተ ወንጌን ዝሓሊ ቅዱስ ማሕበር ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረ ነዚ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ኣቘሙ ። ኣብ ዓመቱ እቲ ናይ መጀመርታ ዓለምለኻዊ ምእካብ ምጽዋት ምእንቲ ተልኾ ስብከተ ወንጌል ተኻየደ፣ ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ኸኣ ኣድማሳዊ ሓድነት ዝግለጸላ መዓልቲ ኮይና ትርከብ ኣላ ።

ዓመታዊ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዘላ ናይ መወዳእታ ሰንበት ኣብ መላእ ዓለም ተዘኪሩ ዝዕል መዓልቲ ተልእኾ ስብከተ ወንጌል መላእ ቤተ-ክርስትያን ንልዕሊ 1,100 ዝኾኑ ሰበኻታታት ብፍላይ ከኣ በተን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዘለዋ ኣብያተ-ክርስትያንን ኣቢሎም ብዛዕባ ክርስቶስ ዚህብዎ ምስክርነትን ንድኻታት ግብራዊ ሓገዝ ንምሃብን ፍሉይ ተወፋይነት ዝግበረላ ዕለት ኢያ።

እዛ ዕለተ ጸሎትን ምጽዋትን ኻብ መበል 19 ዘመን ፈረንሳ ሱር ዘለዋ ዕለት እያ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ እታ ብጽእቲ ፖሊን ጃሪኮት ዝተሰምየት ተራ ምእመን ንፈተውታን መሓዙታን ኣኪባ ምእንቲ ተልእኾ ስብከተ ወንጌል መዓልታዊ ክጽልዩን ኺጽልዩን ኣብ ሰሙን ሓደቲ ሳንቲም ክምጽውቱን ሓተተቶም። እቲ ቐዳማይ እተገብረ ምጽዋት ድማ ናብ ሰበኻ ሉዊዝያና ተላእከ ፣ ድሕሪኡ ካብ ፍሎሪዳ ኪስ ናብ ካናዳ ኸምኡ ውን ናብ ባርድስታውን ኪንቱኪ ተላእከ ።

ናይ ሕ. መ. ኣ. ጳጳሳዊ ማሕበር ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ብቐጥታ ናብ ከባቢታት ስብከተ ወንጌል ምጽዋት ይዝርግሓ

ጳጳሳዊ ማሕበር ተልእኾ ስብከተ ወንጌል (TPMS) ንልኡካነ ወንጌልን፡ ንመንእሰያት፡ ንኣብያተ-ክርስትያንን ብጸሎትን ብግብረ-ሰናይን ንምድጋፍ ዝካየድ ጳጳዊ ኣገልግሎት ዓለምለኻዊ መርበብ ኢዩ። ገለ ኻብዚኣቶም ኸኣ ማሕበር ምስፋሕ እምነት፡ ማሕበር ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያ፡ ማሕበር ህጻናት ልኡካነ ወንጌል ከምኡ ውን ማሕበር ካህናትን ሰብውፉይ ሕይወትን ንስብከተ ወንጌል ክጥቀሱ ይከኣል።

እዚ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከብ ጳጳሳዊ ማሕበር ተልእኾ ስብከተ ወጌል ንነፍሲ ወከፍ ኣብያተ - ክርስትያን ኣብ ዘድልየን ነገራት ተመርኲሱ ጥሪታዊ ሓገዝ ብማዕረን ፍትሓዊ ብዝዀነ መገዲን ምእንቲ ክገብር በቲ ናይቲ ኣከባቢ ጳጳስ ኣብያተ - ክርስትያንን ከባቢታት ስብከተ ወንጌልን ጉባኤ ጳጳሳትን ኣቢሉ ይዓዪ ዘሎ ኢዩ ።

እዚ ገንዘባዊ ሓገዝ እዚ ብቐጥታ ኻብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናብቶም ከባቢታት ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ጳጳሳት ኢዩ ዝወስደድ፣ እዚ ድማ ኣብ መንጎ እተን ኣብቲ ኸባቢ ዝርከባ ኽልተ ኣብያተ - ክርስትያን ቀጥታዊ ምትእስሳር ንኽህሉ ውን ኣኽኢሉ ኢዩ ።

ካርዲናል ፒየር ፦ ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ቤተ ክርስትያን እንደገና ኺበራበር

እቶም ቀደም ኣባል ቦርድ ጳጳሳዊ ማሕበር ተልእኾ ስብከተ ውንጌል ዝነበሩ ብፁዕ ካርዲናል ፒየር ኣብቲ ዝሃብዎ ርእይቶ፣ ኣገዳስነት ሕብረተሰብ ኣጕልሑ ኣብ እተፈላለያ ሃገራት ከም ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኮይኖም ኣብ ዘገልገሉሉ ዝረኸብዎ ግላዊ ተመክሮታቶም ድማ ኣካፈሉ ዝበዝሐ ካብዚ ድማ ካብ ደገፍ ጳጳሳዊ ማሕበር ተልእኾ ስብከተ ውንጌል ዘካይዶ ኢዩ። 

"እቲ ኣብ ሰንበት ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ክንእክቦ እንሰናዶ ዘሎና ምጽዋት ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ " ብምባል ውን መግለጺኦም ቀጸሉ - "ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እቲ ቀንዲ ልኡከ ወንጌል ስለ ዝዀኑ፣ ነዚ ኣድማሳዊ ስፍሓት ቤተ - ክርስትያን ከም ዓለም ለኻዊ ተልእኾ ገይርና እንደገና ከነበራብሮ ኣሎና፣ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከኣ ኣብዚ ጻዕርታት እዚ ኽንድግፎም ኣሎና ። " በሉ።

ካርዲናል ታግል ፦ ምእንቲ ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ንጸሊ

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ብፁዕ ካርዲናል ታገለ ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከምኡ ውን ካብ ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ሰላምታ ድሕሪ ምቕራቦም ነዚ ሓሳባት እዚ ኣካፈሉ።

ብዛዕባ መበቈል ናይቲ ብስራት ወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ ከካፍሉ ዝተወፈዩ ተራ ምእመናንን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ዝመስረቱ ማሕበር ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ኣስተንተኑ ። "ማሕበር ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ኣብቲ ንወንጌል ኢየሱስ ንምስባኽ እተለዓዓለ ዓሚቝ መንፈሳዊ ቘራጽነት እተመስረተ ኢዩ" በሉ።

ልኡኻነ ወንጌል ኣብ እስያ ኣፍሪቃ ኦሽያንያ ዞባ ኣማዞን ከምኡ ውን ኣብቶም ኣብ ትሕቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ዝመሓደራ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዝርከባ ሓዋርያዊ መንበረ ዕቅብናታት ከመይ ዝበለ ንጥፈታት ከም ዘካየዱ ሓበሬታ ብምክፋል ነቲ ናይ ተልእኾ ስብከተ ወንጌል መንፈስ ከም ብሓድሽ ከጐሃህርዎ ኣድላዪ ምዃኑ ውን ኣጕልሑ ።

"ኣብ ቍምስናታትና ምእንቲ ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ንጽሊ ዲና?" ክብሉ ውን ሓተቱ። "ኣብ ዓለም ብዙሓት ህዝብታት ወንጌል ክሰምዑ ከም ዘድልዮም ሓበሬታ ነካፍል ዲና? ወይስ ነዚ ሰንበት ዓለምለኻዊ መዓልቲ ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ናብ ደረጃ ካልኣይ ክፍል ምእኻብ ምጽዋት ኣውሪድናዮ ኣሎና?" ክብሉ ውን ሓተቱ።

ልዕሊ 1,150 ዞባታት

ብፁዕ ካርዲናል ታግለ ኣብ መግለጺኦም ኣብዛ ሰንበት ዓለምለኻዊት መዓልቲ ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ዝምርኮሱ 1,150 ዞባታት ዘሕለፍዎ ተመክሮታት እውን ኣካፈሉ ።

"እስያ ኣብ ዓለም እታ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋ ኽፍለ ዓለም እያ። ክልተ ሲሶ ህዝቢ ዓለም ኣብ እስያ እኳ እንተ ሃለዉ፣ ካብቶም ኣብ እስያ ዚነብሩ ግን ሰለስተ ሚእታዊት ጥራይ እዮም ክርስትያን ምእመናን" በሉ። ሓደ ኣብ ካምቦድያ ዚርከብ ሓደ ምእመን ጥራይ ዘለዎ ቁምስና ኣሎ ከምኡ ውን ድሕሪ እቲ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ሓሙሽተ ምእመናን ጥራይ ዝነበርዎ ኣብ ነፓል ብሓደ ኻህን ዝግልገሉ ንዘሎ ኩነታት ብምዝካር ካርዲናል ታግለ ሓደ ሲሶ ኢጣልያ ኣብ ዝኸውን ስፍሓት ዘለዎ ዞባ ፋሕ ኢሎም ኢዮም ዝርከቡ ክብሉ ዘለዎም ተመኩሮ ኣካፈሉ።

እቶም ኣብዛ ሰንበት መዓልቲ ተልኾ ስብከተ ወንጌል ዝምርኰሱ

ብፁዕ ካርዲናል ታግል ኣስዒቦም ከምዚ በሉ - "ኣብ እስያን ኣፍሪቃን ዝነብሩ ጳጳሳት ይድውሉለይ ኢዮም፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ኣብተን ናይ መጀመርታ ሰለስተ ደቒቕ ምህንቕናቕን ብኽያትን ጥራይ ደአ እምብር ቃላት ኣይሰምዕን ኢየ። "ኣብ ሰንበት መዓልቲ ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ዝምርኰሱ ንሳቶም እዮም"።

"ነዚ ሓቅታትን ዛንታታትን እዚ ንህዝኹም እንተ ኣካፈልኩምዎም ልቦም ብሓዊ ኸም ዚነድድ ርግጸኛ እየ" በሉ።

"ንሳቶም እውን ነቲ ብስራት ወንጌል ናብቶም ኣዝዩ ዜድልዮም ብዙሓት ሰባት ኬካፍልዎ ከም ዚደልዩ እፈልጥ እየ" ውን በሉ፣ ኣስዕብ ኣቢሎም እውን "እቲ ዝዓበየ ብስራት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ" ክብል መግለጺኦም ዛዘሙ።

24 July 2024, 16:46