ድለ

ር.ሊ.ጳ. በዓል መዚ ተቖጻጻሪ ጉዳያት ቁጠባ ቫቲካን ሓዳስ ጓል ኣንስተይቲ ኣባል እንክብሉ ሰምዮም ር.ሊ.ጳ. በዓል መዚ ተቖጻጻሪ ጉዳያት ቁጠባ ቫቲካን ሓዳስ ጓል ኣንስተይቲ ኣባል እንክብሉ ሰምዮም  

ር.ሊ.ጳ. በዓል መዚ ተቖጻጻሪ ጉዳያት ቁጠባ ቫቲካን ሓዳስ ጓል ኣንስተይቲ ኣባል እንክብሉ ሰምዮም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንፕሮፈሰር ኮንቸታ ብሬሽያ ሞራ ነታ ብመንግስቲ ኢጣሊያ ናይ ቅዋም ኣኽባሪ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዳይና ንኽትከውን ንዝተመዘት ኣንቶነላ ሻሮነ ኣሊብራንዲ ተኪኣ ሓዳስ ኣባል ቤት ምኽሪ ASIF ትካል ገንዘባዊ ሓበሬታ ቫቲካን - ASIF እንክብሉ ከም ዝሰመይዋ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፕሮፈሰር ኮንቸታ ብሬሽያ ሞራ ሕጊ ባንክን ባጤራዊ ዕዳጋን ከምኡ’ውን ሕጊ ባጤራ ሕብረት ኤውሮጳን ካልኦት ትምህርትታት ስነ ቁጠባ መምህር ኣብ ሮማ ትረ መንበረ ጥበብን ብተወሳኺ ኣብቲ መንበረ ጥበብ ማእከል መጽናዕቲ ባንክን ባጠራን ኤውሮጳ እትመርሕ ከም ዝኾነት ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ናብ ናይ ስነ ፍልጠት ቁጠባን ሕጊ ቁጠባን መምህርናን ቅድሚ ምእታዋ ኣብ ፍሉጣት መጽሔታት ቁጠባ ዓለም ብዙሓት ጽሑፋት ዘሕተመትን ኣብ ባንኪ ኢጣሊያ ትሰርሕ ከም ዝነበረት ሓቢሩ፡ "ሕጊ ባንኪ" ብዝብል እርስቲ ዓባይ መጽሓፍ ዝደረሰትን ናይታ ሕብረተሰብ እተሰምየት መጽሔት ዋና ኣሰናዳኢትን ምዃና የመላኽት።

ብሬሽያ ሞራ ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ሓላፍነታት ዘለዋ ኮይና ኣዚ ድማ፡ ከም ኣማኻሪት ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዳግመ ውደባ ባንክታትን ኣባል ጉጅለ ሰብ ብርኪ ባንክታት ኤውሮጳን (EBA) እያ። ብተወሳኺ ምኽትል ኣቦ መንበር ናይ ሕብረት ኤወሮጳ ማእከላይ ባንኪ ቤት ድሒራ ናይቲ ሕጋውነት ውሳነታት ማእከላይ ባንኪ ኤውሮጳ ናይ ምግምጋም ሓላፍነት ዘለዎ ሽማግለ ኣደ መንበር ኮይና ከም ዘገልገለት ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

25 July 2024, 16:00