ር. ሊ. ጳ. ፦ መዓልታዊ ተኣምራት ኣምላኽ ነስተንትን
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ነዚ ዘጸናንዕ ሓሳብ እዚ ብመሰረት እቲ ብዛዕባ ተኣምር ሓሙስ እንጌራን ክልተ ዓሳታትን ዘዘንቱ ናይ እለቱ ወንጌል እንካብ ወንጌል ዮሓንስ እተወስደ ብምስትንታን፦
“ነቲ ኣብ ጸጋ ኣምላኽ ዚርከብ 'ተኣምራት' መዓልታዊ ኣስተማቕሮ ” ክብሉ ኣስተምሃሩ።
እቶም ቀንዲ ተሳተፍቲ ናይቲ ፍጻመ ኢየሱስ ነዚ ተኣምራት እዚ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ድራር ዚደግሞ ሰለስተ ሰለስተ ምልክታት ከም ዝፈጸመ ገለጹ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ንነፍስ ወከፍ እዞም ምልክታት ቅድሚ ምስትንታኖ ቅዱስ ኣቦና ኵሉ እቲ ኣብ መሥዋዕተ ቅዱስ ቍርባን ዚግበር ተግባራት ምዃኑ ኣመልከቱ።
መስዋእቲ ምቕራብን ምምስግናን ምክፋልን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መጀመርታ ብዛዕባ "መስዋእቲ" ብምስትንታን ነዚ ረቛሒ እዚ እንህቦ ጽቡቕ ነገር ከም ዘሎና ኣፍልጦ ሃቡሉ፣ እቲ ዘሎና እውን እንተዀነ ምስቲ ዘድልየና ኽወዳደር ከሎ ኣዝዩ ውሑድ ኢዩ ኢልና ኢና እንምልስ ድማ በሉ።
ቅዱስ ኣቦና ኸም ዝገለጽዎ እቲ ኣብ እዋን መሥዋዕተ ቅዳሴ ካህን ህብስትን ወይንን ኣብ መሰውኢ ምስ ኣቕረቡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከኣ ህይወቱ ምሳኡ ከም ዘወፊ ኣሎ ።
እዚ ተግባር እዚ "ልክዕ ከምቲ ኣብ ቅድሚ ኣሽሓት ሰባት ዘሎ ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ብዛዕባ እቲ ንደቅሰብ ዘድልዮም ነገራት ክንሓስብ ከሎና ንእሽቶ ዝመስል እኳ እንተዀነ " ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ግን " ኣምላኽ ንድሕነት ዓለም ክብል ነቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ተኣምር ከም ዝኸውን ገይሩ ኢዩ ዝገብሮ " ብምባል መስከሩ ።
'ድኹም ፍቕርና'
ብድሕሪ እዚ ድማ ናብ "ምስጋና" ምስል ብምባል ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዝባረኸና ኽንሕጐስን ከነመስግንን ከም ዘሎና ገለጹ።
"ንጐይታና ብትሕትናን ብሓጐስን 'ኵሉ ዘሎኒ ውህበትካ እዩ፣ ከመስግነካ ድማ ብመጀመርታ ደረጃ ስለ እቲ ዝሃብካኒ ኩሉ ምስ ወድኻ ኢየሱስ ኰይነ ሞሳ ኽመልሰልካ ጥራይ እየ ዝኽእል፣ 'ንድኹም ፍቕረይ' እውን ክውስኸሉ እኽእል እየ" እውን በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዚ ህሞት እዚ ንኣምላኽ ስለ ኩሉ ሰናያቱ እንውድሰሉ 'ቡራኬ' ከም ዜመልክት እውን ገለጹ፣ "ንሱ ነቲ ተነቃፊ ጻዕርታትና ዚቕድሰሉን ዘወፍየሉን ዘብዝሓሉን እዋን እዩ"።
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ እዋን መሥዋዕተ ቅዳሴ ብሓባር ናብ መሰውኢ ቐሪብና ስጋን ደምን ክርስቶስ ክንቅበል ከለና "ፍረ ዅሉ ውህበት ኵሉ ብጐይታ ናብ ምግቢ ንዅሉ ኸም ዚቕየር" ብምዝካር ናብቲ ሳልሳይ ተግባር ማለት "ምክፋል" ብምትኳር ውን ኣስተንተኑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ከምዚ በሉ - "ንነፍሲ ወከፍ መግለጺ ፍቕሪ ከም ህያብ ጸጋ ምኹኑ ነቶም ዝህቡን ነቶም ዝቕበሉን ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ኰይኖም ብሓንሳእ ንኽዓብዩ ካብ ቅድሚኡ ብዝያዳ ኣብ ግብረ-ሰናይ ክሓብሩ ከም ዘለዎም ዘምህረና ኢዩ።"
ከነስተንትነሉ ዘሎና ሕቶታት
ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ቅዱስ ኣቦና ነቶም ንጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣባኡ ዝተረኽቡ ምእመናን ሓቢሮም ገለ ሕቶታት ብምልዓል ከስተንትኑ ዓደምዎም ።
"ብጸጋ ኣምላኽ ንኣሕዋተይን ንኣሓተይን ክህቦም ዝኽእል ፍሉይ ነገር ከም ዘሎኒ ብሓቂ እኣምን ድየ ወይስ ስምና ኸይተፈለጥና ‘ሓደ ካብ ብዙሓት' ከም ምኳና ኢዩ ዚስምዓና?" ክብሉ ሓተትዎም።
ኣስዕብ ኣቢሎም ውን "ስለቲ ፍቕሩ ብቐጻሊ ዚግለጸሉ ውህበትከ ንጐይታ አመስግኖ ድየ?" በሉ።
ኣብ መወዳእታ ኸኣ "ንኻልኦት ከም ዘጋጠሙኒ ክድገፉ ከም ዘለዎም ገይረ ድየ ዝነብር ዘለኹ?" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነታ ቅድስተ ቅዱሳን ኣዴና ንነፍሲ ወከፍ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብእምነት ንኽንሳተፍ ክትሕግዘና ከምኡውን ነቲ "ተኣምራት" ዝኾነ ጸጋ ኣምላኽ ኣፍልጦ ኽትህበሉን መዓልቲ መዓልቲ ኸተስተማቕሮም ብምጽላይ ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ።